Thursday, September 28, 2017

ፓለቲካ



ነሓሰ 20
እዚ ጽሑፍ ቅድሚ ገለ እዋን ሓደ ሓውና “ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም እንታይ’ዩ፧ መፍትሒኡ’ኸ፧” ክብል ሕቶ ኣቅሪቡን መልሲ ድማ ክጽሕፍ ምዃኑን ተመባጺዑ። ኣምጻኢ ሕቶ እንታይ ከም ዝበለ ኣይተኸታተልኩዎን፡ ባዕሉ ነዚ ይርእዮ ‘ተሎ  ገለ ክብለና እምሕጸኖ። ሓውና “ድምጺ ህይወት” ብዝሓተተኒ መሰረት ኣብ ነሓሰ 20 2017 ገለ መልሲ ክጽሕፍ ሃቂነን፡ ጽሒፈን። ምስ ኣንበብኩዋ ግና ከምቲ “ሉልኩም ኣብ ቅድሚ ሓሳሙ ኣይትደርብዩ” ዝብል ተዘኪሩኒ፡ ኣብ ላፕቶፐይ ኣቀሚጠዮ ጸኒሐ። ሎሚ ድሕሪ ናይዛ ኣብራር “ባህጊ’ለኒ” ትብል ልጥፎ ድማ፡ ሓደ ካብ ወሃብቲ ርእይቶ፡ እንታይ’ሞ ክንገብር ዝብል ሕቶኡ ንዓይ ከም ዝመስለኒ ብገለ ሸነኹ ክምልሶ። እቲ ጽሑፍ ከም ዘለዎ ከቅርቦ።<>
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማትን መፍትሒኡን ‘ዶ በልካ። ብክልተ ምሉኣት ሓሳባት ከምዚ ኢለ ክምልሰን። ኣብ ኤርትራ ልክዕ ከም ኣብ ካልኦት ድኻታት ሃገራት ቁጠባዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ምምሕዳራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ትምህርታዊ ጸገማት ኣሎ። መፍትሒኡ’ከ ተበልካ ንዓይ ኣብ መሪሕነት ኣቀምጠኒ ወይ ኣማኻሪት ናይ መራሕቲ ግበረኒ’ሞ ክፈትሖ። ቁምነገር መልሲ እንተደሊኻ መፍትሒኡ ሰብ ምንቃሕ ጥራይ’ዩ።
ብዙሕ ሰብ ፖለቲካ ካብ ስምዒት ክፈልዮ ስለ ዘጸግሞ ብልዙብ ኣገባብ ክንዛተ ኣይንኽእልን። ኣብ ፌስቡክ ሃለውለው ናይ ዝበልካ ድማ ፍታሕ ክመጽእ ይኽእል’ዩ ማለት ኣይኮነን ምኽንያቱ “ወሰንቲ ኣካላት” ዘይተሳተፍዎ ዘረባ ከንቱ ስለ ዝኾነ። ካብ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ርእይቶታት ተበጊስካ ብዙሓት ሰባት blame game ማለት ጸገማትካ ንካልእ ምልጋብ ዝዓይነቱ ሜላ ናይ ክትዕ ዝመረጹ ይመስሉ። ብዝኾነ ወላ’ኳ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ምጉያይ እንተኾነ ዘለኒ ሓሳባት ወስ ከብል።
1.   ግርህነት ቁጽሪ ሓደ፡ ስልጣን ንበርጌስ ወይ ሲቪል ክርከበልካ ምድላይ
ብነብሰይ ክዛረብ። ኣብ በረኻ ንዓመታት ጥሜት፡ ጽምዒ፡ ዕርቃን፡ ስንክልናን ሞትን ተጻዊረ እንተዝጋደል እሞ ከይተሰዋእኩ ናጽነት እንተዘምጽእ ስልጣነይ ንዝኾነ ሰብ ኣሕሊፈ ክህብ ኣይደልን( This is obvious human nature unless you are a hypocrite)። ንሓደ ኣብ ኮበርታ ማሙቍ፡ ሃምበርገር እናበልዐ፡ ብመኪና እናተዛወረ ኣብ ከተማ ኮፍ ኢሉ ክጽበየኒ ዝጸንሐ ሰብ ስልጣነይ ኣሕሊፈ ክህቦ ዝሓሰብ ‘ተሎ ገርሂ’ዩ። ኣነን ብጾተይን እናሰንከልናን እናሞትናን ንሱ ናይ ባንኪ ሓሳቡ ክህጥር ይሰርሕ ነበረ። ስለዚ ሃገር ናይቶም ከም እንስሳ ኣብ በረኻ ሰፊሮም ዘምጹዋ’ያ። ብስምዒት ዝኾነ ክትብል ትኽእል እንዲኻ፡ ትብሎ ግን ካብ ስምዒት ጥራይ ኮይኑ’ዩ ክተርፍ። ኣብዚ ቢራ እናጨለጥካ ድላይካ ተዛረብ፡ ጸገም ህዝቢ እፈልጥ’የ ክትብል ግን ዓገብ!
2.   ግርህነት ቁጽሪ ክልተ፡ ብዙሐ ሰልፋዊ ስርዓት ክትከለልካ ምድላይ
ኤርትራ ንዴሞክራሲ ጌና ኣይተዳለወትን ዘላ። ስለምንታይ፧ ዴሞክራሲ ሕማቅ ኮይኑ ዘይኮነ ህዝብና ዘይነቅሕ ስለ ዝኾነ ‘ምበር። ከምዚ ኣብ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን ዝነበረ ከም ድላይካ ሰልፍታት ምቋም እንተዝፍቀድ ከመይ ምኾነ ኢልኩም ትሓስቡ፧ ናይ ሽዑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃውህው እንታይ ክምህረና ይኽእል፧ ኣብ 21 ክፍለዘመን ንሃይማኖት ከም መሳርሒ ፖለቲካ ወይ ብዓረብ ኣተሰዩስ ኣዲኒ politicization of religion ኣብተን ብቁጠባ ድኹማት ዝኾና ሃገራት ብብዝሒ’ዩ ዝስርሓሉ። ነዛ ብክንደይ ጭንቂ ዝመጸት ሃገር ሓደ ቁርኣን ኣልዒሉ ኣብ ከተማታት ከረን ወይ ኣቁርደት ከይዱ ክሰብኽ፡ ወይ ሓደ ናብ ከበሳ ደይቡ “ኤርትራ ናይ ክርስትያን’ያ” ወይ “ትግርኛ ጽሩያት ገዛእቲ ዓሌት ኢና” ክብል እንተዝጅምር መወዳእታኡ ኣይክጽብቅን’ዩ። ትግርኛ ኣስታት 50% ትግረ 30% ዝተረፉ ብሄራት 20% ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ ብሃይማኖት ድማ 49% ኣስላማይ፡ 50% ክርስትያን ዘለዋ ሃገር፡ ስምረት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ውሽጢ ዴሞክራሲ ኢልካ ክትበትኮ ቀሊል’ዩ። ስለዚ ዴሞክራሲ ፈትኖ’ሞ ኤርትራ ከም ሶማል ፋሕ ምስ በለት ሽዑ ዘይንዛረበሉ ትብል ተለኻ ደሓን ቅድም ኤርትራዊ ክነንቅሖ እንተንጽዕር ምሓሸ እብል። ሎሚ ዴሞክራሲ እንተዝኣቱ ምፍሳስ ደምን ዘይምትእምማንን ብዙሕ ከይጸንሐ ምሰዓበ’ሞ ኤርትራ ውድቅቲ ሃገር ምኾነት። ገዛእቲ ዝዘርእዎ ፍልልይ ናይ ኣውራጃታት ከማን ፈኸም እናበለ ሰብ ይፈላሊ’ሎ። ሓማሴን፡ሰራየ ምባል ኣባና ዞም መንእሰያት ይሓይሽ’ምበር ዞም ዓበይቲ ጌና ኣበለየሉን ዘሎ። እዚ ናይ ወገንነትን ናይ ሃይማኖትን ፍልልይ ክባራዕ ቀሊል’ዩ። ናብዚ ዘሎ ሕብረት ህዝቢ ንበጽሕ ክንደይ ስውኣት ከም ዝሓለፉ ጠፊእኩም’ዶ። ኤርትራ ብደቃ ምጽዋት ትፈቱ ሃገር’ያ፡ ካብ ጥልያን ኣብ ትሩፕሊ ዝፈሰሰ ደም መንእሰይ ይኣክል። ብክንደይ ሓይሊ ዝሓበረ ሰብ፡ ንፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ሰልፍታት ድሉው ኣይኮነን። ተሓሰብካዮ ሓራካት፡ ማሕበር ሸውዓተ፡ ኤርትራ ኤትራውያን ኢልካ ነናትካ ኣጀንዳ ክትገብር ዝበዝሐ ሰብ ኣበይ ክትድብዮ ኢኻ፧ እንካ ከም ድላይካ ሰልፊ ኣቁም ማለት ንዓ ተዋዳእ ማለት’ዩ።
3.   ግርህነት ቁጽሪ ሰለስተ፡ ናይ ፕረስ ናጽነት ኵወሃበካ ምድላይ
ዝበለጸ መሳርሒ ምብታትን ናይ ዘይነቅሐ ህዝቢ ከም ድላዩ ፕሮፖጋንዳ ክነፍሕ ምግዳፉ እዩ። ኣብ ኣልጀዚራ “ሲናዐቱል ከራህያ” Manufacturers of Hatred ኢልካ ክትርጉሞ እንትኽእል መደብ ኔሩ። በቃ ናይ ጽልኢ ፋብሪካ ከፊትካ ንመጋጥምትኻ ትሰሃሎ፡ ፖለቲከኛ ድምጺ ህዝቢ ኵወስድ ዘይገብሮ ነገር ስለ ዘየለ ሓሶት፡ ምትላል እናተጠቀምካ ክትጻወት ትኽእል። ብርዒ ናይ ጋዜጠኛ ካብ ጥይት ወተሃደር ትኸፍእ፡ ሓደ ሓሳዊ ጋዜጠኛ ብዙሕ ሰብ ከናዕብ ይኽእል፡ ሓደ ቅኑዕ ጋዜጠኛ ውን ሓቂ ክቀልዕ ይኽእል ‘ንድዩ ግን motive ናይ ጋዜጠኛ ወሳኒ’ዩ፡ ንመንዩ ዝሰርሕ ዘሎ፧ ስለዚ ንሰብ ከም ድላዩ ክዛረብ ምፍቃድ፡ ነዓ ተበታተን ማለት’ዩ። ኤርትራዊ ኣብ ፌስቡክ እንተደኣ ሪእኻዮ ብሃይማኖታውን ፖለቲካውን ወገንነት ዝተጠቅዐ፡ እንትርፎ ምስቶም ከም ናቱ ተመሳሳሊ መርገጺ ዘለዎም ምስ ኣንጻሩ ክዛረብ ዘይደሊ ሰብ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ካብ ፌስቡክ እንመሃሮ ኤርትራዊ ጌና ሓሳባቱ ብልዙብ ኣገባብ ስምዒት ከይሓወሰ ክዛረብ ኣይከኣለን ዘሎ። ስለዚ ናጽነት ናይ ፕረስ ቅድሚ ምሃብና ሰብ ብእሩም ኣገባብ ሓሳብቱ ክገልጽ ክመሃር ኣለዎ። ኖእ ደሓር ይላመዶ ክትብል ትኽእል እንዲኻ ግን it’s such a huge risk not worth taking
4.   ግርህነት ቁጽሪ ኣርባዕተ፡ ዝኾነ ሰብ ምጽእ ኢሉ ስልጣን ክሕዝ ምድላይ
ኣብ ዝኾነ ዓለም ከም እንርዮ ኩሉ ሰብ መራሒ ክኸውን ኣይክእልን። እንግሊዛውያን ከም ዝብልዎ You first need to learn the ropes of the trade ፓለቲካ ድማ ቀሊል ጸወታ መዓስ ኮይኑ። ብፕሮፖጋንዳ ናይ ካልኦት ተጸሊኻ ከም ድላይካ ኣብ መሳልል ፖለቲካዊ ስልጣን ንላዕሊ ክትድይብ ትሓስብ ተለኻ፡ ተንስእ ካብ ሕልምኻ። ብድሕሪ መጋረጃ ኮንካ ጉሪምሪም ናይ ዝበልካ ብዙሕ ለውጢ ተምጽእ ኣይኮንካን። ስልጣን ትደሊ ተለኻ ክትምልመል ኣለካ። ከም ዝኾነ ሰልፋዊ ስርዓት ድማ ናይ ሰልፍኻ መርገጺ ሒዝካ ክትምልመል (groom ክትከውን) ኣለካ፡ ድሕሪኡ ምናልባት you can take a shot at it. ኤርትራዊ እፎይ ኢሉ ኣየር ዴሞክራሲ ኣስተንፊሱ ኣይፈልጥን’ዩ፡ ስለዚ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ስርዓት’ዩ ክትከል፡ ቅዋም ክንደፍ ተለዎ ከመይ ክኸውን ኣለዎ፡ ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር መንግስቲ ምጽእ ኢልካ ከተቁሞ ኣይከኣልን። እቲ ጸገም ከምዚ ናይ ሆሊውድ ዝኾነ ሰብ ስልጣን ክሕዝ ኣይክእልን’ዩ፡ ምሽ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ ከማን ኣይክልእን’ዩ። ትራምፕ ሎሚ መጽዩ ስልጣን ዝሓዘ ዝመስለኩም ተለኹም፡ ዶኲሜንታሪኡ ረኣይዎ።
5.   ግርህነት ቁጽሪ ሓሙሽተ፡ ቁጠባዊ ሓርነት ኣብ ሓደ ለይቲ ክትጭብጥ ምድላይ
ናይ ኣሜሪካ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኩናት ዓለም ብ “ማርሻል ፕላን”ዝፍለጥ በቲ ሽዑ እዋን 13 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ልቃሕን ሓገዝን መደብ ነታ ዓንያ ዝነበረ ኤውሮጳ ኣብ ምህናጻ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ። ናይ ቁጠባ ክኢላ ስለ ዘይኮንኩ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባዊ ሽግር ከመይ ይፍታሕ እንድዒ። ቀዳምነት ናይ ኩላትና ኣብ ክንዲ ሰብ እንታይ ይዛረብ ወይ እንታይ ይኣምን ምባል፡ እንታይ ክበልዕ’ዩ ምባል ይሓይሽ። ሰብ ጽቡቕ ክበልዕ እናተሸገረኸ እንታይ ማለት’ዩ ኸ ዴሞክራሲ፧ ገደል ይእቶ ዴሞክራሲ’ዩ ክብለካ፡ ቅድም ቁጠባኡ ኣመሓይሸሉ ድሓር ተደለኻ ፖለቲካ ኢልካ ክትሰብኽ ትኽእል።
6.   ግርህነት ቁጽሪ ሽዱሽተ፡ ኩሉ ምሳኻ ኮይኑ ዘጣቅዕ ደጋፊኻ ክመስለካ ከሎ
ኩሉ ሰብ ብቀዳምነት ረብሓ ነብሱ ከውሕስ ኣለዎ። ንነብሱ ምዃን ዝሰኣነ ንካልኦት ክኸውን’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት’ዩ። እዚ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ ናይ ብሓቂ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘሕመካ ዲካ ኣልዒልካዮ ወይስ ካልእ ጥቅሚ ስለ ዘለካ፧ ፍታሕ ማለትካ ‘ኸ እንታይ ማለት’ዩ፧ ሽግር ህዝቢ ከም ናይ ቁጽሪ ምዕሪት equation ብቀሊሉ ዝፍታሕ ሽግር’ከ  ኣየናይ’ዩ፧ ኣብዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ፖለቲካ everyone is in it for their neck ስለዚ “ኣነ ሓላዩ’የ፡ ወጽዓ ካልኦት ክስከም’የ” ዝብል ፈኸራ ተምጻኻ ካልእ ዝብሎ የብለይን እንትርፎ What’s in it for you? ካብ ጸቢብ ወገናውነት ነጻ ዲኻ፧
7.   ግርህነት ቁጽሪ ሸውዓተ፡ ኣብ ፌስቡክ ተዛሪብካ ለውጢ ክመጻልካ ምድላይ
እቲ ዝዓበየ ግርህነት’ዩ ‘ዚ። ዘረባ ናይ ድኹማት’የ ዝብሎ፡ ቅጥዒ ዘይብሉ ስምዒት ዝዓብለሎ ዘረባ ከኣ’ሞ ዝርርብ ዘይኮነ ጨራሕ ምራሕ እዩ። ኣብዚ ተዛሪብካ ወይ ለፍሊፍካ ትልውጦ ነገር የለን፡ ስለዚ ሓደ ካብቶም ገበርትን ሓደግትን ክትከውን እንተደኣ ዘይክኢልካ ክልተ ምርጫታት ኣለዋኻ። ቀዳማይ If you can’t beat them join them. ካልኣይ ድማ ኣፍካ ሓዝ! ማንቲለ ዘሊላ ዘሊላ ናብ መሬታ ከም ዝተባህለ ካብ ፖለቲካ ትዛረብ፡ ኪድ ካልእ ነብስኻ ክትጥቀምሉ እትኽእል ሞያ ተመሃር ወይ do something with your life እምበር ኣብዚ ግዜኻ ኣይተጥፍእ።<>
ክንኣስሮ፡ ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ኮንካ ሃምበርገር እናበላዕካ፡ ሰቢሕካን ወዝ ጌርካን፡ ሓዳስ መርዓት ክትመስል ምሉቅሉቅ ትብል መንእሰይ ኢኻ። እንታይ ከፊኢካ’ዩ ትዛረብ ዘለኻ፧ ንህግደፍ ክትክእ ዝኽእል ሰልፊ የለን። እቲ ሕቶ ድሕሪ ዓምና ነገር ከመይ’ያ ክትከውን’ዩ። ብሰላማዊ መገዲ ምትሕልላፍ ስልጣን ከህሉ ዝገብር መስርሕ ገዲፉልና እንተዝኸይድ መምሓረ። ኣነ ከም ዝርድኣኒ ህግደፍ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ፡ ከምዚ ናይ ቻይና ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ኣካል ካብ ኣባላት ህግደፍ መሪጽካ ንሱ ፕረዚደንት ናይ ምምራጽ ስልጣን ክወሃቦ ምተገብአ። ናይ 97 ቅዋም ደምሲስካ ካልእ ሓድሽ ኣብ ቀረባ እዋን ውን ክወጽእ ኣለዎ። እዚ ዓምና ተደልይዎ ጥራይ’ዩ፡ ባዕለዴኽን ትፈልጣ ኢሉ ስቕ ኢሉ እንተኸይዱ ግን ካልኣይቲ ሶማል ምዃና መን ከሊኡና።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...