Friday, September 29, 2017

ክልተ ዛንታታት ሓንቲ መልእኽቲ



2 መስከረም 2017
ቺ ሲን ኣብ ቻይና ዓላሚ ተቃለስቲ ኣርሓ ደራሁ ናይ ንጉስ ሱዋን ነበረ። ሓደ መዓልቲ ንጉስ ስዋን ሓደ ግሩም ዝኾነ ተባዕታይ ደርሆ ክዕለመሉ ስለ ዝደለየ ናብዚ ዓላሚ ኣምጽኦ። ቀልጢፉ ናብ ግጥም ክኣትወሉ ስለ ዝተረበጸ ናብ ቺ ሲን መጺኡ “እዚ ደርሆ ንቃልሲ ድሉው ድዩ፧” እናበለ ይሓተሉ ነበረ። ቺ ሲን “ኣይፋል ጎይታይ፡ ጌና ውሽጡ ረመጽ መሊኡ ኣሎ፡ ምስ ዝኾነ ደርሆ ክበኣስ’ዩ ዝደሊ። ብትዕቢት ተነፊሑ ኣብ ክእለቱ ብዙሕ እምነት ኣለዎ” በሎ። ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ እቲ ንጉስ እንደገና መጺኡ “ኢሂ ሕጂ’ኸ፧” ኢሉ ሓተቶ። “ጌና ኣይተዳለወን ምኽንያቱ ካልእ ደርሆ ክንቁ ክሰምዕ ከሎ ብሕርቃን ጣዕ ኢሉ ክበኣስ ይደሊ ኣሎ” በሎ። እንደገና ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ወዮ ንጉስ ናብ ቺ ሲን ተመሊሱ “ሎሚ መቸም ታዕሊሙ ወዲኡ ይኸውን” በሎ። “ጌና ኣይወድአን ዘሎ ጐይታይ ምኽንያቱ ኣብ ገጹ ጌና ናይ ሕርቃን ምልክት ይንበብ ኣሎ”። ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ እቲ ተስፋ ዘይቆርጽ ንጉስ ከም ብሓድሽ ናብ ቺ ሲን ተመልሰ’ሞ ደሃይ ደርሆኡ ኣጣየቀ። ቺ ሲን “ሎሚ ዳርጋ ተዳልዩ እዩ። ካልእ ደርሆ ክንቁ ከሎ ቅርኒብ ዓይኑ ከማን ኣየንቀሳቅስን’ዩ። ክበኣስዎ ክመጹ ከለው ከም ዓንዲ ጨው ኣብታ ዘለዋ ደሪቁ’ዩ ደው ዝብል። ሎሚ በቃ ውሃ ዘበለ ተቃላሳይ ክኾነልካ’ዩ፡ ክበኣስዎ ዝመጹ ደራሁ ሓንሳብ ሪኦሞ ክሃድሙ’ዮም” በሎ። <> ተፈጸመ <>
ከምዚ ጊንጢ ዛንታታት ደስ’ዩ ዝብለኒ። 98% ካብ ኤርትራዊ ካብ ክርስትያን ወይ ኣስላማይ ስለ ዘይወጽእ (ወላ ድሕሪ ካምፓስ ጸረ ሃይማኖት ሰውራ እንተጀመርካ፡ ነፋጥ ቆልዓ ከለኻ ዘዕበየካ ሃይማኖት ግን ናብ subconsciousካ already ኣትዩ ስለ ዘሎ፡ እቲ ብቆልዓኻ brainwash ዝኾንካሉ ፈጺምካ overcome ክትገብሮ ኣይከኣልን።) ስለዚ ካልእ ቅልል ዝበለት ዛንታ ናይ ሱፊዝም ክንነግር’ሞ ናብዛ ዛንታና ክንምለስ።
ዖማር ዝበሃል ፍሉጥ ከሊፋ ነበረ። ንሰላሳ ዓመታት ምስ ሓደ ኣንጻሩ ዝነበረ ካልእ ጀነራል ብዘይ ዓወት ይቃለስ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ናይዘን ሰላሳ ዓመታት ግን ንጸላኢኡ ክስዕረላ ዝኽእል ኣጋጣሚ ረኸበ። ጸላኢ ዖማር ካብ ፈረሱ ወደቀ፡ ዖመር ጭማራኡ ሒዙ ንጸላኢኡ ክቃብጾ መጸ። ነዚ ዝረኣየ ጸላኢኡ ብናይ ተስፋ ምቁራጽ ስምዒት ተዓብሊሉ ኣብ ገጹ ጡፍ በለሉ። ዓኽታ ናይቲ ጸላኢኡ ኣብ ገጹ ምስ ዓለበ ዖማር ንጭማርኡ ናብ መሬት ደርበዮ። ነዛ ህሞት ኣብ ሱፊዝም ብዙሕ ተፈሲርዋ’ዩ (መግለጺ ተዋሂቡላ’ዩ) ። ሩሚ ኣነ ዝበለት ግጥሚ ገጢሙላ’ዩ። ኣብ ክንዲ ንጸላኢኡ ዝቀትሎ ዖማር ኢዱ ሰዲዱ ሓፍ ኣበሎ’ሞ፡ “ጽባሕ ከም ብሓድሽ ክንገጥም ኢና” በሎ። ነዚ ዝረኣየ “ጸላኢ” ጋን ኮነ’ሞ፡ “ንሰላሳ ዓመት ነዛ ህሞት ተጸቢናያ፡ ሎሚ ዕድልካ ኮይኑ ክትቀትልኒ እናኸኣልካ፡ ጡፍጣፈይ ኣብ ገጽካ ከሎ ስለምንታይ ዘይትቀትለኒ፧”  እናበለ ሓተቶ። ዖማር “ቀደም ክበኣሰካ ከለኹ፡ ኣብ ዕላማይ ኣሚነ ጥራየ’የ ዝበኣስ ኔረ። There was nothing personal ንዓኻ ክፉእ ሓሲበ ወይ ከሳቅየካ ኢለ ኣይኮንኩን ዝቃለስ ኔረ። ምሳኻ ዝኾነ ጽልኢ ኣይነበረንን፡ እንትርፎ ዕላማይ ክዕወተለይ። ሕጂ ጡፍ ምስ በልካለይ ግን ብሕርቃን ነዲደ ክቀትለካ ደለኹ። ሎሚ ንቀንዲ ዕላማይ ረሲዐ ከም ጸላኢየይ ስለ ዝቆጸርኩኻን ክቀትለካ ስለ ዝደለኹን፡ ኣይውዕሎን’የ። ጽባሕ ግን ከም ብሓድሽ ክንገጥም ኢና በሎ። ረኣዩ ልቦና!ድሕሪ ዖማር ዝመጹ ከሊፋታት ደሓን ክዱስ በኣፈ ስላሴ ኢልና ክንዓጽዎ ይሓይሽ። ናይ ዖማር ልቦና ግን no comment! ንጽባሒቱ መቸም ኣይተጋጠሙን፡ ከምዚ ዓይነት ሰብ ምስ ትረክብ ካልእ ኩሉ ገዲፍካ ወዲ መዝሙሩ ጥራይ ኢኻ ክትከውን ትደሊ። ስለዚ እቲ ጸላኢ ዝነበረ “እነኹ ኣነ ተመሃራይካ’የ ንስኻ ድማ መምህረይ፡ መገድኻ መሃረኒ” ኢሉ ምስ ሰራዊቱ ተኸታሊ ዖማር ኮነ። <> ተፈጸመ<>
‘ዘን ክልተ ዛንታታት ብዘይ ሕርቃን ምብኣስ መልእኽተን ኮይኑ ብዘይ ego ምስራሕ ድማ ሕመረተን’ዩ። ደርሆና ኣብ መጀመርያ ደረጃ ከሎ ምስ ዝረኸቦ ደርሆ ክበኣስ ይደሊ ነበረ። ስለምንታይ ተባኣሲ ይኸውን ኣሎ፧ ተባዕ ምዃኑ ነብሱ ከርኢ ስለ ዝደለየ። ስለምንታይ ከምኡ ከርኢ ይደሊ ኣሎ፧ ፍርሂ ስለ ዘለዎ ይበሃል። ተባዕ ዝበሃል ‘ኮ ፍርሁ ዝቆጻጸር ሰብ’ዩ። ስለዚ ፍርሂ እንታይ ማለት ምዃኑ ይፈልጥ’ዩ ከርኤና ስለ ዘይደለየ ጥራይ’ምበር። ኩሉ ተባዕ ኣብ ውሽጡ ዝተደጐለ ቃል ቃል ዝብል ፍርሂ ኣለዎ፡ ነዚ ንምሕባእ ድማ acts of bravery ይገብር። ኣብ ትብዓት ከይተሓጸርካ ዓሻ፡ ሕፍረት ድንቁርናኡ ከርኢ ለባም ዘምስሎ ነገራት ካብ ምንጽብራቅ project ካብ ምግባር ዓዲ ኣይውዕልን። ወዮ ደርሆና ድሕሪ ገለ ታዕሊም፡ ደርሆ ርእዩ ተበኣስ ዝመጾ ዝነበረ ወጺሉ’ዩ ግን ምንቃው ናይ ካልኦትጌና  የሕርቆ ኣሎ። ከምዚ ጸርፊ ሰሚዕና ባግ ንብሎ ማለት’ዩ። ኣብ ፈስቡክ unsolicited ጸርፊ ሰው ዘብሉ ገልዳማት መሊኦም’ዮም። ናታቶም’ሲ ዳሕና ምኾነ፡ ‘ቶም ልቢ ከነዕቢ ዝግብኣና ግን ከምዚ ኣርሓ ደርሆ ነቆ ናይዞም ገልዳማት ሰሚዕና “ቀይሕ ንርኢ”። ከም ዖማር ጡፍ ኢሉልካ ሰብ ትጻወሮ ኣይኮንካን፡ ግደፎ ካሊፍ ሓደ ብላሽ ከማን ጡፍ ኢልካሉ egoኡ ክጥሕረካ’ዩ ዝደሊ። ካብዚ ቀጺሉ ደርሆና ጸርፊ ሰሚዑ ብዙሕ ዘይግድሶ ኮነ ግን ከም እሳተ-ጐመራ ኣብ ውሽጡ ይቃጸል ኔሩ። ኣብ ዓይኑ ጌና እቲ ሕርቃን፡ ተበኣስ ዝብል ድፍኢት ኢጎ ኔሩ። ብዙሓት ሰባት “ለመጭ” ‘ዮም፡ ሕብረተሰብ ሕርቃንካ ቅበሮ፡ ጽልእኻ ንውሽጥኻ ጌርካ ፍሽኽ በል እናበሉ corrupt ይገብሩና ኣለው። ብውሽጥኻ እናነደድካ ከለኻ ክትሓብኦ ትፍትን። ኣብ ዓይኑ subconscious ዝኾነ ሕርቃን ስለ ዝነበረ መሊሱ ንሰሙን ምሉእ ታዕሊም ቀጺሉ። ጌና ብኣፍካ ወላ ይቅረ በሃሊ’የ ትብል ኩን ውሽጥኻ እንተዘይተቀይርካ ብላሽ’ዩ።
ናይ ሎሚ ዘለው ሃይማኖታት ኣብ ክንዲ ውሽጥኻ ዝቅይሩ ብደገ ጥራዮም ዘጸባብቁኻ፡ ከም ታዕሊም ከምዚ በል፡ ከምዚ ኣይትበል፡ ከምዚ ግበር፡ ከምዚ ኣይትግበር። ከም ታይኳንዱ ሃይማኖታዊ moves ናይ ጾምን ጸሎትን ክትላመድ ትውዕል። ከም ዖማር ሓደ መጺኡ ጡፍ እንተደኣ ኢሉልካ ወይ ከም ክርስቶስ እንተ ጸፊዑካ ግን ኣኺሉዎ! ክርስቶስ ነቶም ዝሰቅልዎ ዝነበሩ ይቅረ ኢሉሎም’ዩ! እንታይ ማለት’ዩ ዚ፧ ንዝቀትለካ ሰብ ይቅረ ምባል እንታይ’ዩ ትርጉሙ፧ ክርስቶስ ዝኾነ ego ስለ ዘይነበሮ’ዶ ‘ኸውን፧ He knew that the soldiers had nothing personal against Him even if they didn’t know it. ዖማር ዓኽታ ናይቲ ጸላኢኡ ባህ ኢልዎ ዘይኮነ ከምኡ ጌሩ፡ ንክብሪ ego ክቃለስ ስለ ዘይደለየ’ዩ። ኣቱም ኣመንቲ ጡፍ እንተዝብለልኩም ወይ እንተዝጸፍዓኩም ክንደይ ካባኹም ምተጻወርኩምኒ፧ መልሲ ንዓኹም። <>
ክንኣስሮ፡ መልእኽቲ ናይዘን ክልተ ዛንታታት ሓደ’ዩ። ብዘይ ego ምስራሕ። ማለት’ሲ not taking things personally, ወላ ኣብ ፍቅሪ ብኢጎ ተፍቅር ተለኻ possessive ስለ ትኸውን ክትቀንእ ኢኻ፡ boredom ምስ መጸ ካልእ ክትደሊ ኢኺ፡ ፍቅርኻ ናህሩ እናነከየ ክኸይድ’ዩ ምኽንያቱ ፍቅሪ ከም tool to please you ego ስለ ትወስዶ ዘለኻ። ዛንታ ናይዚ ኣርሓ ድርሆ ባዕለይ መዕጸዊ ክገብረላ፡ ኣብ መወዳእታ ወዮ ደርሆና ኣብ cockfight ኣትዩ፡ ካልኦት ደራሁ ከሕርቅዎ ኢሎም ጸርፊ ከዝንብሉ ጀመሩ፡ ንሱ ግን ቅጭጭ ኣይበሎን። ፍርሆም ክሓብኡ ኢሎም ከም ናይ king kong ብዙሕ moves ወላ ተገበሩ ንሱ ምንቅ ኣይበለን። እዚ ኹሉ ጃህራን ፈኸራን ዕሽነት’ዩ ንዕኡ። ፈራህ ኣይኮነን፡ ፍርሁ ዝቆጻጸር ተባዕ ውን ኣይኮነን ንሱ ካብዚ ወጺኡ fearlessness ኣብ ውሽጡ ስለ ዝነገሰ he is a class of his own. መባእስቱ “እዚ ዞምቢ ወይ ጽሉል ደርሆ’ዩ ምስዚ ተባኢስና ክንመውት ጥራይ ኢና” ኢሎም ህድማ። ወዮ ንጉስ ብደርሆኡ ተሓቢኑ decorated general ይገብሮ። ወዮ ደርሆ ግን ሕጂ general ምስ ኮነ’ዶ ብego ክንፋሕ ኢልኩሞ፡ ጀነራል ደርሆ ወላ ሓንቲ ዘይግድሶ natural cock ኢዩ። ጽረፎ፡ ተበኣሶ፡ ጡፍ በለሉ፡ ኣሳቅዮ፡ ስቀሎ ንegoኡ ስለ ዝቀተሎ ዓለም ወላ ትገልበጥ ቅጭጭ ኣይብሎን’ዩ። “እንታይ’ሞ ዓለም ተተገልበጠት፧ ንሕና’ኸኣ ምስኣ ንግልበጥ” ይብለካ።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...