Thursday, September 28, 2017

What Is “Seven Fold Logic” (saptabhangi) and Why Should You Care



ነሓሰ 16 2017
ብዙሓት ሰባት ኣብ መጐት፡ ፍልስፍና፡ እምነት፡ ኣተሓሳስባ፡ መርገጺ ናይ ህይወት ወዘተ ናይ “ጻዕዳ ወይ ጸሊም” ፖሊሲ’ዮም ዝኽተሉ። ህይወት ወይ ነገራት ግን ብንጹር “ሀ” ወይ “ለ” ኣይኮኑን። ንሰብ ኣብ ሓደ ከተፍቅሮን ክትጸልኦን ትኽእል ኢኻ፡ ንኣምላኽ ክትኣምኖን ክትክሕዶን ትኽእል ኢኻ። እዚ ግርምቢጥ መሲሉ ይረኣየካ ‘ተሎ ካብ ኣቦኻ ኣሪስቶቲል ዝወረስካዮ ንዓለም ብክልተ ዕጽፎ two fold logic ጥራይ ክርእያ ዝፍትን መጐታዊ ኣተሓሳስባ’ዩ። ነዚን ካልእን ንምብራህ’ዩ እዚ ልጥፎ ክጽሕፍ ወሲነ። ኣብ ናይ ሎሚ ልጥፎ ክልተ ነገራት ክገብር ክፍትን’የ። መጀምርያ ቈሩብ ታሪኽ ስነ-ፍልጠት ከነውግዕ ካብኡ ተበጊስና ድማ በዓል ሸውዓተ-ዕጽፎ መጐት seven fold logic ዝበሃል ክንርኢ። ዘይከምዚ ንሕና ንሰርሓሉ በዓል ክልተ ዕጽፎ  two fold logic እዚ ካብ ሓደ ናይ ጃይኒዝም Jainism ማሃቪራ ዝበሃል ነቢ ዝመጸ ዓይነት መጐት ኮይኑ “ንኩሉ መጐታዊ ነገር” ከጠቃልል ይኽእል’ዩ ዝበሃል፡ ሓቢርና ክንርእዮ’ሞ ባዕልኹም ትፈርዱ።
ኣሪስቶቲል መሰረት ምዕራባዊ ኣተሓሳስባ ማለት ስነ-ፍልጠት ኮነ ፍልስፍና ዝኣርነበ ኣቦ’ዩ ተበልናዮ ኣይገፍሖን’ዩ። ኤውሮጳ ናብ ዘመነ ጸላም ምስ ኣተወት ሽግ ናይ ስነ-ፍልጠትን ምርምርን ናብቲ ወርቃዊ ዘመኑ ዘሕልፍ ዝነበረ ዓረባዊ ዓለም ኣቢላ’ያ ኣምሪሓ። ኣሪስቶቲል ኣብ ማእከላይ ዘመን ብዝነበሩ ኣስላም “ኣልሙዓሊም ኣልኣወል” እቲ ቀዳማይ መምህር እናተባህለ’ዩ ዝውደስ ነይሩ። ወላ’ኳ ቁንጣሮ ካብ ስርሓቱ ጥራይ ከይጠፍአ ይጽናሕ፡ እተን ዝርካበን ግን ከም ኣርካን pillars ወይ ዓንዲ ኮይነን የገልግላ ኣለዋ። ኣብ ከተማ ኣሌክሳንድርያ ዝነበረ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ቤተ-መጽሓፍቲ “ብዘይካ ቁርኣን ካልእ መጽሓፍ ኣየድልን’ዩ” ዝብሉ ጥሩፋት/ገልዳማት ምስ ተቃጸለ ምዕባለ ደቅ-ሰብ ብውሑዱ ሽሕ ዓመት ንድሕሪት ተመሊሱ ይኸውን’ዩ። ኤውሮጳውያን ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ተመሊሶም ኣብ ኩዳ ጥንቁልናን ዘይመጐታዊ እምነትን ንኣስታት ሽሕ ዓመት ዕንክሊል ክብሉ ከለው፡ ዓረባውያን (መብዛሕትኦም ኣስላም ገለ ድማ ተኸተልቲ ዝተፈላለያ እምነታትን ገለ ድማ ውጹኣት ኢዚሀራውያን) ንጽሑፋት ኣሪስቶቲል፡ ፕላቶን ካልእ ዝርካቡ ፍረ ግሪኻውን ሮማውን ጽሑፋት ተርጒሞሞ። ኣብ ስነ-ቁጽሪ፡ ስነ-ቆዝሞዝ፡ ስነ-ፍልጠት፡ ፍልፍና ብሓጺሩ “ምዕባለ” ደቂ ሰብ ዝጠቅም ኩሉ ይገብሩ ነበሩ።ኣብ ዘመናተ-ጸልማት Dark Ages ኤውሮጳውያን ንጸልማት ዝፈርሁ መዓንጣ ዘይብሎም “ዕሸላት” ክኾኑ ከለው ፡ ዓረብ ድማ ርእሲ “እኹል ሰብኣይ” ኮይኖም ይሓስቡ ነበሩ። እዛ “ዓረብ” ትብል ዘላ ቃል ነዚ ሎሚ ንደቀንስትዮ ዝጭኩኑ፡ ብሴፍ ርእሲ ሰብ ዝቆርጹ፡ ጥሩፋት ዘይኮነት ነቶም ካብ 800-1300 AD ዝነበሩ ርትዓውያን ሰባት’ያ ማለተይ’የ። ድሕሪ ምውዳቕ ከተማ ሮማን ምብትታን ምዕራባዊ ግዝኣታን ንስነ-ፍልጠትን ርትዓውነትን ዓቂቦምልና ዝጸንሑ ዓረብ ክምስገኑ ይግብኦም’ዩ። ዓቂቦሞ ጥራይ ዘይኮኑ ብዙሕ ሓደስቲ ናቶም ርኽበታት ውን መሊኦምሉ’ዮም። ንምጥቅላሉ ታሪኽ ስነ-ፍልጠት ብግሪኻውያን ተጀሚራ ናብ ሮማውያን ሓሊፋ ኤውሮጳ ናብ ትርኪ ምርኪ ሃይማኖት ወዲ ሃይማኖት ኣትዮም። ከተማታት ፓሪስ፡ ለንደን፡ በርሊን ብዒባን ጭቃን ጐድፍን ክእለኻ ከለዋ፡ በዓል ኮርዶባ (እስላማዊት ስጳኛ) ፡ ባቕዳድ፡ ካይሮ፡ ደማስቆ ድማ ብጽሬተንን ጽፈተንን ውሃ ዘበላ ነበራ ይበሃል። ሽግ ምዕባለ ካብ ሮማውያን ናብ ዓረብ መጺኣ፡ ካብ ርሑቅ ምብራቅ ዝመጸ ሓደስቲ ምዕባለታት ደሚሮም ንኤውሮጳውያንን ካብ መቁሕ ድንቁርናን ድሑር እምነትን ኵወጹ “ይጽበይዎም” ነበሩ። ዓረበታውያን ነጋዶ ናብ ከተማታት ኢጣልያ ከይዶም ክንግዱ ከለው ነቲ ደንዚዙ ዝነበረ ርእሲ ኤውሮጳውያን ከበራብር ጀመረ። ዘመነ ተሃድሶ ኣብ ኢጣልያ ሀ ኢሉ ተበገሰ። ካብዚ ንንየው ዓረብ ናብ ዒባኡን ጭቃኡን ወሪዱ፡ ነታ ብርሃን ምዕባለ ኣረኪቡ ናብ ዘመነ ጸልማት ኣተወ። ኤውሮጳዊ ነታ ቅድሚ ሽሕ ዓመት ዘጥፍኣ ሽግ ምዕባለ ተቀበላ’ሞ ከይገድፋ ምስ ነብሱ ማሕላ ዝኣተወ ክመስል፡ ዓቲርዋ ብናህሪ ኵውንጨፍ ጀመረ ክሳብ ለይተ ሎሚ ድማ ደው ኣይበለን ዘሎ። ሎሚ ስነ-ፍልጠት ስለ ዝሓዙ ንሳቶም ጐይቶት ንሕና ባራዩ ኴንና ንርከብ፡ እንታይ ይገበር ኢልኩሞ! ኣፍሪቃዊ ምዃን መርገም’ዩ መስለኒ። ጽቡቕ ነገር ናይ ስነ-ፍልጠት ጻዕዳ ፡ ጸሊም ወይ ክርስትያን፡ ኣስላማይ ኣይብልን’ዩ። ንጃፓናውያን መሓመድ ወይ ክርስቶስ ኣይንታዮምን’ዩ፡ ንኮርያውያን ቁርኣን ወይ ቅዱስ መጽሓፍ ኣይምልከቶምን’ዩ፡ ንቻይናውያን ጾምን ጸሎትን እንታይ ክዓብሰሎም’ዩ፧ ስነ-ፍልጠት’ሞ መዓስ “ዋዛ” ኮይኑ፡ No nation or group (even I.S.) can afford to ignore it. ንኹላትና ብማዕረ ዘድልየና መሳርሒ’ዩ። እታ ነጥቢ ኣብዛ “መሳርሒ’ዩ” እያ ዘላ። ስነ-ፍልጠት መሳርሒ ጥራይ’ዩ። ካብ ድሕረትን ድንቁርናን ክንወጻሉ ንኽእል እንኮ መሳርሒ’’ዩ። ባህሪ ሰብ ከብዱ ምስ መልአ “ካበይ መጺአ፧” ኢሉ ክሓትት ክጅምር’ዩ፡ ንስነፍልጠት ነዓ “መልስ” ትክብሎ ከጸግሞ’ዩ። ምኽንያቱ ስነ-ፍልጠት መዕቆብ ኣካላትና እንተኾይኑ ሃይማኖት ድማ መዕቆብ ህንጡይነትና ወይ curiosityና’ዩ። ጸረ-ሃይማኖት ምልዕዓል ውን ንባዕሉ ሃይማኖት’ዩ። At least you “have” something you believe
ካብ ኣሪስቶቲላዊ መጐት ወጺና ናብ ጃይኒዝም ኬድና በዓል ሸውዓተ ዕጽፎ መጐት ክንርኢ። ኣብ ኣሪስቶቲል ሓደ ነገር እዩ ወይ ኣይኮነን። ኣብ ኣንበብቲ “ሓማስ” excitement ክንፈጥር መታን ቀላል ሕቶ “ክርስቶስ ኣምላኽ ድዩ፧” ክንወስዳ። በዚ ካብ ኣሪስቶቲል ዝነቀለን ሎሚ ከም ውሁብ እንወስዶን ኣተሓሳስባ ክልተ ምርጫታት ጥራየን ዘለዋና ክርስቶስ ኣምላኽ’ዩ ወይ ክርስቶስ ኣምላኽ ኣይኮነን። ኣብ በዓል ሸውዓተ ዕጽፎ መጐት (saptabhangi) ካልእ ሓሙሽተ ተወሰኽቲ ምርጫታት ኣለዋና። ሰለስተ ቃላት ኣለዋ ኣብዛ መጐት “ኣስቲ” እዩ ወይ is “ናስቲ” ኣይኮነን ወይ is not “ኣቫክታቭያ” ክግለጽ ዘይከኣል ወይ indescribable ‘የን ዝብላ።
  1. “in some ways it is”, ክርስቶስ ኣምላኽ’ዩ
  2. “in some ways it is not”, ክርስቶስ ኣምላኽ ኣይኮነን
  3. “in some ways it is and it is not”, ኣምላኽ’ዩ ኣይኮነን ድማ
  4. “in some ways it is and it is indescribable”, ኣምላኽ’ዩ ግን ክግለጽ ኣይክእልን’ዩ
  5. “in some ways it is not and it is indescribable”, ኣምላኽ ኣይኮነን ግን ክግለጽ ኣይክልእን
  6. “in some ways it is, it is not and it is indescribable”,ኣምላኽ’ዩ፡ ኣምላኽ ኣይኮነን፡ ክግለጽ ኣይክእልን’ዩ
  7. “in some ways it is indescribable” ክግለጽ ኣይክእል’ዩ
ካብዚ እንታይ ክንርዳእ ንኽእል፧ ንኣብነት ስደት ጽቡቕ ድዩ ሕማቅ ምረጽ እንተተባሂልካ ናይ ማሃቪራ መጐት ተጠቂምካ ከምዚ ክትብል ትኽእል።
1.   ስደት ጽቡቕ’ዩ
2.   ስደት ሕማቕ’ዩ
3.   ስደት ጽቡቕን ሕማቕን’ዩ
4.   ስደት ጽቡቕ’ዩ ክገልጾ ግን ቃላት እሓጽረኒ
5.   ስደት ሕማቕ’ዩ ክገልጾ ግን ቃላይ እሓጽረኒ
6.   ስደት ሕማቕ’ዩ፡ ጽቡቕ’ዩ ግን ክገልጾ ኣይክእልን
7.   ስደት ክግለጽ ኣይክእልን

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...