Friday, September 29, 2017

Alternate history and parallel universe



Alternative history is a genre of fiction in which the author speculates on how the course of history might have been altered if a particular historical event had had a different outcome. ሓደ ጸሓፊ ሂትለር ኣብ WWII እንተዘይሰዓር ኢሉ ጽሒፉ፡ ኣሜሪካ ልክዕ ከም ጀርመን ኣብ መንጐ ሂትለርን ስታሊንን ተመቂላ ከላ ደስ ዘብል ዛንታ’ዩ። ኣብዚ ድላይካ ክትብል ትኽእል። ንጉስ ሄሮደስ ንክስርቶስ ቆልዓ ከሎ እንትዝረኽቦ፡ ወይ ናብ ግብጺ እናኸዱ ኣብ መንገዲ ተዝመውት፡ ወይ መሓመድ ናብ መዲና ክሃድም ከሎ ኣብ መንጐ ተዝቀትልዎ ወዘተ እናበልካ ንዓለምና ዝቅይሩ ዓበይቲ ፍጻሜታት ብ what if ናብ ካልእ ክትወስዶም ትኽእል። ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ክፋል ኢትዮጵያ ኔራ እንተትኸውን’ከ፧ ወይ ንዓሰብ ሸይጦም ንትግራይ ምስ ኤርትራ ሓዊሶም ናይ ተዛረብቲ ትግርኛ ሃገር እንተትህሉ’ኸ፧ ንኣብነት እዛ ናይ መወዳእታ ፍጻሜ ገለ ዓይነት science fiction ከተጽሕፈካ ምኸኣለት። ኣኽሱም፡ ዓዲ ግራት፡ መቀለ ምስ ኣስመራ፡ ከረን፡ ባረንቱ ብሓንሳብ ኣብ ሓንቲ ሃገር’ሞ ሕሰብወን! ናይ ኤዛና ኣኽሱም’ኳ ቅጅል በለትኒ! ሽዑ ክሳብ ድባርዋ ትበጽሕ ኔራ ትኸውን’ያ። ንፕሮፖጋንዳ ዝኸውን’ዩ ምበር ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን randomly ኣብ መንጐ ጥልያንን ሃጸይ ምኒልክን እዩ ተሳኢሉ። ትግራይ ደረቅ መሬት እናበሉ ይጸርፍዋ እንተደኣ ኔሮም፡ ኣብ ውግእ ዓድዋ ኣሉላ ጅግንነት ሰሪሑ። ተሳዒሩ ተዝኸውን’ከ፧<>
ኣብ ኳንተም ፊዚክስ ዩኒቨርስ universe ምባል ገዲፍናዮ ኢና። እንታይ ደኣ multiverse ንበል ኢሎምና ኣለው። ኣብ ዓለም እልቢ ዘይብሉ infinite ኣድማሳት ክህሉ ኣለዎ ፡ ንኹሉ ተኽእሎታት ክሓቊፍ ክኽእል መታን ኢሎሞ። ሓውትኹም ዝኾነ ዕቃበ የብለይን እንትርፎ ካብዚ ዘለናያ ናብ ካልእ ኣድማስ መንጠሪ ባይታ ተዝከብ። ነዚ ውን ብክልሰሓሳብ ይከኣል’ዩ ኢሎምና ኣለው። ሓደው ማዕረ ብርሃን ዝኸይድ ፍጥነት ኣምጽኢ ሓደው wormhole ርኸቢ’ሞ ብእኡ ስቱኽ ኢልኪ ንሕሉፍ ትኸዲ ወይ ንመጻኢ ትኸዲ። ሕጂ ቅምጥ ኢልና ሆሊውድ ስታይል time travel ኣቲና። እዚ ኣማራጺ-ታሪኽ ቅዲ ግን ክንደይ’ኳ ባህ በለኒ።<>
ብዙሕ ክትብል ትኽእል ኢኻ ግን ኩሉ ካብዚ ዘለኻዮ ምህዳም’ዩ። ንህሉው ኩነታት ክትቅበሎ ካብ ዘይምድላይ ዝፍልፍል ሕማም ናይ ኢጎ’ዩ ምበር ካልእ መዓስ ኮይኑ።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...