Thursday, September 28, 2017

The Theory of Everything፡ ኣምላኽ ምባል ዘሰከፎም ተመራመርቲ “God particle” ረኺብና ይብሉ



ድሕሪ ዓቢ ነትጒ (big bang) መጠን ግዛዕን (matter) ጸረ-ግዛዕን (antimatter) ማዕረ’ዩ ኔሩ ዝበሃል። ግዛዕ! ኣየ ትግርኛ መኸየፍ፡ ግዛዕ ኢልካ ቃል ኣሎ’ዩ፧ እንቋዕ ነዓኻ ከይፈለጥኩ ኣይሞትኩ። ትግርኛ ከምዚ ብዙሓት “ምሁራት” ኢና በሃልቲ ዘማርሩሉ ዘይኮነ፡ ትግርኛ ንዓይ ድላይካ ክትገልጸሉ ትኽእል ቋንቋ’ዩ። በሉ እነሀ ቅጫ ጎጎ መባእታዊ ስነ-ቆዝሞስ ካብ ዘንበብኵዎ።
ጸረ-ግዛዕ antimatter ኢልናዮ ዘለና፡ ተመሳሳሊ ርዝነት mass ምስ ግዛዕ ሃሊዎ ግን ኣንጻር ዝኾነ ምልኣት charge ኣለዎ። ናይ ኢለክትሮን ጸረ-ግዛዕ ፖዚትሮን positron ይበሃል። ናይ ፕሮቶን ከኣ ጸረ-ፕሮቶን ይበሃል። ስለዚ ጐኒ ጐኒ እዚ ንፈልጦ ግዛዕ ጸረ ግዛዕ ኣለና። ሲዶና ምስ ጸረ-ሲዶና እንተትጋጮ ካብ ግጭት ግዛዕ ምስ ጸረ-ግዛዕ ዝኾነ ነገር ኣይምተረፈን።መእተዊ ክኾነና ቅድም እዛ “ክልሰ-ሓሳብ ኩሉ ነገር” እንታይ ከም እትብል ክንርኢ። ኣብ ኣድማስ ክሳብ ሕጂ ኣርባዕተ ዓይነታት መሰረታውያን ሓይልታት forces ኣለው። ብዓቢኡ ስሕበትውያንን ዘይስሕበታውያን ኢልካ ኣብ ክልተ ክትመቅሎም ትኽእል። ስሕበታዊ ሓይሊ gravitational፡  ሰለስተ ዓይነታት ዘይስሕበታዊ ሓይልታት ማለት ኤለክትሮማግኔታዊ electromagnetic፡ ጠንካር ኑክሌሳዊ strong nuclear፡ ሰንኮፍ ኑክሌሳዊ weak nuclear ይበሃሉ።  ስሕበታዊ ሓይሊ ኣብ ግዙፍ macro ጽፍሒ ንኣብነት ጋላክሲታት ክሰርሕ ከሎ ናይ ኒውቶን ሕግታትን ካብኡ ተበጊሱ ኣልበርት ኣንስታይን ዘማዕበሎ ክልሰ-ሓሳብ ተዛማድነትን የጠቃልል። እተን ዝተረፋ ሰለስተ “ሓይልታት” ግን ኣብ ማይክሮ ወይ ኒኩለሳዊ ጽፍሒ ይሰርሓ እዚ ክልሰ-ሓሳብ ኳንተም ይበሃል። እዘን ክልተ ክልሰ-ሓሳባት ማለት ተዛማድነት ምስ ኳንተም ኣብ ናተን ጽፍሒ ጽቡቕ መግለጺታት ክህባና ይኽእላ እቲ ጸገም ግን ክልቲአን ልክዕ ክኾና ኣይክእላን’የን። ስለዚ ካልእ “ሳልሰይቲ” ክልሰ-ሓሳብ ንክልቲአን ከተጠቃልል ትኽእል ኣብ ምርካብ ኩላ ጉያ ጉያ ትብል ኣላ። ሓደ ግን Who gives a Shit? ክብል ይኽእል’ዩ። ብቀሊሉ ክምልሶ ፡ ሕጊ ስሕበት ስለ ዝፈለጥና ኣንጻር ስሕበት መሬት ሳተላይት ናብ ጠፈር ወንጪፍና፡ ሕጊ ኳንተም ስለ ዝፈለጥና ብመገዲ ኢለክትሮኒያዊ ብልሓት ናብ ኣሃዛዊ ዘመን digital age ኣቲና። ስለዚ ነዛ ጽሑፍ ተንብባ ዘለኻ ድምር ውጽኢት ናይዘን ክልተ ክልሰ-ሓሳባት’ዩ። ሓደ ካልእ ድማ “ሕጂ ግርም እንዲና ዘለና ስለምንታይ ToE ወይ Theroy of Everything ምድላይ ኣድልዩና፧” ክብል ይኽእል፧ ኩሉ ነገር ክትገልጽ ትኽእል ክልሰ-ሓሳብ እንተተረኺቡ (don’t misquote me on the following) ጐዕዞ-ግዜ ከመጽእ ይኽእል፡ ዘይነጽፍ ምንጪ ጸዓት ክንረክብ ንኽእል፡ ግዜ እንተተቆጻጺርናዮ ንዘልኣለም ክንነብር ንኽእል፡ እዚ ብሃይማኖት ኣብ መንግስተ ሰማይ ምእታው ይበሃል! ToE ምርካብ ካብዚ ንፈልጦ ኣርባዕተ-መኣዝናዊ (ሰለስተ መኣዝናት ናይ ግዛዕ፡ ግዜ ከም ራብዓይ መኣዝን’ዩ ዝውሰድ) ካብ ኣርባዕተ-መኣዝን ናይ ግዜን-ቦታን ኣውጺኡ ናብ ሻውዓይ መኣዝን ኵውንነት ኵወስደና ይኽእል’ዩ። ብዙሕ ተኽእሎታት ኣለዎ ወላ ነዞም ኣመንቲ ክሕግዞም ይኽእል’ዩ፡ ምኽንያቱ ኣምላኽ መልሲ ናይዛ ትድለ ዘላ ክልሰ-ሓሳብ ክኸውን ይኽእል’ዩ። መን ይፈልጥ፧
ክልሰ ሓሳብ ዓቢ ነትጒ ምሉእ መልሲ ንሕቶ Why Does Anything Exist At All? ክበና ኣይክእልን ምኽንያቱ ጸረ-ግዛዕ ምስ ግዛዕ ምስ ዝራኸብ ንሓድሕዶም ተጣፊኦም ዝኾነ ነገር ክህሉ ኣይምኸኣለን። ምንጪ ህላወ ኩሉ ነገር ኣብ ኣድማስ መጠን ግዛዕ ካብ ጸረ-ግዛዕ ስለ ዝበዝሐ ጥራይ’ዩ። ስለምንታይ ግዛዕ ካብ ጸረ-ግዛዕ በዚሑ፧ A Zillion Dollar Question! No one knows ኣምላኽ ከም ዝበዝሕ ክገብሮ ይኽእል’ዩ። ከምቲ ጽሑፍ “ኩሉ ብእኡ ኮነ፡ ብዘይ ብኡስ ሓንቲ’ኳ ኣይኮነን” ዝብሎ ማለት’ዩ። ወላ ቅድሚ ዓቢ ነትጒ ዝነበረት ካብ ኣቶም ብትሪልዮናት ግዜ እንትንእስ “a hot speck of energy” ተባሂላ ዘላ ብትግርኛ ፍ’ልመፍጥረታዊት ትኳዕ primordial speck፡ ካበይ መጺኣ ተበልካ፡ ስነፍልጠኛታት we are working on it (euphemism for we don’t know) ጥራይ’ዮም ክብሉኻ። እዚ ክልሰ-ሓሳብ ሓደ ጸሓፊ  ከምዚ ክብል ኣስፊርዎ ኣሎ Pop went the universe, but who blew it up? ኣምላኽ?! ምኽንያቱ እዛ ሕቶ “መን”ስለ ትብል ዘላ፡ ሓታቲ ኣብ ሕጊ ጠንቅነት causality ዝኣምን ይመስል። እዛ “ክልሰ-ሓሳብ” ውድእቲ መልሲ ኣይኮነትን ምስ ግዜ ሓደ በሊሕ ተመራማሪ መጺኡ ከፍርሳ ወይ ካልእ ክልሰ ሓሳብ ክበና ስለ ዝኽእል። ክሳብ ሕጂ ኣምላኽ ምባል ዓቀብ ዝኾነና ‘ተለና “ፍ’ልመፍጥረታዊት ትኳዕ ካበይ መጺኣ፧” ‘ተበልካ እንድዒ! “ስለምንታይ ግዛዕ ልዕሊ መጠን ጸረ-ግዛዕ በዚሑ፧” እንድዒ! “ንኣድማስ መን ኣንቲጒዎ፧” እንድዒ! ከም ናይ ሲዶና ፍልስፍና እንድዒ’ዩ ዝመስል። እቲ ፍልልይ ሲዶና እንድዒ ኢላ ደቂሳ ትሓድር፡ ስነ-ፍልጠተኛታት ግን እንድዒ ኢሎም መገለጺ ክረኽቡሉ ይጽዕሩ።
ዝኾነ መልሲ ምስ ትረክብ ምስኣ ካልእ ሕቶታት ሒዛያ ትመጽእ። ንኣብነት ኣብ 2012 ሂግስ ቦዞን ዝበሃል መሰረታዊ ንጣር (fundamental particle or elementary particle) ተረኺቡ። ሂግስ ቦዞን ምስ ተረኽበ ዓቢ ዓወት ንክልሰ ሓሳብ  ምዱብ ሞዴል Standard Model’ (aka The Theory of Almost Everything) ዩ ነይሩ ምኽንያቱ ብሂግስ ቦዞን ጌርካ ግዛዕ ስለምንታይ ርዝነት mass ከም ዘለዎ ክትገልጽ ስለ ትኽእል። እዚ ከምቲ ኣብ ጽሑፍ ኣምላኽ “ኩን” ምስ በለ “ኮነ” ዝብሎ፡ ግዛዕ ወይ ዝኾነ ነገር ኣብ ኣድማስ ክህሉ ተኾይኑ ክብደት ወይ ርዝነት ክህልዎ ኣለዎ። እዚ “ንጣር-ኣምላኽ” ተባሂሉ ተሰምዩ ዝጽዋዕ ንጣር ንኹሉ ግዛዕ ክብደት ሂቡ ከም “ዝህሉ” ይገብሮ ይበሃል። ሂግስ ቦዞን ወሃቢ ርዝነት mass giving ንጣር particle ተባሂሉ ውን ይፍለጥ’ዩ። ከምዚ ከማይ ‘ተኾንኩም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ግዛዕ ካብ ኤለክትሮን፡ ፕሮቶን ከምኡ ድማ ኒውትሮን’ዩ ዝፍጠር ዝብል ዝኣረገ ክልሰ-ሓሳብ ሒዝኩም ኣለኹ ማለት’ዩ። ነዚ ንምምሕያሽ ካብ ዝፈለጥኵዎ ገለ ክብል።
ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ፍልጠት ከም ዝሕብሮ ግዛዕ ብክልተ ነገራት ዝቆመ’ዩ። ግዛዓዊ ንጣር matter particle፡ ንዕኡ ከም ኮላ ኣጥቢቁ ዝሕዞ ሓይሊ ንጣርን force particle ። ክሳብ ሕጂ ተረኺቦም ዘለው ናይ ግዛዕ መሰረታውያን ንጣራት ፈርሚዮን (fermion) ቀንዲ ግዝዓዊ ንጣር ክኸውን ከሎ ፡ ቦዞን (boson) ድማ ከም ኮላ ንጣር ንግዛዕ ዝሕዝ ከም ዝኾነ ተበጺሑ’ሎ። ግዛዓዊ ንጣር ኣብ ኳርክን (Quarks) ሌፕቶንን (Leptons) ዝበሃሉ ጉጅለታት ክምቀል ይኽእል። ‘ዛ ንፈልጣ ኤለክትሮን ህብብቲ ዓይነት ሌፕቶን’ያ፡ ፕሮቶን ምስ ኒውትሮን ድማ እቶም ዝረግኡ most stable ዓይነታት ኳርክ’ዮም። ከምቲ ዝበልናዮ ንኩሉ ግዛዕ ጸረ-ግዛዕ ኣለዎ ስለዚ ጸረ-ኩዋርክን ጸረ-ሌፕቶንን ዝበሃሉ መሰረታውያን ንጣራት ውን ኣለው። ሕቶ ካልእ ሕቶ እናወለደ’ዩ ዝኸይድ ስለዚ ንዓይ ኣብዚ ክኣኽለኒ’ዩ፡ ነዚ ጽሑፍ ክጽሕፍ መነቃቅሒት ዝኾነትኒ ኣብ መጽሄት New Scientist ናይ ሰነ 10-16 2017 ሕታም፡ ብኣርእስቲ The Higgs Bang: How the world’s most famous particle also started the universe ክትውከሱ ትኽእሉ። ናይ ኣቦና ስቲቨን ሆኪን ጽሑፋት ኣብዚ ቀረባ እዋን ከንብብ ጀሚረ ኣለኹ። ንበዓል ከማይ ተመራመርቲ ናይ ንጣር ፊዚክስ (particle physics) ዘይኮንና ኢሉ ዝጸሓፋ A Brief History of Time ወይ ካብኣ ዝሓጸረት A Briefer History of Time ዝብላ ብሉጻት-ተሸየጥቲ best sellers መጽሓፍቲ ኣለዋኹም።
ብዛዕባ ንጣር-ኣምላኽ God particle ክበሃል ዝኽእል ብዙሕ ዝተረፈኒ ነገራት ኣሎ፡ ከምኡ ውን ንክልሰ-ሓሳብ ፍሕሶ string theory ከብርህ ምፈተንኩ። ኣብ ዝመጽእ’ዶ ይኹነልና፧

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...