ዓርቢ 18 ነሓሰ 2017
ቅድሚ ገለ እዋናት Castration
anxiety: A Psychoanalytic Approach To Atheism ትብል ዓንቀጽ ጽሒፈ ነበርኩ። ሎሚ ከምቲ ልሙድ ንተዛረብቲ
ትግርኛ ክጠቅሞም ይኽእል ይኸውን ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ’የ እናተርጐምኩን ገለ ሓሳባት እናመላእኩን ናባኹም ከብሎ። “እንታይ’ሞ ንዓይ፧”
ዝብል ምንባብ ዝሰልቸዎ ተኸታታሊ ‘ተሎ bottom line ኣብዚ ክህቦ። ሲግመን ፍሮይድ ከም ዝበሎ ቆልዓ በተን ሓሙሽተ መሳልል
ናይ ኣእምሮ-ጾታዊ ዕቤት psychosexual development ማለት (i) the oral, (ii) the anal, (iii)
the phallic, (iv) the latent, and (v) the genital. ኣብታ ሳልሰይቲ “ፋሊክ” መሳልል ኣብ መንጐ
3-5 ዓመት ምስ በጽሐ/ሐት ስልቦ castration ከየጋጥሞ ይፈርህ። እዚ ትሕተ-ንቁሕ ዝኾነ ሻቅሎት ኣብ ክልቲኡ ጾታ ብዝተፈላለየ
ኣገባባት በጨቕ ክብል ይኽእል። ብፍሮይድ ዝማዕበለ ኣእምሮኣዊ ትንተና psychoanalysis ከም ዝብሎ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና
ክንርእዮ ንኽእል ነገር’ዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እምበኣር ትሕተ-ንቁሕ ዝኾነ ክፋል ናይ ሓደ ኢዚሀራዊ እናርኣና ዘለዎ ፍርሒ ስልቦን
ናብ “ኣምላኽ የለን” እናበለ ንፍርሁ ክሓብእ ዘካይዶ ጻዕርን ክንዕዘብ ኢና። ንቀጽል።
ቅድሚ ናብ ቀንዲ ኣርእስቲ ምእታወይ
ብዛዕባ ‘ዛ ሓዳስ ኣጠቃቅማ ዘለዋ ትመስል ቃል- “ስልቦ” ገለ ክብል።“ልበይ ሰሊባቶ” ዝብል ሓረግ ሰሚዕና ንኸውን፡ ኣብዚ “ምስላብ”
ምስራቅ፡ ምጉሕጓሕ፡ ወዘተ ከስምዕ ይኽእል። ኣብ ገድሊ ዝነበረ ጉራማይለ ትግርኛ ንስሉብ ካልእ ትርጉም ይህባ። ሰለበ እንታይ ማለት’ዩ፧
ቀዳማይ ትርጉማ ሰረቀ፡ ወሰደ ወዘተ ክኸውን ይኽእል (እንድዒ) ። ሎሚ ግን በታ ካልኣይቲ ትርጉማ ክንከዳ። ተኪአ ተስፋይ ኣብዛ
መዝገበ ቃላቱ፡ castrate ትብል ቃል ሰንገወ፡ መከተ፡ ኣሶረ፡ ሰለበ ኢሉ መግለጺ ሂቡላ ኣሎ። ንብዕራይ castrate ጌረዮ
ክትብል “መኪተዮ” ኢኻ ትብል፡ ንሰብ ድማ “ሰሊበዮ”። ኣብ ብሉይ ኪዳን የሆዋ ንእስራኤላውያን “ኣብ ማሕበርኩም ስሉብ ኣይተእትው”
ይብሎም፡ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ሓደ ካብ ሃዋርያት ንኢትዮጵያዊ ስሉብ ከም ዘጥመቆ ይዛረብ። ስሉብ፡ ብእንግሊዝኛ eunuch ዩኑክ ማለት’ዩ።
ካብ ሰለበ ተበጊስካ ስልቦ፡ ስሉብ፡ ምስላብ ወዘተ ዝብሉ ቃላት ክወጽእ ይኽእል። ኣብ Game of Thrones ዘሎ ኣማኻሪ ደነሪስ፡
ግረይዎርም ዝመርሖም “ስሉባት” ወተሃደራትን ኣብነታት ክኾኑና ይኽእሉ። ምስላብ ቀደም እዋን ብነገስታት ዝተኣታተወ
precaution measure እዩ። ኣብ ቤት ሓሪም harem በማኢት ዝቁጸራ ኣንስቲ እንተለዋኻ፡ ሓላዊአን ወተሃደር ክጽይቀልካ
ይኽእል’ዩ። ስለዚ ካብ ጾታዊ ስምዒት ነጻ ዝኾነ ሊቀ-ሓሪም የድልየካ፡ ወላውን ስምዒት እንተመጾ “ኵውዕሎ” ከም ዘይክእል ተረጋግጽ’ሞ
ልብኻ ኣውዲቅካ ናብ ውግእ ትገይሽ። ስሉባት ኵወልዱ ስለ ዘይክእሉ ኣብ ስልጣን ንመራሕቶም ክጻረሩ ዘይሕሰብ ነበረ፡ በዚ ድማ ልዑል
መዓርጋት ክሳብ ኣማኸርቲ ነጋውስ ይኾኑ ነበሩ። “ምስላብ” ከም መቅጻዕቲ ንተደጋጋሚ ኣዋልድ ዝዕምጹ ገበነኛታት ውን ታሪኽ ስሉባት
ይዛረብ’ዩ።
ዘይትፈልጥዎ ሰባት ተለኹም እዚ ኣብ
ስእሊ ዘሎ ሰብኣይ ጀማሪ ዘመናዊ ትንተና-ኣእምሮ psychoanalysis ዝኾነ ሲግመንድ ፍሮይድ (1856-1939) እዩ። ሎሚ
ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ክልሰ-ሓሳባቱ ዝኾነት ሻቅሎት ስልቦ ክንርኢ። Castration anxiety; literal or
metaphorical ኢልና ኣብ ክልተ ክንመቅሎ ንኽእል። ሎሚ በቲ ተምሳሌታዊ metaphorical ትርጉሙ ክንከዶ፡ ክትዕ ትፈው ጸማማት ቅድሚ ምዝራብኩም metaphorical
castration anxiety ማለት ትኽ ብትኽ ብልዕትኻ ከይትቁረጽ ምፍራህ ዘይኮነ ብልትዕኻ ንዓኻ ዘለዎ ኣእምሮኣዊ ትርጉም ናይ
ናጽነት፡ ርእስኻ ምኽኣል፡ ክእለትካ፡ ስልጣንካ፡ ፍልጠትካ፡ ሓይልኻ ወዘተ ማለት’ዩ። ኣብ ኣምላኽ ምእማን ማለት ብገለ ሸነኹ ካባኻ
ዝዓቢ፡ ካባኻ ዝሕይል፡ ካባኻ ብኹሉ ሸነኹ ዝበልጽ ክህሉ ምፍቃድ ማለት’ዩ፡ ኢዚሀራዊ ግን ወላ ህላወ ናይ ኣምላኽ ክሓስብ ኣይደልን
ምኽንያቱ ንኣምላኽ ምእማን ማለት ንኢጎኻ ምቅታል ስለ ዝኾነ (ናይ ኣፍ ምእማን ዘይኮንኩ ናይ ልባዊ ዝኾነ እምነት’የ ዝዛረብ ዘለኹ)።
ፍሮይድ ከም ዝብሎ እዚ ሻቅሎት ካብ “ኣነ ኣገዳሲ ኣይኮንኩን፡ ወይ ትርጉም ዘይብለይ ሰብ’የ” ዝብል ሓሳብ ይነቅል። ብመሰረቱ
ኣብ ማሕበራዊ ኮነ ውልቃዊ ህይወትካ ክትዕብለል ናይ ዘይምድላይ ኩነተ-ኣተሓሳስባ እዩ ይብል ፍሮይድ። ኣብ እዋን ቁልዕነት እዚ
ዓይነት ፍርሂ ምስ ኣቦኻ ዘለካ ዝምድና ክሐርፍፎ ይኽእል። ነዚ ፍርሂ ዓቢጥካ ጽቡቅ ዝኾነ ዝምድና ምስ ኣቦኻ ክህልወካ ይኽእል፡
እቲ መውጽኢ ዝሰኣነ ሻቅሎትካ ድማ ሕነ ቅራናት ጌሩ ነቦኻ ገዲፍካ ንኣምላኽ ከም ትጸልኦ ይገብረካ። ኣምላኽ ከም ሰብኣይ ጌርካ
ምግላጽ ልሙድ ስለ ዝኾነ ድማ ፡ ነዚ ሻቅሎት ስልቦ ናብ ሃይማኖት ትወስዶ።
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ወላ ሓንቲ ዘይብልካ ምዃን’ካ ምስ ተሰቆረካ ፡ ኢጎኻ ተጠሊዑ ከእዊ ይጅመር። ብእንግሊዝኛ ከምዚ’ሎም
ገሊጾሞ ኣለው “Symbolic castration
anxiety refers to the fear of being degraded, dominated or made insignificant,
usually an irrational fear where the person will go to extreme lengths to save
their pride and/or perceives trivial things as being degrading making their
anxiety restrictive and sometimes damaging” ከምቲ
ዮሃንስ ንክርስቶስ “ኣነስ ኣስእኑ ክጸውር ኣይበቅዕን” ዝበሎ ትሕትና’ስ ኣበይ ኮን’ዩ ጠፊኡ፧ ኣምላኽ ዝዓበየ ኣባታዊ ተራ ዝሓዘ
ኣካል እንተኾይኑ፡ ኣንጻሩ ክትለዓል ምድላይ ነቲ ዘይርትዓዊ irrational ሻቅሎት ናይ ስልቦኻ ብጸርፊ ወይ ብምቁሻሽ ሃይማኖታት
ከተተግብሮ ትኽእል። እዚ subconscious ስለ ዝኾነ ንዓኻ ኣይርድኣካን’ዩ! ዝርድኣካ ‘ተዝነብር ካልኦት ሰባት ንኣምላኽ ከመስግኑ፡
ከምልኹ፡ ከጽልዩ ከለው ቅጭ ኣይምመጻካን። ወላ ኣብ እምኒ ዘይኣምን ንዓኻ እንታይ ሓበጠካ፧ ፍርሂ ስለ ዘለካ ግን ግድን ተዘይተዛረብኩ
ትብል ኣለኻ።
“ቅዱስ ነገር ነኽላባት ኣይትሃብ ተመሊሶም
ከይነኽሱኻ” ተባሂሉ፡ ምስ ዕውራት ብዛዕባ ጸሓይ ምዝራብ ኣየድልን’ዩ ግን እስከ ሓደ ወረጃ መጺኡ ተረር ተረር ‘ተበሎ ኢለ እየ
‘ምበር ካልእሲ ደሓን። ከም ብዘመን ውቤ ዝጸመመ ሓደ ዝደርፉ ጸማም “ኣምላኽ የለን” ትብል’ሲ ካልእ ክትብል ስለ ዘይትኽእል ድዩ፧
ብኣምላኽ ምውርዛይ ከምዚ ፍሮይድ ዝበሎ ሻቅሎት ስልቦኻ ንምዕባጥ እንተኾይኑ፡ ኢዚሀራዊ ኣጆኻ! ዝኾነ ሰብ ፍረ-ነብስኻ ኣይትንክፈልካን’ዩ፡
ወላ ኣነ ኵወሓሰካ። ጸረ-ኣምላኽ ተርእዮ ዘለኻ ተቃውሞ ኣብ መወዳእታ እንታይ ክጠቅመካ’ዩ፧ ካብ ሞት ከድሕነካ፧ እዚ ዘለና ጭንቀት
ብሰሓቅ ዝፍታሕ ‘ተዝኸውን ኣነ ምሳኻ ሓቢረ ንኣምላኽ ምተዋዘኹሉ ኔረ፡ ግን ህይወት ሃሃ! ወይ ክክክ! ኢልካ ትሕለፍ ጭርቃን ኣይኮነትን።
ምኽንያቱ ጽባሕ ኣብ መቃብር ፍልሖ ክበልዓካ ከሎ መንዮም ምሳኻ ኮይኖም ከሳሕቁኻ፧ ኣምላኽ የለን’ሲ ትብል ኣለኻ ጽባሕ ግን ንሱ
ዘይኮነ ንስኻ ኣይክትህሉን ኢኻ። ኣምላኽ “ሓሳብ” እንተኾይና ዝሓስብ ኣእምሮ ክሳብ ዝሃለወ ኣይክትጠፍእን’ያ።
እዚ ናይ ኢዚሀራውያን ኣሕዋትና “ኣምላኽ
የለን” ኢልካ ቱታ ምባል እንበኣር ንነገራት ክትቅበሎም ካብ ዘይምድላይ፡ ኣሜን ኢልካ ድንን ክትብል ናይ ዘይምድላይ ሕማም ናይ
ኢጎ ‘ዩ። ኣማኒ ጸግዒ ዝኾኖ ኣምላኽ ኣለዎ፡ ኣደኡ ‘ተሞተት ደሓን ኣብ መንግስተ ሰማይ ኣላ ወይ ፍቃድ ኣምላኽ’ዩ ክብል ይኽእል።
ኣብ እዋን ሓዘኑ ክጸናናዕ ይኽእል፡ እንተ’ቲ ውጹእ ኣረሜን ግን ኣዲኡ ምስ ሞተት እንታይ ኮን ክብል’ዩ፧ ኢዚሀራውያን ካብዛ ዘለናያ
ወጻኢ ካልእ ህይወት የለን ትብሉ ‘ተለኹም ሞት ኣዴታትኩም’ሲ ብምንታይ ክትገልጽዎ ኢኹም፧ “ኣደይ ካብ ህበይ መጺኣ፡ ሎሚ ሞይታ፡ ጽባሕ ድኹዒ ናይ ሓመድ ክትከውን’ያ”” ዲኻ ክትብል፧ ከምቲ ማርክስ
ዝበሎ “ሃይማኖት ዕጸ opium ኣህዛብ” እንተኾይኑ፡ ምረት ህይወት ኣብ ዝባንካ ክዓልብ ከሎ መን’ዩ ቃንዛኻ ከህድኣልካ፧ ኢጎ
ቃንዛ ስለ ዝፈቱ መሊሱ’ዩ ቁስልኻ ክጐዳኣካ። ትፈትውዎ ሰባት ምስ ዝሞቱ፡ ጽባሕ እርጋን መጽያ ጐርበብ ጐርበብ ምስ በልኩም፡ ዝሰራሕኩሞ
ኩሉ ጽባሕ ንኣሽቱ መንእሰያት መጺኦም ክብለጹሉ ከለው፡ እዚ ኩሉ ተዓብ፡ ሽግር፡ ቃልሲ መወዳእታኡ ማይ ምዑሟኽ ምዃኑ ምስ ተረደኣኩም
እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧ እዚ ከም ሕንጻይ ካብ መጽሓፍቲ ዘንበበኩሞ መልሲ ኣይደልን’የ። Ce la vie! ከይትብሉኒ። ብዛዕባ
Sugar coating ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ፡ ኣብቲ ጸልማት እዋናት
ናይ ህይወት ኣብ መን ክትውከሉ ኢኹም፧ ኣስላማይ ኣብ ኣላህ፡ ክርስትያን ኣብ ክርስቶስ፡ ኣይሁድ ኣብ G-d፡ ኩሉ ጸጸግዑ ኣለዎ፡
ወላ ኣምልኸቲ ሰይጣን ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ሽግር ተመጾም ኣብኡ ኵውከሉ’ዮም። “ጸግዒ ኣየድለየንናን’ዩ!” ባዕልና ጐቦ ክንከውን
እናኸኣልና ንምንታይ ኣብ ጐቦ ንጽጋዕ ክትብል ትክእል። ኢጎኻ እዩ ክንዲ ጐቦ ‘ምበር ንስኻስ ጐቦ ኣይኮንካን። እንታይ ኣለካ ናተይ
ትብላ ኣብዛ ዓለም፧ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ዓራት ደቂሶም (ንገሌኹም ድማ ብደዎም) ዝፈጠሩኻ ፈሳሲ እኳ ኢኻ። ትማል ኣብ ስሬኻ
ትሸይን፡ ነፋጥ ቆልዓ ከም ዝነበርካ ከዘክረካ’ዶ፧ “ኣነ” ትብሎ ዘለኻ’ሲ መን ምዃኑ ትፈልጦ ዲኻ፧ ነቲ ኮልታፍ መልሓስካ ቋንቋ
ክትምህር ኣዴኻ ክንደይ ግዜ ኣጥፊኣ ትኸውን፧ “ፍልጠት ኣለኒ” ከኣ ትብል ኣለኻ፡ መን ድዩ ሀ፡ሁ ምሂሩካ፧ መን ኢኻ፧
ኣብ ፋብሪካ ሕብረተሰብ ዝተሰናዕካ ሰንኬሎ
ኢኻ። (ኣነ ውን ከማኻ’የ ግን “ጐቦ እየ” እናበልኩ ሰብ ኣየጽምምን’የ)። እዚ tough guy act ገዲፍኩም ቁሩብ ትሕትና
‘ተትለብሱ ምሓሸ። ብጌጋ ኣይትረድኡኒ ኣሕዋት፡ ኣብ ኣምላኽ እመኑ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፡ እዚ “ርትዓዊ” ትብልዎ ዘለኹም መጐትኩም
ንጣር ርትዒ የብሉን። ከም ሳንኬሎ ኒቸ ኣንቢብካ “ሞት ኣምላኽ” ምእዋጅ እንታይ ክንብሎ፧ ንኒቸ ሓሳዊ ክብሎ ኣይክእልን’የ ምኽንያቱ
ናቱ ርኽበት ስለ ዝኾነ።፡ ናቱ ቃላት ሰሚዑኩም ኣምላኽ የለን ትብሉ ግን ባዕልኹም ሞት ኣምላኽ ከትርእዩና ክሳብ ዘይከኣልኩም፡
ጭል- ጭል ዝብሉ ሓሰውቲ ሰንኬሎታት ኢኹም።
ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምና ኣዋልድ’ከ፧ ዝብል
ሕቶ ክለዓል ይኽእል። ሻቅሎት ስልቦ ኣይኮነን ዘለወን ኢሉ ፍሮይድ እንታይ ደኣ “ሰብኣይ” ክኾና ስለ ዝደልያ እምበር፡ ነዚ ኩነት
ተዓዚቡ ፍሮይድ penis envy ወይ ቅንኢ-መትሎ ኣለወን ይብል። ንዝኾነ ሰብኣይ ይኹን ኣምላኽ ክደና ዘይደልያ ፍጡራት’የን
‘ዩ ዝበሃል። ብዙሓት ካብ ተሓለቅቲ ደቀንስትዮ ወይ feminists ሰብኣይ ‘ተዘይኮንና እየን ዝብላ፡ ኩሉ ነገረን ኣብ ክንዲ
ንኣንስታውነተን ዘዕብያ “ሰብኣይ” ናይ ምዃን ሸውሃት ኣለወን። ከም ሰብኣይ ክዛረባ፡ ከም ሰብኣይ ክኽደና፡ ከም ሰብኣይ ክኣትዋን
ኵወጻን ይደልያ። ኣብ ስራሕና ክንደይ ቅንኢ-መትሎ ዘለወን ሓለፍቲ ኣለዋ መስለኩም!
ክንኣስሮ፡ ኢዚሀራውነት ሓደ ሸነኹ ብካልእ
ክትእዘዝ ወይ ክትምለኽ ናይ ዘይምድላይ ኩነት’ዩ። ስለምንታይ ክትእዘዝ ዘይትደሊ፧ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይ ኢጎ ስለ ዘለኻ። ኢጎኻ
ልጓም ምቁጽጻር ከረብክ ኣይብርሆን’ዩ ስለ ዝኾነ እንትርፎም ንነብሱ ንዝኾነ ነገር ክደንን ኣይደልን። ወላ ኣብ ኣምላኽ ኣይትእመን፡
ንዘለኻዮ ኩነታት ብክፉት ልቢ ክትቅበሎ ወይ accept ክትገብሮ ይጽግመካ። Acceptance ትብል ቃል ሕማም ርእሲ ትኾነካ።
ፍቓድካ ‘ምበር ፍቃደይ ኣይኹን ኢልካ፡ ኩሉ ነገርካ ንኣምላኽ ኣሕሊፍካ ምሃብ ሞት ኮይኑ ይስምዓካ። ካብ ፍቓዱ ወጻኢ ዝኾነ ነገር
ስለ ዘየለ፡ ከምዚልካ ክተጉረምርም ውን ፍቓዱ’ዩ። ናይዚ ሓውና ጥረ ውን ፍቃዱ’ያ ዘሕዝን’ዩ ምስ ጥረኻ ክትንቀሳቀስ ኣምላኽ ስለ
ዝፈቀደልካ። ንሕና ንብል ዘለና ጽባሕ ኩሉ ጻዕርኻ ከንቱነት ኮይኑ ክስመዓካ ምስ ዝጅምር ኢጎኻ መጸግዒ ኣይክኾነካን’ዩ። እዚ ፕሮፖጋንዳ
ኣምላኽ ዘይኮነ ንዝኾነ ክመውት ዝቀረበ ሰብ ኬድካ ከተረጋግጾ ትኽእል ነገር’ዩ። ኬድኩም ንኣረጋውያን ሰባት ኣዘዛርብዎም፡ ትርጉም
ህይወትኩም ካብ ክመውት ዝቀረበ ኢዚሀራዊ ክትመሃሩ ፈትኑ። ብኽፉት ልቢ ምስ ሓላዊ ስጡሕ ኣረጋዊ እንተዕሊልካ ኣብ ኣዒንቱ ፍርሂ
እምበር ተመስገን ኣይንበበን። ብደጌኻ ሓያል፡ ተባዕ ፡ ፈታው-ሓቂ ወዘተ ክትኮነልና እንዲልኻ ትፍትን ዘለኻ፡ ውሽጥካ ግን “ከይስለብ”
ዝፈርህ ገልባድ ቆልዓ ኢኻ።
No comments:
Post a Comment