Thursday, September 28, 2017

ፍልስፍና



ነሓሰ 15 2015
ብሓፈሻ ክርአ ከሎ ፍልስፍና ሓሙሽተ ዓበይቲ ዓውድታት የጠቃልል። ስነ-ኣፍልጦ Epistemology; ስነ-ህላወ Metaphysics ወይ Ontology; ስነ-ምግባር Ethics; ስነ-መጐት Logic; ስነ-ጽባቀ Aesthetics ይበሃሉ። ስነ-ኣፍልጦ ፍልጠት እንታይ’ዩ፧ ከመይ ጌርካ ክትረኽቦ ትኽእል፧ እቲ ንረኽቦ ፍልጠት ምስ ኵውንነት ማዕረ ክንደይ ይዛመድ ወዘተ እናበለ መልሲ ክረክብ ይፍትን። ስነ-ህላወ፡ ህላወ እንታይ እዩ፧ እንታይ’ከ ይመስል፧ ኢሉ ይሓትት። ኣምላኻ ኣሎዶ የለን፧ እንተሎ እንታይ’ዩ ባህርያቱ፧ ዝብሉን ካልኦት ሕቶታት ህላውነትን ኣብዚ ይጠቃለሉ። ስነ-መጐት ብቀንዱ ብዛዕባ ኣስተመኽንዮ reasoning እዩ ዝግደስ። ኣብ ስነ-ቁጽሪ፡ ኮምፒተራት ወዘተ ንሰርሓሉ መጐት ካብ ስነ-መጐት ዝነቀለ’ዩ። ስነ መጐት ወይ ኣስተመኽንዮ ኣብ ሰለስተ ክፋላት ክምቀል ይኽእል  inductive reasoning, abductive reasoning, and deductive reasoning. ስነ-ምግባር ወይ ሞራላዊ ፍልስፍና ብቀንዱ እቲ ዝበለጸ ናብራና ክንመርሓሉ እንኽእል መገዲ ኣየናይ’ዩ፧ ኢሉ ይሓትት። ከም ካልኣይ ድማ እዛ ሕቶ መልሲ ይረከበላ’ዶ ይኸውን፧ ይብል። ስነ-ጽባቀ ብዛዕባ ጽባቀ፡ ስነ-ጥበብ፡ ምስትምቃር ጽባቀን የጽንዕ፡ ጦብላሕታ እንታይ’ዩ፧ ጽባቀ ከመይ ጌርካ ትገልጾ፧ እንታይ ረቋሒታት ንጽባቀ ይጸልው ወዘተ ኢሉ ይሓትት።
<<<<<<<<<<<<<ናይ ፌስቡክ ሕሳበይ ደምሲሰዮ’ኳ እንትነበርኩ ተመሊሰ ግን ክኸፍቶ ወሲነ። እቲ ምኽንያት ቆልዓ ይጐዪ ምበር ኣይቅድምን ዝብል ምስላ ኣቦታትና ምስ ተዘከረኒ’የ። ናይ ኣተሓሳስባ ቆልዑ ንሓደ ነገር ብሞራል ተሃንጥዮም ይጅምርዎ’ሞ ምስ ግዜ “ይሽምግሉ”፡ ናህሮም እናቀነሰ ይኸይድ። ሲዶና ከምዞም ቆልዑ-ጸሓፍቲ ከምዘይኮንኩ ንነብሰይ ከእምና ኢለ ንሓደ ዓመት፡ ሰሙናዊ ሓንቲ ዓንቀጽ ክጽሕፍ ምስ ነብሰይ ውዕል ኣትየ። ጀሚርካ ኣብ መንጐ “ምሽምጋል” ብዙሕ ሰብ ዘጥቅዕ ሕማም’ዩ። Tenacity ዝፈትዋ ቃል እንግሊዝኛ ስለ ዝኾነት ንሓደ ዓመት ወላ ዕረ እጥዓመኒ ክጽሕፍ’የ።>>>>>>>>>
መእተዊ ፍልስፍና ኣብዚ ይኣኽለና። እንተደኣ ኣስተውዒልኩም ‘ዞም ፈላስፋታት እንትርፎ ጐቦ ጐቦ ክኸዱ ነታ ዝዓበየት ሕቶ ክምልስዋ ኣይፍትኑን’ዮም ዘለው። ኣብ ዓለም እታ ዝኸበደት ሕቶ “ስለምንታይ” ትብል’ያ ብትግርኛ’ኳ ስለምንታይ ኣዝያ ልዝብቲ ስለ ዝኾነት በታ ቀንዲ ሕቶ ማለት “እንታይ’ሞ” ክትክኣ። በዛ ሕቶ ጌርና ንሓሸውየ ሰባትን ዓለምን ከም ሽጉርቲ ክንቀርፎ ንኽእል። ብኣማተራትን ኣፍቀርቲ ፍልጠት ኢና በሃልቲ ተለመዴንን ጦቅ’የ ኢለ ዘለኹ። ቀንዲ ሓታቲ “እንታይ ኣሎ” ወይ “ኣበይ፡ መዓስ፡ መን፡ ኣሎ” ኣይኮነን ዝብል። ስነ-ፍልጠተኛ እንተኾይኑ መስርሕ ስለ ዘገድሶ “ከመይ ጌሩ” ክብል ይኽእል። ከምዚ’ልካ ምሕታት ንዓለምና ካብ በዓቲ ድንቁርና ኣውጺዋ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ስነ-ፍልጠት ዘለኒ ክብሪ ኣዝዩ ልዑል’ዩ እንተኾነ ካብኡ ንላዕሊ ክኸድይ ባህ ስለ ዝበለኒ ጽርግያ lane ቀይረ ኣለኹ። ስነ-ፍልጠት ክርእዮን ክጭብጦን ዝክእል’ዩ ዝኣምን። ፍልስፍና በእምሮኡ ክበጽሖ ዝኽእል’ዩ ዝኣምን። እዞም ክልተ ዓውድታት ነታ ዝኸበደት ሕቶ ውሽጢ ኣትዮም ክመራመሩላ ኣይደለዩን! ምኽንያቱ እንታይ’ሞ ኢልካ ክትሓትት ምስ እትጅምር መወዳእታኡ “ክትጽለል” ስለ እትኽእል። እዞም ተመራመርቲ ኢና በሃልቲ እምበኣር ነተን ዝተረፋ ሕቶታት ክምልሱ ክብሉ ላዕሊ ላዕሊ እዮም ዝተናኽፍዎ ዘለው’ምበር ናብቲ ዕሙር ጓይላ ህላውነት’ሲ ዝኣቱ ውሑድ’ዩ።
“እንታይ’ሞ፧” ንዝኾነ ኢጎ ወይ ሰብ ሕፍረቱ ትቀልዖ ሕቶ’ያ። ቀሊል ኣብነት ንውሰድ። እመሃር ኣለኹ ይብል ሓደ። እንታይ’ሞ ሽዑ፧ ፍልጠት ኣኪበ ጽቡቅ ስራሕ ክሕዝ። እንታይ’ሞ ሽዑ፧ ህይወት ሰባት ከመሓይሽ ወይ ገንዘብ ክእክብ። እንታይ’ሞ ሽዑ፧ ናይ ኣእምሮ ቅሳነት ክረክብ ወይ ዓቢ ስም ከጥሪ ወይ ፕረዚደንት ክኸውን። እንታይ’ሞ ሽዑ፧ ኣሌክሳንደር ዓቢ ወላ ዘይትኸውን እንታይ’ሞ ሽዑ፧ እንታይ ማለት’ካ’ዩ፧ ቢል ጌትስ ወላ ዘይትኸውን፡ ኣንስታይ ወላ ዘይትኸውን፡ ሪሃና ወላ ዘይትኾኒ፡ እንታይ’ሞ ሽዑ፧ ብእንግሊዝኛ So what? ዝዓይነቱ ሕቶ ማለት’ዩ። ተመሃሪት ሃይስኩል ከለኹ So What? ከም ዳዊት ንግሆ ንግሆ እደግማ ነበርኩ። ፍቅሪ ክረብክ ትብለካ ሓንቲ። እንታይ’ሞ ሽዑ፧ ንዘፍቅሮ ሰብ ክምርዓዎ ምስኡ ስድራ-ቤት ክፈጠር። እንታይ’ሞ ሽዑ፧ ደቅና ኣዕቢና ብሓንሳብ ክንሽምግል። ሸምጊልኩም’ከ እንታይ ሽዑ፧ ንመውት። እንታይ’ሞ ሽዑ፧ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንነብር። ሐራይ ኣብ ገነት ኤደን ኔርኩም እንታይ’ሞ ሽዑ፧ በቃ ምስ ኣምላኽ ንዘልኣለም ንነብር። እንታይ’ሞ ምስ ኣምላኽ ኔርኩም፧ ኣብዚ ምስ በጻሕካ ዘረባ ይውዳእ።
ብዙሓት ተልመዴን ኢዚሀራውነት ከም ዝብልዎ ዘይኮነ እቲ ሕቶ ኣምላኽ ኣሎን የለን ኣይኮነን። እቲ ሕቶ ስለምንታይ ኣሎ ወይ ስለምንታይ የለን’ዩ። ኣሎ ወይ የለን ናይ ቀለውዕ፡ ባንዴራኻ ኣልዒልካ ከም ሕንጻይ ዝሰማዕካዮ ወይ ዘንበብካዮ ምድጋም’ዩ። ስለምንታይ ኣሎ ወይ ስለምንታይ የለን ዝብል ሕቶ ካብ ዝኾነ መጽሓፍ እትረኽቦ መልሲ ኣይኮነን። መሓመድ ወይ ክርስቶስ ኣምላኽ ከም ዘሎ ጥራይ’ዮም ክነግሩኻ ዝኽእሉ ‘ምበር ስለምንታይ ኣምላኽ ኣሎ ኩሉ ሰብ ነናቱ መልሲ ክህባ ኣለዎ። ኣብ ወረቀት ዝተወቅሩ ቃላት ጭብጢ ንኣምላኽ ኣይኮኑን’ዮም ስለዚ መጽሓፍ ምጥቃስ ግደፎ። ብህይወት ምህላውካ እኹል ጭብጢ ንህላወ ኣምላኽ’ዩ (ኢዚሀራዊ እንተኾንካ ድማ ንዘይህላወ ኣምላኽ ወላ በሎ)። እቲ ነጥቢ ነቲ ቀንዲ ሕቶ “ስለምንታይ” ወይ “እንታይ’ሞ” ገዲፍካ ኣብ ትርኪ ምርኪ ሕጊግ ምባል’ዩ። ጥቕሚ ናይዛ ሕቶ ብዙሕ’ዩ። ብወገን ኣመንቲ ክንርእያ።
ኣምላኽ ንሰብ ከምልኾ ፈጢርዎ። ስለምንታይ ኣምልኾ ኣድልይዎ፧ እንድዒ! ግን ባዕልኻ ክትመራመረሉ ዘለካ’ዩ። ኖእ! ከምዚ’ለ ክመራመር እንተጀሚረ እምነተይ ክትጠፍእ’ያ ዝብል ቅቡል ስክፍታ ክህልወካ ይኽእል’ዩ። ከምዚ ‘ልካ ከይሓተትካ ድማ ንኣምላኽ ክትፈልጦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሕጂ ዘለካ ናይ ኣምላኽ ርድኢት ከም ሕሜታ ካብ ወለድኻ ዝሰማዕካዮን፡ ከም ሰንኬሎ ካብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ዝተመላእካዮን’ዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ሰይጣን ከሰንፈካ፡ ዓለም ክትሓባብለካ ኣዝዩ ዝቀላ። እምነትካ ሱር ስለ ዘይብላ ኣብ ዓለም ክትነብር ከለኻ ኣብ ክንዲ ምስጋና ምጉርምራም፡ ኣብ ክንዲ ጸሎት ጭንቀት ተብዝሕ ዘለኻ። ንኣምላኽ እኣምን’የ ትብል ኣለኻ፡ እንተኾነ ኣብ ኣምላኽ ኣይተወከልካን። ጌና ኣነ ዝበልኵዎ፡ ኣነ ዝደለዅዎ ስለምንታይ ዘይኮነ ትብል ኣለኻ፡ ንኣምላኽ ፍቃድካ ‘ምበር ፍቃደይ ኣይኹን ኣይትብልን ዘለኻ። ስለምንታይ ከምኡ ዘይትብል፧ ስለምንታይ ኣብ ጽላሉ ዘይትነብር፧ ብኣፍካ “ኣምላኽ” እናበልካ ብግብርኻ ግን ዓለማዊ ወረ ሓንሳብ ካብዞም ዓለማውያን ትገድድ ኣለኻ። ስለምንታይ፧ ፍልጠት እቲ “እፈልጦየ” ትብል ዘለኻ ኣምላኽ ጌና ውሽጥኻ ኣትዩ ኣይቀየረካን። ጥቅስታት ምድጋም ኣይኮነን ሃይማኖታዊ ዝገብረካ፡ ጾም፡ ጸሎት፡ ምስጋድ ኣይኮነን ሃይማኖታዊ ዝገብረካ። እዚ ሃይማኖታዊ ዝገብር እንተዝኸውን ብሃይማኖት ዝመውት ሰብ ኣይምሃለወን። ውሽጢ ክትኣቱ ኣይትደልን ዘለኻ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ኮንካ ድማ ከተምስል ጥራይ ኢኻ እትኽእል። ስለምንታይ ኣምላኽ ኣሎ፧ ኢልካ ክትመራመር እንትዘይጀሚርካ፡ ደጋሚ ዝሰማዕካዮን ዘንበብካዮን ኢኻ ትኸውን። ‘ዛ ዓለምና ድማ ፓፓጋሎታት ሃይማኖትን ፖለቲካን በዚሖማ ኣለው። ንኣምላኽ ክትፈልጦ፡ ብፍቅሩ ክትቃጸል፡ ኢዚሀራዊ ክደፍሮ ዘይክእል “እምነት” እንተደሊኻ መጽሓፍ ምድጋም ዘይኮነ ንኣምላኽ ምፍላጡ’ዩ ዘድልየካ። ክትፈልጦ ድማ መን’ዩ፡ ኣበይ ይነብር፡ እንታይ ይመስል፡ መዓስ ክመጽእ’ዩ ወዘተ ዝብል ሕቶ ዘይኮንካ ክትሓትት ዘለካ “ስለምንታይ ኣምላኽ ንዓይ መሪጹኒ” በል። “ስለምንታይ ኣብዚ ኣለኹ፧” በል። “ስለምንታይ” ማዕጾ ሓቀኛ ሃይማኖት ክትከፍተልካ ትኽእል’ያ።
ኣታ ኢዚሀራዊ ኣምላኽ የለን ትብል ኣለኻ። እንታይ’ሞ ተዘየለ፧ ተዘየለ ደኣ ጽቡቅ ይገፍሓልና ትብል። እንታይ’ሞ ሽዑ፧ ካብ መቁሕ ሃይማኖት ንወጽእ። እንታይ’ሞ ካብኡ ወጺና፧ ብሰላም ንነብር። እንታይ’ሞ ሽዑ፧ ንመውት። እንታይ’ሞ ሽዑ፧ በቃ ምስ ሞትና ደኣ ድራማ ህይወትና ይዛዘም። እንታይ’ሞ ድራማ ህይወትና ተዛዚማ። እንታይ’ሞ ሽዑ፧ ኩሉ ትዛረብኵዎ ከንቱ ምዃኑ’ስ ኣነ’ዶ ከዘክረኩም። ስለዚ ኣምሰሉነት ገዲፍካ እንታይ’ሞ በል። ስለምንታይ ኣብዚ ኣለኹ ኢልካ ምሕታት ጀምር። ስለምንታይ ሰብ ኮይነ በል፡ ስለምንታይ ኣድማስ ተፈጢሩ በል። መን ፈጢርዎ፡ መዓስ ፈጢርዎ፡ ብኸመይ ፈጢርዎ ኣየገድስን’ዩ። ስለምንታይ ተፈጢሩ ሕመረት ናይ ኩሉ ነገር’ያ።
ንመሕለፍ ግዜ ብዛዕባ ሃይማኖትን ፍልስፍናን ክትዛረብ ሓደ ነገር’ዩ ናይ ብሓቂ ንኣምላኽ ክትረኽቦ ወይ “ሓቂ” ፍልስፍና ክትረክብ እንተደሊኻ ግን “እንታይ’ሞ” ኢልካ ንኩሉ ካብ ወለድኻ፡ ካብ መጽሓፍቲ፡ ካብ ፌቡ (ወሓዚት ጽብቅቲ ሳጓ ፌስቡክ ሂባትና ኣላ “ፌቡ”) ካብ ፌቡ ዝተመላካዮ፡ ኩሉ ዝተዋህበካ ኣቃጽሎ! ሓቀኛ ፍልጠት ኣምላኽ ይኹን ዝኾነ ነገር ባዕልኻ እትረኽቦ’ዩ። ንጐድፍካ እተቃጽለላ ክርቢት ድማ “ስለምንታይ” እያ። ምስ ጐድፈይ ተመሳሲለ ክነብር’የ ምባል ናይ ለባማት ውሳኔ’ዩ ምኽንያቱ “እንታይ’ሞ” ክትብል እንተጀሚርካ ነዚ ንዓመታት ከም ምርኩስ ክድግፈካ ዝጸንሐ እምነታት ስነፍልጠትን ሃይማኖትን ሰው ኣቢልካ ምድርባ’ዩ። ብርግጽ ክትወድቅ ኢኻ! ቅጭ ክመጻካዩ፡ ትርጉም ክትስእን ኢኻ፡ ክትደናገር ኢኻ፡ ክትጽለል ውን ትኽእል። ኣብ መወዳእታ እትረኽቦ ዓስቢ ግን ከም ሰንኬሎ ዝተመላካዮ ዘይኮነ ናትካ’ዩ ክኸውን። ሽዑ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘይኮንካ ክትዛረብ ኣምላኽ’ዩ ብኣኻ ክዛረብ። ሽዑ እምነት ቦታ ኣይህልዋን’ዩ ኣባኻ። ጸሓይ በሪቃ’ዶ ኣይበረቀትን ዝብል እምነት ኣይኮነን ምኽንያቱ ምብራቃ ግሉጽ ነገር ስለ ዝኾነ። ብተመሳሳሊ ንስኻ ውን ህላወ ኣምላኽ ከም ሕሜታ ሰሚዕካ ትኣምኖ ዘኮነ ከም ጸሓይ ክበርሃልካዩ። ምስ ዕውራት ብዛዕባ ጸሓይ ምክታዕ ከም ዘየድሊ ፡ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥካ’ዮ ውን ምስ ዝኾነ ሰብ ብዛዕብኡ ምክታዕ ኮነ ምዝራብ ኣይከድልየካን’ዩ። ሕጂ ግን ከም ዕውር ብእዝንኻ ሰሚዕካ ጥራይ ትኣምን ስለ ዘለኻ፡ ነዛ ከም ፈትሊ ምርጓዳ እምነትካ ዝኾነ ኢዚሃራዊት መቀስ ክትበትካ ትኽእል’ያ። ናይ ዕውራት ጸገም ኣምላኽ ሓደ ካብ ዝርዝር ናይ ስርሖም chore in their to-do list እዩ። ንዘልኣለም ኣብ መንግስቲ ሰማይ ከእቱ ዝኽእል ውሕስነት ኣለዎ እናበልካ ንሃይማኖት ከም ዕዮ ገዛ ክትሓስቦ እንታይ ይበሃል! ተመሊእካ ትንቀሳቀስ ከም ዘለኻ ዘርኢ ኣብነት’ዩ። ነዚ ግደፎ! ንኣምላኽ ክትግዝኦ ብሓጐስ ክኸውን ኣለዎ። ብሓጐስ ክትግዝኦ ክትፈልጦ ኣለካ። ክትፈልጦ ስብከት ናይ ሸኽ ወይ ቀሺ ሰሚዕካ ኣይኮነን። ኣምላኽ ሕሜታ ኣይኮነን ብእዝኒ ዝፍለጥ፡ ኣምላኽ ገጸ-ባህሪ ኣይኮነን መጽሓፍቲ ኣንቢብካ ዝፍለጥ፡ ኣምላኽ ዓባይካ ዝነገረትካ ጽንጽዋይ ኣይኮነን፡ ኣምላኽ ‘ዛ ቃል ኣምላኽ ኣይኮነን። ኣምላኽ እንታይ’ዩ ኣይኮነን እቲ ሕቶ ኣምላኽ ስለምንታይ እምበር። እንታይ’ሞ ሕጂ እዚ ኹሉ ለፍሊፍኪ፧ በሉኒ። ኣብ ፍልስፍና ይኹን ሃይማኖት እዚኣ እንተሒዝካ ካልእ ኩሉ ከንቱ’ዩ። ስለዚ ንኩሉ ነገር እንታይ’ሞ ሕጂ፧ ይኹን ሕቶኻ።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...