Friday, September 29, 2017

ባህጊ ጥራይ እኹል ኣይኮነን



ባህጊ ጥራይ እኹል ኣይኮነን
ኣብራር ሽኮር “ባህጊ’ለኒ” ትብል ሓዳስ ደርፊ ኣውጺኡ’ሎ። ግርም! ደሃይካ ኣይተሓባእ ሓቢብ ኣልቢ። ግን እንታይ ደኣ ጓይላ መሪጽካ፧ ናይ ጓይላ ህርመት ምጥቃም ከም ዝመስለኒ መሸፈኒ ስነጥበባዊ ሕምቀትን፡ ከምኡ ድማ ጽቡቕ ዜማ ዝሓቶ ጻዕሪ ከይትህብ ምስልካይን’ዩ። ዲም ዲም ነደይ ጉብጥሽ ዘይንገድፈለን! ደርፊ ኤርትራውያን ወርቃዊ ግዜኡ ዘብቅዐ ይመስል። እዚ ጥሪም ጥሪም ሎሚ ትሰምዖ ጽባሕ ትርስዖ ገዲፍካ፡ ናብ ውሽጥኻ ዝኣቱ ደርፊ ኣበይ ጸኒቱ፧ እንታይ ክንብል ኢና! ስነጥባባዊ ብገንዘብ ይሽመት ስለ ዘሎ ድዩ፧ ወይስ ርእሲ ቴኖ ስለ ዝኾኑ ጓይላ ተዘይኮይኑ ካልእ ኣየምሕረሎምን ኢሎም’ዮም ብጓይላ ልብና ዘሰንክርዎ ዘለው፧ ብልቡ ዝደርፍ’ኮ ስኢነ፡ ወላ ብልቡ ኣይድረፍ ግን ክኢላ እታ ሒዝዋ ዘሎ እተዝኸውን መምሓረ። ደሓን ናይ ደርፊ ኣብዚ ይኣክል፡ ፈላስፋ ንደርፊ ክትህይስ ኣየምሕረላን። ኣብራር ሽኮር ዘምጽኦ ሓሳብ ስለ ዘሎ ሓሳባት ንዛረብ።<>
ባህጊ’ለኒ! ኩላትና ባህጊ’ለና፡ ጽቡቕ ዝጸልእ ስለ ዘየለ እቲ ሕቶ ባህጊ ለካ ዶ የብልካን ኣይኮነን። እተወሓደ ኣብዚ ክንሰማማዕ ንኽእል ኢና። ግርም፡ ኩላትና ጽቡቅ ካብ ደለና እንታይ ደኣ የባእሰና’ሎ፧ ባህጊ ከም ዓቢ ኣብ መሬት ዝተሳእለ ክቢ circle ንሕሰቦ፡ ናይ ሓደ ባህጊ ናይቲ ካልእ ክቢ ከይዳ ክትድምስሳ ምስ ጀመረት፡ ዘይምስምማዕ ይመጽእ። እዛ ባህጊ ትብል ቃል ካልእ ስም ናይ ሕልሚ፡ ድሌት፡ ዊንታ፡ ጸሎት፡ ምህለላ እያ ክንብላ ንኽእል። ክትብህግ ጽቡቕ እንድዩ ግን ባህጊ ጥራይ ንርእሱ ኣበይ ከብጽሓካ’ዩ፧ “ንዑ ንማህለል ክሓልፈልና” ዝዓይነቱ ናይ ድኹማት ዘረባ ኣይፈትዎን’የ። ዓቅሚ ተዘይብልካ ስቅ በል! ባህጊ’ዶ መንደፍ’ዶ ምባል ንመን ኣርቢሑ ይፈልጥ፧ ናጽነት ኤርትራ ብባህጊ ድዩ መጽዩ፧ I don’t give a rat ምስ ህግደፍ ዲኻ ወላ ኣንጻር ህግደፍ። ኣብ ክውንነት’የ ዝዛረብ ዘለኹ። There is no free lunch ዝበልዎ ጸዓዱ ሓቃቶም’ዮም። ኮፍ ኢልካ ሚእቲ ዓመት፡ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ክትብህግ ትኽእል ኢኻ ፡ ሕምልኻ ግን ሕልሚ ደርሆ ጥራይ’ዩ ክኸውን። ባህጊ ከኣ ይበሃለለይ! ባህጊ ዝሓቶ መስዋእቲ፡ ባህጊ ዝጠልቦ ሽግር፡ ዓጸቦ፡ ድኻም፡ ስንክልና፡ ጥሜት፡ ዕርቃን፡ ሞት ክትጻወር ዘይትደሊ ክነስኻ፡ ኣብ ከተማታት ኤውሮጳ ኮንካ “ባህጊ’ለኒ” ተበልካ መን ከይሰምዓካ’ዩ። ኣሕዋት፡ ባህጊ ናይ ፖለቲካ ጥራይ ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። ዝኾነ ባህጊ፡ ባህጊ ሃብቲ፡ ባህጊ ፍልጠት፡ ባህጊ ዕቤት! ኩሉ ባህጊ ምስኡ ዝመጽእ ዋጋ ኣለዎ፡ ነዚ ዋጋ’ዚ ክትከፍሎ ዘይትደሊ እንተኾንካ ግን ኪድ ተጐምቢሕካ ባህጊ’ለኒ፡ ባህገይ ሃቡኒ በል። ስለዚ ኣብ ክንዲ ኣብ ባህግኹም ኣብ ክትገብርዎ ትኽእሉ ተትዛረቡ መምሓረ። ካልኣይ ዝዓበየ ነጥቢ ድማ “እንታይ’ሞ፧’ዩ” እንታይ’ሞ ኣብ ፌስቡክ ስያሳ ተዛሪብካ፧ እንታይ ክዓብስ’ዩ! ኣነ ምትንታን ምስ psycho-philosophy ምትእስሳር ባህ ስለ ዝብለኒ’የ ዝጽሕፍ ዘለኹ’ምበር ዝኾነ ለውጢ ከምጽእ ዝደልዮ ባህጊ የብለይን። ባህጊ ናይ ድኹማት፡ ስራሕ ድማ ዕውታት ስለ ዝኾነ። ባህጊ ብስራሕ እንተዘይተደሪዑ፡ ካብ ምብሃግ ማይ ምዑማኽ ይቀልል።<>
እዚ ዘለናዮ እዋን ብገለ ሸነኹ ልክዕ ከምቲ ኣብ 40ታት ዝነበረ’ዩ ዝመስል። ባህጊ ነጻነት ኤርትራ ዝነበሮም ገለ ፓለቲካውያን ማሕበራ ይንቀሳቀሳ ነበራ። ኤርትራዊ ምጭፍላቅ ጥራይ’ዩ ዘምሕረሉ መስለኒ፡ ኣብ ነንሓድሕዶም ከማን ክሰማምዑ ኣይከኣሉን! ሕብረት ኢሎም ዓድና ሸይጦማ። ፖለቲካዊ ሜላ ዝጐደሎም መሃይማን፡ ብገዛእ ኢዶም “ኖእ! ምስ ኣዴና ኢትዮጵያ ምሕባር ይሕሸና” ኢሎም ነቃዕ ከፈቱ’ሞ the rest is history ድዮም ዝብልዎ። ከምኡታት’ዩ። ኣብ ከምዚ ህሞት “ንናጽነት ባህጊ’ለኒ” ተበልካ መስሓቅ ሸራፋት ኢኻ ጥራይ ክትከውን። ስለዚ ስራሕ ተዘይብሉ ባህጊ ጥራይ እኹል ኣይኮነን።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...