Thursday, September 28, 2017

ሰብ ስለምንታይ ዝጀመሮ ነገር የቋርጽ



ሮቡዕ ነሓሰ 2 2017
ሞራል ስለ ዝስእን ‘ዶ ‘ኸውን፧ ስለምንታይ ሞራል ዝስእን፧ ሞራሉ ምስ ግብረ-መልሲ ሰባት ስለ ዘተኣሳስራ። ስለምንታይ ነብሰ-ምትብባዕ ዘይጥቀም፧ ብዘይ ሞሳ ክሰርሕ ዝደሊ ፍቅሪ እቲ ዝሰርሖ ከቃጽሎ ኣለዎ፡ ወላ ሓንቲ ነገር ከይተጸበኻ እትሰርሖ ስራሕ ምርካብ ክንደይ ደስ ዘብል ምርቃ እዩ። ኣብ ፌስቡክ ክጽሕፍ ካብ ዝጅምር ሓደ ወርሒ ሓሊፉ ኣሎ። ሰባት ምስቲ ናቶም ፖለቲካዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ ዝኸይድ ወይ ዝሳነ ጽሑፍ ክትጽሕፈሎም ይብህጉ ይኾኑ፡ ካብዚ ተላዒለ  በታ ዝሃነጽኵዋ ገጸ-ባህሪ ንመብዛሕትኡ ኣረኣእያታት ከጠቃልል ዝኽእል ኣተሓሳስባ ከቅርብ ቀንየ። ትማሊ ግን ካብ ኩሉ ወገንነት ነጻ ዝኾነ እንኮ ኣርእስቲ ማለት ብዛዕባ ስነ-ፍልጠት ምጽሓፍ ጀሚረ ኣለኹ። ብዛዕባ ስቲቨን ሆኪን ዝመርሖ ዘሎ ክልሰ-ሓሳብ ኩሉ ነገር ምንባብ ካብ ዝጅምር ወርሕን ገለን ሓሊፉ ኣሎ። እታ ብልጽቲ-ተሸያጢት መጽሓፉ ሓጺር ታሪኽ ግዜ ንህዝቢ ተባሂላ ስለ ዝተጻሕፈት ደስ ተብል’ያ ግን ምስ ጻዕቂ መደባተይን ገለ መመኽኔታታትን ክሳብ ሕጂ ኵድኣ ኣይከኣልኩን። እዛ ትማል ዝጸሓፍኵዋ ዓንቀጽ ገለ ሓሳብ ሂባትኒ ኣላ። ብዛዕባ ኳንተም ብትግርኛ ክጽሕፍ እንተጀሚረ ኣብዚ ዓውድ’ዚ ዘለኒ ኣፍልጦ ክሰፍሕን ክዓሙቅን ይኽእል’ዩ፡ ስለዚ ነዛ መጽሓፍ ናይ ስቲቨን ሆኪን ተወሳኺ ካብኣ ዝቀልል ሓገዝቲ መጽሓፍትን ዊኪፒድያን እናተጠቀምኩ ክትርጉማ ክፍትን’የ። ንኣብነት ትማል ብዛዕባ ንጣር ወይ ፓርቲክልስ ዝጸሓፍኵዎ ደስ እብለኒ ኣሎ፡ ነዚ ወላ ግብረ መልሲ ኣይርከበሉ ንኣይ ክብል ኣብ መፈጸምታ ከብጽሖ’የ።
እዛ ትማል ዘውጻዅዋ ልጥፎ ናይ ፌስቡክ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ልዕሊ 50 “ኮመንትስ” ምስ ዘይትረክብ ኣብዛ ጉጅለ ምጽሓፍ ደው ከብሎ’የ ኢለ ትማል ምስ ነብሰይ ውዕል ኣትየ። ንምሕዝነት ዝሓቱኒ ሰባት እናበዝሑ ይኸዱ ኣለው፡ በቲ ጽሕፈተይ ደስ ኢልዎም እንተዝኾኑለይ ደስ ምበለኒ። ጽሕፈተይ እናተኸታተሉ ምስ ሲዶና ምሕዝነት ክምስርቱ ዝደልዩ ሰባት ካብ 100 ንላዕሊ ምስ ዝኾኑ፡ ናይ በይነይ ገጽ ከውጽእን ንጽሕፈት ናተይ ኢለ ክሕዞን’የ።
ቋንቋ ኩርዲስታን ክመሃር ካብ ዝደሊ ነዊሕ ገይረ ኣለኹ። እቲ ዝቀርብ መደባቶም ልዕለ ንጹር ወይ ሃይ-ደፍኒሽን ስለ ዝኾነ ሃነን ዘብል’ዪ። ወላ’ኳ ሰብ ነቶም ልሙዳት ናይ ባዕዲ ቋንቋታት ከምኒ ፈረንሳይኛ ፡ ጥልያንኛ ክመሃር ዝምዕደኒ እንተኾነ እንተቲ ኣነስ ሶራኒ ክመሃር እብህግ ኣለኹ። ኣብ ወረቀትካ ክጸሓፍ ከሎ ፈረንሳይኛ ደስ ዘብል ክኸውን፡ ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ገጽካ ተኸድካ ድማ ማይ መለመኒ ክኾነካ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ ኣነስ ልበይ ተሰሊቡ ኣሎ። እዚ ምስቲ ጥልያንኛ ክመሃር ኢለ ዝጀመርኵዎ ናይ ፒምዝለር ካሴታት ምስማዕን፡ ናይ ጥልያን ፊልምታት ምዕዛብን ከምቲ ዝድለ ኣይከደለይን። ስለምንታይ፧ መዓልታዊ ኣብ ድሽ ክርእዮ ዘይክእል ነገር ከም ትሑት ቀዳምነት ኵወሃቦ ዝኽእል ነገር ገይረ ኵቆጽሮ’ዶ ይሓይሽ፧ ሎሚ ክሓስበሉ ከለኹ ኣብ ሴማዊ ቋንቋታት እንተኣተኮርኩ’ኸ፧ ሳላ ድሽ በኣምሓርኛ መደባተን ዝፍንዋ መስመራት ተለብዥን ብብዝሒ ይኽፈታ ኣለዋ፡ ኣዲኣ ገዲፋ ሓትነኣ ትናፍቕ ከይኮነንስ ሎሚ ኣብ ኣምሓርኛ እንተኣተኮርኩ ይሓይሽ። እቲ ዝገርም ጽቡቕ ናይ ምስማዕ ክእለት እንከለኒ ኣብ ምዝራብ ግን ጌና ጀማሪት’የ ዘለኹ። ነገራት ብ ልዕለ ንጹር ስእሊ ክትዕዘቦም ከለኻ ንእዋኑስ ሃነን’ዮም ዘብሉኻ።
ናይ በየነ ሃይለ መጽሓፍ “ዓቢዱ’ዶ ትብልዎ፧” ከንብባ ጀሚረ’ለኹ። ምስ ወዳእኩዋ ብዛዕባኣ ገለ ነገር እብል ‘ኸውን’የ። ጌና 500 ቃላት ኣይመላእኩን ግን ንሎሚ ኣብዚ ክዛዝም።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...