Thursday, September 28, 2017

ስነፍልጠት ጸረ ኣምላኽ ድዩ፧



ቅድሚ ገለ መዓልታት ብዛዕባ እዋናዊ ስነፍልጠታዊ ዛዕባ ናይ ስነ-ቆዝሞስ ዝገልጽ ጽሑፍ ምስ ለጠፍኩ፡ ሓደ ከም ናተይ ወኒ ዘለዎ ጸሓፊ Abraham Kidane ዝሃቦ ርእይቶ’ዩ ነዚ ናይ ሎሚ ሕቶ ከልዕልን ሓሳበይ ክገልጽን ዝደረኸኒ’ሞ አመስግኖ። ካልኣይ ክፋል ናይ Theory of Everything ዝመጽእ ሰሙን ክልጥፋ’የ። ሎሚ ነዛ ሕቶ ክርእያ።
ናብ ካልእ ከይወሰድና እናፈራህኩ’የ እዘን ዝስዕባ ቃላት ክጽሕፈን፡ ግን ግድን እቲ ነጥቢ ክሓልፍ ስለ ዘለዎ ከይፈተኹ ክጽሕፋ ኣለኒ። ፍርሒ ኣብ ልዕሊ ስነ-ፍልጠት ዘለዎም ሰባት፡ ዓለም ጸፋሕ’ያ፡ ጸሓይ ማእከል ጸሓያዊ ስርዓት’ያ፡ ሕማም ምንፍርፋር ጋኔን’ዩ፡ ወዘተእናበልካ ናይ ድሕረት ካባ ከልብሱና፡ ኣብ ጸልማትን ድንቁርናን ከንብሩና ዝደል’ዩ፡ ንምሕታት ከም “ጸረ-ኣምላኽ” ጌሮም ዝርእይዎ ጥሩፋት ናይ ሃይማኖታት ኣለው። ኩሉ ግዜ ኣብ መጐት ጾር ናይ ምርኣይ ጭብጢ ወይ burden of proof ምስቲ claim ጸዋዕታ ዝገብር ዘሎ ሰብ’ዩ ዝምርኮስ። ንኣብነት “ኣምላኽ የለን” እንተበልኩ ስነፍልጠት ምሳይ ኮይኑ ኣየጣቅዕን’ዩ፡ በንጻሩኳ ደኣ እዚ ኣምላኽ ትብል’ዮ ዘለኺ እንታይ ማለት’ኪ‘ዩ ስኪ መግለጺ definition ሃብና፧ ከመይ ጌርኪ ደኣ ናብዚ መደምደምታ በጺሕኪ፧ እስኪ ከማኺ ሪእና ክንፈልጥሲ ዝተኸተልክዮ ኣገባብ ንገርና፧ ወዘተ እናበለ ጦቕ መበለኒ፡ ስለዚ ኣምላኽ የለን ክብል ኣይደፍርን’የ። በዚ ቀሊል ኣብነት ከም ዝረኣናዮ ስነፍልጠት ብዘይ ተጉላባነት ይሓትት፡ ንዝኾነ ደፊሩ “እዚ ከምዚ’ዩ” መን ምዃኑ ብዘይገድስ ናይ ምሕታት መሰል ኣለዎ። ምሕታት ህያብ ኣምላኽ’ዩ፡ (I know I just said the burden of proof lies with the one making the claim, so I do know I’m making a claim. Don’t ask me how I know “Asking questions is a gift from God” because I believe the point I need to make is more important) ንፍጥረቱ ክትርዳእ ዝሃበካ ኣእምሮ ጸጋ’ዩ፡ ከምቲ ዝተጻሕፈ ንኣዳም ነዛ ዓለም “ግዝኣያ” እንተ ኢልዎ፡ ዓንኻ ተዓሚትካ ግዝኣያ ኣይኮነን። ካብ ስነ-ፍልጠት እናሃደምካ፡ ንሕቶታት እናቀበርካ ኣይኮነን። ንዓለም “ምለካ” ማለት ንሕግታታ ተረዳእ፡ ኣስተውዕል፡ ሕተተት፡ ፍለጥ ማለት’ዩ። ተመን ንሄዋን ከስሕታ ከሎ፡ ካብዛ ገረብ ብልዒ’ሞ ኣዒንትኹም ክኽፈታ፡ ጽቡቕ ካብ ሕማቅ ክትፈልጡ ኢኹም ኢሉ ኣስድዓ ይብል ጽሑፍ። እዛ ሓሳብ ከም እትብሎ ኣምላኽ ጸረ-ፍልጠት፡ ንሰባት ኣብ ጸልማት ከንብሮም ከም ዝደሊ ተስምዕ ምኽንያቱ ኣምላኽ ጸረ-“ዓይኒ ምኽፋት” ከተምስሎ ትኽእል። ኣምላኽ’ሲ ናይ ብሓቂ ጸረ-ፍልጠት ድዩ፧ ሙሴ ንዘፍጥረት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ክጽሕፎ ከሎ ስለምንታይ ከምኡ ክብል ከም ዝደለየ ካልእ መዓልቲ ክንርእዮ፡ እንተ’ዚ ዓይንኻ ምኽፋት ሓጢኣት’ዩ ኢልካ ዝቱርጐም ዘሎ ዘሎ ግን መን ዘምጽኦ’ዩ፧ ከም ዝርድኣኒ ዓይኒ ምኽፋት ምስ ስነ-ፍልጠት ዘይኮነ ምስ ህርፋን፡ ብገንዘብ፡ ብፍልጠት፡ ብሓጺሩ ብዘለዎ ኩሉ ዘይዓግብ ሸውሃት ናይ ደቅሰብ ኣተኣሳሲርና እንተ ረኣናያ ትሓይሽ። ኣዳም ምስ ሰሓተ ሕቶታት ክሓትት ጀመረ፡ ላዕልን ታሕትን ክብል፡ ክመራመር፡ ጀመረ እንተደኣ ትብል ኣለኻ ኣዳም ካብ ቆልዓ ምዃን ስለ ዝገላገሎ ንሰይጣን ከመስግኖ ይግባእ። ካብ ድንቁርና፡ ድሕረትን ከውጻካ ኢሉ ዓይንኻ ዝኸፈተ ሰይጣን፡ ናይ ብሓቂ ክብርን ሞጐስን ይግብኦ። ስለምንታይ ኣምላኽ መስሓቲት ኦም ኣብ ገነት ፈጢርዋ፧ ኣዳም ብድሌቱ ‘ምበር ብትእዛዝ ክኽተሎ ስለ ዘይደለየ። ግርም! ኣዳም ክስሕት ምዃኑ ይፈልጥ ኔሩ ኣይነበረን፧ ኣምላኽ ‘ንድዩ ግድን ዝመጽእ ኩሉ ክፈልጥ ኣለዎ’ምበር። ስለዚ ኣዳም ከም ዝስሕት እናፈለጠ ነታ ኦም ፈጢርዋ ማለት’ዩ። እዚ ዘርእየካ ‘ተሎ ኣምላኽ ከምዚ ኢልና ክንሓትት፡ ክንዛረብ፡ ክንፈልጥ፡ ስነ-ፍልጠት ዝበሃል ሜላ ክንፈጥር ፍቃዱ እዩ ምኽንያቱ ብዘይ ፍቃዱ ሓንቲ ነገር’ኳ ክፍጸም ስለ ዘይክእል። ስለዚ ኣምላኽ ጸረ ስነፍልጠት ክኸውን ኣይክእልን። (ክትዕ ትፈትዉ እንተደለኹም ነዛ “ኣምላኽ እናፈልጠ ድዩ ጌርዎ ወላስ ኣይኮነን፧” ትብል መልሱዋ)
ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ጭቃ ምስ ፈጠሮ ይብል ቅዱስ ቈርኣን ናብ ቅድሚ ኩሎም መላእኽቲ ኣምጽኦ’ሞ፡ እነሀ ክቡር ፍጥረተይ ስገዱሉ በሎም፡ ሰይጣን ብትዕቢት ነዚ ካብ ጭቃ ዝሰራሕካዮ’ስ “ኣይሰግድን” ኢሉ ዕጭ ሓንፈፈ’ሞ ካብ ገነት ተሰጐ። እነሀልካ ክብሪ ሰብ ኣብዚ! ኩሉ ፍጥረት ብፍቃድ ኣምላኽ ዝመጸ ‘ተኾይኑ፡ እቲ ዝበለጸ ህያብና ማለት ኣእምሮና’ውን ክሓስብን ክሓትትን ኣምላኽ ስለ ዝኸፈቶ ጥራይ’ዩ። ክቡራት ፍጡራት እኳ ኢና፡ “ንመላእኽቲ ስገዱሉ” ክሳብ ዝበሃለልና ካብ ኮንና ነብሰና ኣይነስተናዕቃ፡ ጌና ብዙሕ ክቕይር ዝኽእል ዓቅሚ ኣለና። እዚ ክንሓስበሉ፡ ክንመራመረሉ ተዋሂቡና ዘሎ ሓንጐል ብላሽ ናብ መቃብር ሒዝናዮ ኣይንኺድ። “ኣይፈልጥን” ሓደ ነገር’ዩ፡ “ክፈልጥ ኣይደልን” ድማ ካልእ። ኣእምሮ ህያብ ኣምላኽ ካብ ኮነ፡ ስነፍልጠት ድማ “ኣይፈልጥን ግን ክፈልጥ” እደሊ’የ ካብ ኮነ፡ ስለምንታይ ገለ ሰባት “ዓይንና ንተዓመት” እብሉ ኣለው እንድንጽወኒ’ዩ። እዚ ፍርሂ ስነ-ፍልጠት መዓስ ኮን’ዩ ዝበልየልና፧ ንዓይ እዚ ሕጂ ጌና ጀማሪ ዘሎ ስነፍልጠት ከም ኣብ ጥቃ ባሕሪ ናይ ሑጻ ገንቢ እናሰርሑ ገዛ ገዛ ዝጸወቱ ዘለው ቆልዑ’ዩ። ክሓትት፡ ክፈልጥ፡ ክመሃር ምድላዩ ብዙሕ ምስ ክብሪ ኣምላኽ ዝተናኽፍ፡ ንኣድማስ ክፈልጥ ምድላዩ ከም ጸረ-ኣምላኽ ክንወስዶ የብልናን። ስነ-ፍልጠት ባዕሉ ኣግኖስታዊ’ዩ። ኣምላኽ ኣሎ ክብል ወይ ኣምላኽ የለን ክብል ኣይክእልን’ዩ። እዞም ኣምላኽ የለን ዝብሉ ዘለው “ተመራመርቲ” ናይ ገዛእ ርእሶም እምነት’ዩ ምበር ካብ ስነፍልጠት ዘምጽዎ ኣይኮነን፡ ስለዚ ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት ጌና ዝወረዶ ስነ-ፍልጠት ኣይነጓጥጠሉ። “ኣምላኽ የለን” ዝበለካ ሰብ ኣብየና ቦታ ደሊኻ፡ ኣምላኽ እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጥ ዲኻ፧ ከምኡ ክበሃል ሰሚዕካ ዲኻ ወይስ ከም ዘየለ ስለ ትፈልጥ ኢኻ፧ ከመይ ጌርካ ፈልጢካ ወዘተ ኢልካ ብዙሕ ሕቶታት ሓቲትካ ንሱ ውን ሓንቲ ከምዘይፈልጥ ከተርእዮ ትኽእል። ነቲ ኣምላኽ ኣሎ ዝብል ድማ ብተመሳሳሊ። ኣበይ ኣሎ፧ ካበይ መጺኡ፧ ናትካ ኣምላኽ ጥራይ ሓቀኛ ኣምላኽ ትብል ‘ተለኻ ‘ዞም ካልእ ኣምላኽ ዝኣምኑ ናብ ገሃነም ከም ዝኣትው ከመይ ጌርካ ትፈልጥ፧ ወዘተ ወዘተ ኢልካ ደው ተብሎ። ስነ-ፍልጠት ወገናዊ ኣይኮነን። ምስ ኣምላኽ ኣይኮነ ጸረ-ኣማልኽ ኣይኮነ፡ እዞም ከም ንሃሞኖታዊ ፖለቲካ ዝጥቀሙሉ ዘለው ሰባት ክንነቅሓሎም ጥራይ’ዩ ዝግባእ። ኣይሁዳዊ ኣንስታይን ኣብ ኣምላኽ ስለ ዝኣመነ ኣይሁዳውነት ልክዕ’ዩ፡ ኣምላኽ ኣሎ ማለት’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ብተመሳሳሊ ስቲቨን ሆኪን ዝወጻሉ ኢዚሀራዊ ተኾይኑ፡ ኣምላኽ የለን ማለት ኣይኮነን። ዝኾነ ተመራማሪ ውልቃዊ ሓሳባቱ በጨቅ ምባሉ ኣይተርፎን እዚ ግን ነቲ ጽላል ኮይኑ ዘስርሖ ዘሎ ስነፍልጠት ኣይውክልን’ዩ። ደም ክሳብ ዝወጽእ ክደግማ ኣይምጸላእኩን፡ ስነፍልጠት ጌርካ ህላውነት ኣምላኽ ከተረጋግጽ ወይ ክትክሕድ ኣይከኣልን’ዩ። ስነፍልጠት መሳርሒ ኢዚሀራውያን ወይ ዚሀራውያን ክኸውን ኣይግብኦን’ዩ ምኽንያቱ ፍቕሪ ፍልጠት እምበር ፍቕሪ ወገናውነትን ፡ ባይታ ክርፍስ ናይ እምነታትን ስለ ዘይኮነ።
ስነ-ፍልጠት ኣይፈልጥን’የ ግን ክፈልጥ እደሊ ጥራይ’ዩ ዝብል፡ ካብ ኩሉ ሃይማኖታዊ ወገናውነት ነጻ’ዩ። ምስ ስነፍልጠት ዝጻረር ሃይማኖታዊ መጽሓፍ እንተለካ ክትፈርህ የብልካን ምኽንያቱ ስነፍልጠት ንዘይፈልጦ “ኣይፈልጦን” ምባል ስለ ዝኽእል። እዚ ትንፈር ኣይትንፈር ግን ዓዲ ኣየጋብርን’ዩ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ግዜ ሃይማኖታት ተኸተልቲ ከም ዝኸስራ ጥራይ’ዩ ዝገብር። ስለዚ እዚ ንሓንጐል ሰብ ከም ረሳሕ፡ ናይ ሰይጣን ጌርካ ዝገልጽ ድሑር ኣረኣእያ ፎእ ክንብሎ ኣለና። ስነፍልጠት ከምዚ ገለ ሃይማኖተኛታት ዘሰይጥንዎ ዘይኮነ ንፍጥረት ምርዳእ’ዩ። ሕቶ ምሕታት ጥራይ ንእምነትካ ነቀይ ነቀይ ከብሎ ዝኽእል እንተኾይኑ፡ ንስነፍልጠት ዘይኮንካ ክትወቅስ ዘለካ ነቲ ዘይተረረ እምነትካ ኢኻ ከተዕቢ ክትጽዕር ዘለካ። ሕቶ ንዝኾነ ኣይትጐድኦን’ያ፧ እዚ ሕቶ ሕተት እዚ ኣይትሕተት ኢልካ ኣእምሮ ሰብ ምጩኳን ግን ከምቲ ንኣዳም ካብዚኣ ኣይትብላዕ ዝበሎ’ሞ ዝበልዐ፡ “እዚ ኣይትሕተትት” ኢልካ ዘዕበኻዮ ቆልዓ ጽባሕ ምስ ዓበየ ፍርሂ ሓታቶን ሕቶታትን’ዩ ክሓድሮ። ብዉሽጡ ክሓትት እናደለየ ከይሓተተ ንጽህናኡ በኪልካ ዓይኑ እንተዓሚትካዮ፡ ካብኡ ዝፍለ ሓሳብ ንዘለዎ ሰብ ክብሪ ክህብ ኮነ ብእሩም ኣገባብ እሂን ምሂን ክብል ከጸግሞ’ዩ። ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ እቲ ዝሓትት ዘሎ ውን ስለ ዝፈለጠ ኣይኮነን ዝሓትት ዘሎ፡ ስለዚ “ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ፧” ንዝበለካ ኣብ ክንዲ ሴፍ ምውጻእ ብሓቂ ክፈልጥ ደልዩ ይሓተካ ‘ተሎ ምሃሮ። እቲ ጸገም ንስኻ ኣበይ ከም ዘሎ ዘይትፈልጥ እንተኾንካ ግን ኣብ ክንዲ ጸርፍን ዘለፋን ጌርካ ትዓጽዎ “ኣይፈልጥን’የ ግን ክፈልጦ እደሊ” በል፡ ኣምላኽ ክግለጸልካ ትደሊ ተኾንካ ጸሊ እምበር ኣብ ዘይትፈልጦ ሃለውለው ምባል ንክብሪ እምነትካ የጉድሎ’ዩ።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...