Thursday, September 28, 2017

Agnosticism: Who We Are And Why You Shouldn’t Give A Sh*t



ነሓሰ 19
Agnosticism: Who We Are And Why You Shouldn’t Give A Sh*t
ኣብ ናይ ሎሚ ልጥፎ ምስ ብዙሓት ሃይማኖታት ዝተጉዓዝኩዎን ካብኦም ዝተመሃርኵዎ ትምህርትን፡ ነዚ ሎሚ ሒዘዮ ዘለኹ ኣተሓሳስብባ ዝጸለወኒ ረቋሒታትን ክድህስስ’የ። “ሶፍያ” ትበሃል ትርጉም መጽሓፍ ፍልስፍና ብተኪአ በየነ መቸም ትዝክርዋ ትኾኑ። ‘ታ መጽሓፍ ተመሪቃ ናብ ዕዳጋ ምስ ተዘርግሐት ብዙሕ ዘረባ buzz ፈጢራ ነይራ። ብስታትስቲካዊ ደገፍ ክዛረብ ባህ ዝብለኒ’ኳ እንተኾንኩ ቁጽሪ ዝተሸጠ መጽሓፍቲ ምስ ብዝሒ ከንብብ ዝኽእል ሰብ የብለይን፡ ከም ዝመስለኒ ግን ሶፍያ ብትግርኛ ሓንቲ ካብተን ኣብ ብሉጻት ተሸየጥቲ best seller ከይኮነ ኣይትተርፍን ። ገለ ዝፈልጦም ኣመንቲ “ከቃጽልዋ” ደልዮም ላዕልን ታሕትን ክብሉ ትዝ እብለኒ። ወይ ጉድ! መጽሓፍቲ ኣቃጺልካ ደስ ዘይብለካ ሓሳባት ካብ ዓለም ከተጥፍእ ምፍታን ብእኦም ዝተጀመረ ኣይኮነን። ብድሕሪ ሶፍያ ምውጽኣ ገለ ዓመታት ጸኒሑ ኣብ ኣሜሪካ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ ሓደ ፓስተር “ቁርኣን ከቃጽል’የ ኣይትሓዙኒ” ክብል ኣብ ዜና ሪእናዮ። ኣብዚ ጉጅለ ውን ቅዱሳት መጽሓፍቲ ነቃጽል ዝብሉ ገለ ሰባት ውን ኣበይ ከይሰኣኑ። ካብ ኩሉ ዝስምዓኒ ምቅጻል መጽሓፍቲ ግን ኣብ ከተማ ኣሌክሳንድርያ ዝነበረ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ቤተ-መጽሓፍቲ ብጥሩፋት ኣስላም ክቃጸል ከሎ’ዩ። እቶም ኣቃጸልቲ “ንወድሰብ ዘድሊ ኩሉ ፍልጠት ኣብ ቅዱስ ቁርኣን ተገሊጹ ስለ ዘሎ ካልእ መጽሓፍቲ ኣየድልየናን’ዩ” ዝብል ሓሳብ ሒዞም ነበሩ። “ክዱን በኣፈ ስላሴ” ድዩ ኢልዋ ቀሺ፡ ኣነ ውን ከምኡ ኢለ ጥራይ ክሓልፎ። ስለዚ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ዘለው ኤርትራውያን ኣኽረርቲ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ፓስተር፡ ኣብ 8ይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣስላም ሓደ ዝጠምሮም ነገር እንተሎ ብርቱዕ “መጽሓፍቲ ኣቃጽል” ዝብል ሸውሃት’ዩ።
ኣብ ታሪኽ ፍልስፍና ብዙሓት ዓበይቲ ፈላስፋታት ተጠቂሶም ኣለው። ሶፍያ ክትወጽእ ከላ ዝነበረ ዓመት 2006 ማለት’ዩ መስለኒ፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ገዲፈዮ ነበርኩ። እቲ ሽዑ ዘምጻዅዎ ምኽንያት “ኣየናይ ኣምላኽ፧” ዝብል ነበረ። ኣስላመይቲ፡ ክስርትያን፡ በሃይ፡ መሰኻኽር የሆዋ ኣብቲ እዋንቲ ደሓን ጌረ ዝፈልጠን ሃይማኖታት ነበራ፡ ኣየነይተን ከም ዝመርጽ ግን ሓርቢቱኒ ነበረ። ኩላተን “ንሕና ኢና ልክዕ” ይብላ ስለ ዝነበራ እሞ ኸኣ ነተን ቅዱሳት መጽሓፍተን ማለት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅዱስ ቁርኣን፡ ኣቅዳስ፡ መ/ቅዱስ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣንቢብካ መን’ዩ ልክዕ መን’ዩ ጌገኛ ክትፈሊ የጸግመካ’ዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ክፈትሕ ክሳብ ዘይከኣልኩ “ኣምላኽ ኣሎ” ወላ እንተበልኩ “ኣየናይ ኣምላኽ፧” ዝብል ሕቶ ኣብ ልዕለይ ኣሎ። ስለዚ ናብ ተዋሕዶ ወይ “ሓድነት” ኣምላኽ ክዘብል ጀመርኩ። እዚ ቴማ ኣብ ክርስትና “ብስላሴ” ተተኪኡ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ ቀዳዳት ንክትዕን ግምትን speculation ይገድፍ ነበረ። ናይ ስላሴ ነገር ብወግዒ ክቃወም ዝፈተነ ቀዳማይ ቀሺ ኣርዮስ’ዩ፡ ብሃጸይ ኮንስታቲን ዝተጸውዐ ዋዕላ ናይ ክርስትያን ኣብ First Council of Nicaea 325 AD ተወገዘ። ኣብ ትግርኛና “ውጉዝ ከም ኣርዮስ” ወይ “ኣኼስ ከም ኣርዮስ” ዝብል ዘረባታት ኣሎ። እዚ ሰብኣይ መን’ዩ፧ ስለምንታይ literally ይስይጠን ኣሎ፧ ኢልና ብዙሕ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ዊኪፒድያ ከም ዝብሎ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዘላ ዮሃ 14:28 እያ መበኣሲቶም፡ ባዕልኹም ክትፈርዱ ነዛ ጥቅሲ ከምታ ዘላታ ክጽሕፋ “ኣነ ክኸይድ ናባኻትኩም ውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም ኣለኹም። ካባይ ኣቦይ ይዓቢ እዩ እሞ፡ እተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሓጐስኩም ኔርኩም”። ባዕሉ ክርስቶስ ኣቦይ ካባይ ይዓቢ እናበለ ከሎ፡ “ሱቅ በል! ንስኻ ንዓና ክትነገረና፡ ንሕና ማዕረ ኣቦኻ ምዃንካ ኢና እንፈልጥ። ከም ኣቦኻ ኣምላኽ ኢኻ” ትብልዎ ኣለኹም ኢሉ ተኻትዖም ይበሃል። ነዚ ክጻወርዎ ዘይከኣሉ መራሕቲ ካብ ማእከሎም ሰገጉዎ። ክርስቶስ ትሕትና ክምህር ስለ ዝደለየ እዩ እምበር ኣምላኽ ምዃኑስ ኣየጠራጥርን’ዩ ወዘተ ዝብል ዘረባታት ክስማዕ ይረአ’ዩ። ነዛ ጥቅሲ ማለት ዮሃ 14:28 ክምልሰልና ዝኽእል ክርስትያን እንተሎ ጽቡቕ ምኾነ። ክርስቶስ “ኣቦይ ካባይ ይዓቢ” ክብል ከሎ፡ “ኣነ ኣቦን ማዕረ ኢና” ማለቱ’ድዩ፧ ወይስ “ብድሕረይ ዝተባህሎም ገዲፎም ዘይተባህሎም ዝሰምዑ ጸማማት ክመጹ ስለ ዝኾኑ” ኢሉ’ዩ reverse psychology ዝጥቀም ዘሎ። “ኣነን ኣቦን ማዕረ ኢና” እንተዝብል’ከ ኣንጻር ዝበሎ “ከመይ ጌርካ ከምኡ ትብል፧ ኣቦ ይዓቢ እምበር” ምበልናዮ’ዶ፧ ኣርዮስ ምስኪናይ በዛ ሓንቲ ጥቅሲ ተወጊዙ፡ መካትዕቱ ስዒሮሞ፡ ስሙ ከም ስም ሰይጣን ተቆጺሩ ሰብ መፈራርሂ ንጥቀመሉ ኣለና። ብዙሓት ናይ ሃይማኖት ሰባት ጽምኢ ደም ምፍሳስ ዘለዎም ሕሙማት ስለ ዘኾኑ ንኣርዮስ ኣይሰቀልዎን፡ ወይ ኣብ ሓዊ ኣይጠበስዎን፡ ወይ ብሴፍ ክሳዱ ኣይቆረጽዎን። ካብ ዓዱ ከተማ ኣሌክሳንድርያ ናብ ፍልስጤም ሓየርዎ (exile ገበርዎ)። ታሪኹ Arius ኢልኩም ጎግልዎ ተደሊኹም።
ድሕሪ ኣርዮስ ናብ ሓድነት ኣምላኽ ዝቀርብ መግለጺ ዝሃበ ሃይማኖት ናይ ነቢ መሓመድ’ዩ። ምስልምና፡ መሰኻኽር የሆዋ ከምኡ ውን በሃይ ኣብቲ እዋንቲ ዝሰሓቡኒ ምኽንያት ውን ካብዚ ከይኮነ ኣይተርፍን። ክርስትና 1=3 እዩ ዝብል። ክርስቶስ፡ ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣዶናይ፡ ኢሎምሂም፡ ያህወ ወዘተ ወዘተ ብዙሕ ስምን ባህርያትን ዘለዎ ሃይማኖት’ዩ።  ካብ ክርስትና ውጽእ ዝበለ ዝመስል non-trinitarian ሃይማኖት ምስክርነት ናይ የሆዋ እዩ። እዚ “የሆዋ” ዝብል ማዕርግ ልክዕ ከም “ኣላህ” ዝብል ስም ነቲ ሓደን፡ ብዘይካኡ ካልኣይ ዘይብሉን ኣምላኽ ይምልከት። ኣብ በሃይ ድማ ሓደ ኣምላኽ፡ ሓደ እምነት፡ ሓድነት ደቅ ሰብ ዝብል መሪሕ ኣሎ። እዘን ሰለስተ ሃይማኖታት እምበኣር ሓድነት ኣምላኽ ብንጹር ኣገባብ ስለ ዘቀመጣ ናብ ልበይ ዝቀረባ’የን ኔረን። ንክርስቶስ ዘለኒ ፍቕሪ ልዕሊ ኩሎም ነብያት’ዩ፡ ኩላቶም ኣብ ትሕቲኡ’ዮም ግን “ኣምላኽነቱ” ክቅበል ዓቀብ ኮይኑኒ ነበረ። ወላ ሎሚ ክርስቶስ ክዝክር ከለኹ ልበይ ትደፋነቅ። ጉዕዞይ ግን ካብ ክርስትና ወጺአ ድማ ናብ መሰኻኽር የሆዋን፡ በሃይን፡ ምስልምናን ተጸጋዕኩ፡ ኣብ ሓድነት ኣምላኽ ዝብል ትምህርቶም ድማ ኣዕረፍኩ። All for One, And One for All ዝዓይነቱ ማለት’ዩ።
እዚ ኣብ ፌቡ ኮነ ኣብ ዜና እንርእዮ ዘለና ገጽ ናይ ምስልምና ኩሉ ገጽ ምስልምና ዝመስለና ‘ተለና ብዙሕ ብዛዕባ’ዚ ሃይማኖት ስለ ዘይንፈልጥ’ዩ። ምስልምና ክለዓል ከሎ ዳዕሽ፡ ጭኮና ደቀንስትዮ፡ ሸሪዓ፡ ብሓጺሩ ከክፉእ ጥራይ ክመጻና ይኽእል’ዩ። እዚ ኣነ ክኽሕዶ ኣይክእልን’የ ምኽንያቱ ኩሉ እቲ ዝበሃል ወይ ዝሰማዕኩምዎ ኣለዎ። እዚ ሕጂ ዝዛረቦ ዘለኹ ‘ምስልምና” ግን ናይዞም ጥሩፋት ዘይኮነ፡ ነቲ ላህመት መንፈሳውነትን ሓድነት ኣምላኽን ዝኾነ “ሱፊዝም” ዝበሃል ሃይማኖት’ዩ። ተመራመርቲ ሃይማኖት ሱፊዝም ክፋል እስላም ድዩ ኣይኮነን ክሳብ ሕጂ ውዱእ መልሲ ክህብዎ ኣይከኣሉን ዘለው። ብዝኾነ ንሳቶም ዝብልዎ ኣየገድስን’ዩ ድማ ምኽንያቱ “ተመራመርቲ ሃይማኖት” ዝበሃሉ ዘለው ልክዕ ከም ኣባላት ናይዛ ጉጅለ “ኣነ ዝበልኩዋ ጥራይ ትሰማዕ” ዝብሉ ብኽፉት ልቢ ክዛተዩ ዘይክእሉ ዕሸላት ስለ ዝኾኑ። ግጥምታት ናይ ሩሚ፡ ዖማር ኸያም፡ ዓጣር፡ እንተንቢብካ ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ከም ዘለኹ ኣይጠፍኣካን’ዩ። ናይ ሓኪም ሰናይ “ሓዲቀት ል ሓቂቃ” “The Garden of Truth” እንተደኣ ኣንቢብካ’ያ ክብሎ ዝደለኹ ኣብኡ ከለኻ ትርድኦ ትኸውን። እዞም ስሉሳውያን ጸሓፍቲ ናይ ሱፊዚም ማለት ሰናይ፡ ዓጣር፡ ሩሚ ላህመት ናይ ሱፊዝም (ንዓይ ድማ ላህመት ናይ ምስልምና እዮም።) ንሃይማኖት ካብ ወግዒ ritual፡ ልማድ habit ኣውጺኦም ኣብ ግቡእ ቦታኡ ስለ ዘቀመጡዎ። ኣብ ሱፊዝም ሃይማኖት ከም ፍቅሪ ኣብ መንጐ መንፈስ ወድሰብን ኣምላኽን ጌርካ ምግላጽ ልሙድ’ዩ። ልብኻ ንኣምላኽ ሃረር ትብሎ፡ ትጸምኦ፡ ትደልዮ ናብኡ ከይበጽሐት ድማ ኣይተዕርፍን፡ ናብኡ ምስ በጽሐት ኣብኡ ትጠፍእ እዚ ምጥፋእ ፈናእ ፊል ‘ላህ ይበሃል ። ልብኻ ንኣምላኽ ምስ ረኸበት “ኣነ” ምባል ትገድፎ፡ ፍቃደይ ምባል ትገድፎ ምኽንያቱ ኩሉ ነገርካ ናይ ኣምላኽ ኢኻ። እዚ little me ናይ ego ምስ ጠፍአ “I found God” ከማን ኣይትብልን ምኽንያቱ ንኣምላኽ ረኺበዮ ዝብል ዘሎ ኢጎ ወይ ኣነ ስለዝኾነ። ንኣምላኽ ምስ ረኸብካዮ ከምዚ ናብ ባሕሪ ዝኣተወ ጨው ኮንካ ትጠፍእ’ዩ ዝበሃል እምበር ንኢጎኻ መመክሒ I found God ኣይትብልን ኢኻ። ስለዚ ይብሉ ገለ ሃይኖተኛታት ዝኾነ ንኣምላኽ ረኺበዮ ዝብል ሰብ ናቱ ego እይ ዝዛረብ ዘሎ ‘ምበር ጌና ኣይረኸቦን ይብሉ።(ብዛዕባ ሱፊዝም ኣብ ቀጻሊ ክጽሕፍ)
ኢዚሀራውያን ኣሕዋተይ ከም ጸማም ሓደ ደርፉ “ኣምላኽ የለን” ጥራይ ስለ ትብሉ፡ እዚ ብዛዕባ ሱፊዝም ዝዛረቦ ዘለኹ ከም ተሓሳሚ ጓሳ ክትጥዕምዎ ትደልዩ ኣይመስለንን። ንኩሉ ተዓዘቦ ነቲ ሰናይ ሰዓቦ ከማን ዝተባህለ! ኢጎኹም ግን ከም ዕንጸይቲ ኣብታ ኣምላኽ የለን ትብል ስለ ዝተዓጽወ፡ ካልእ መገድታት ክትፍትሹ ኣይፈቕደልኩምን’ዩ። ህላውነት ኣምላኽ ከምቲ ኣብ “ሻቅሎት ስልቦ” ዝበልናዮ ምስ ክብርኹም pride ስለ ዘተኣሳሰርኩምዎ፡ ዓይንኹም ተዓሚትኩም ትኸዱ ኣለኹም፡ ካብ ኣብ ኣምላኽ ዘልኩም ኣረኣእያ እንተቀይርኩም ኢጎኹም ከይሞተኩም ዝፈራህኩም ትመስሉ። ኣምላኽ ይሃሉ ኣይሃሉ ብኽፉት ልቢ ንኩሉ ዘይትዕዘብዎ፧ ከይትጋገ እናፈራህካ “ምሁር’የ” ክትብል ኣይትኽእልን።
ጸማማት comment ቅድሚ ምጽሓፍኩም ዝብሎ ዘለኹ spell ክገብረልኩ። ንዕባራ claims ኣጣዕቅ ማለተ’ይ ኣይኮንኩን ብጌጋ ከይትርድእዎ፡ ዘልኩ ደኣ ዘልኩሲ ዝኾነ ሃይኖታዊ (ዚሀራዊ) ኣተሓሳስባ ከጥዕም ኣይደልን’የ ምባልሲ ናይ ለባማት ኣይኮነን ምኽንያቱ ምሁር ክፈልጥ፡ ከገናዝብ፡ ከወዳድር’ዩ ዝግብኦ። ንሓደ ክርስትያን ቁርኣን ኣንብቦ ክትብሎ ኣይትኽእልን፡ ብተመሳስሊ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ኣስላማይ ክትቦ ኣይትክእልን። እንታይ ደኣ’ሞ የዛርበና ኣሎ፧ ነዞም ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ነጻ liberal ኢና ትብሉ ኣሕዋት’ምበር። ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ኣየንብብ’የ ማለት’ከ እንታይ ማለት’ካ’ዩ፧ ኣብ በዓቲ ድንቁርና ናይ ሃይማኖት ምንባርከ እንታይ ክጠቅመካ’ዩ፧ መሓመድ፡ ክርስቶስ፡ ቡድሃ እንታይ ከም ዝበሉ ትፈልጥ ዲኻ ወይስ ብሽፉኑ ኢኻ “ኣምላኽ የለን” ትብል ዘለኻ፧ ከም ዝመስለኒ ዝኾነ ፍልጠት ኣይጐድኣካን’ዩ ወይስ ኣብ መንጐ “ኣማኒ” ከይትኸውን’ዩ  ፍርህኻ። እናንበብካ እንተኣመንካ’ሞ እንታይ ጸገም ኣለዎ፧ ኖእ! ይብል ኢጎኻ ሓንሳብ “ኣምላኽ የለን” ኢለ’የ ስለዚ ክሳብ ግዜ ሞተይ ከምዚኣ ኢለ’የ ክኸይድ። መልሓሰይ ክሕይኻ ኣይደልን እናበልካ ካብ ምሁር ዘይኣማኒ፡ ደንቆሮ ዘይኣማኒ ኮንካ ትነብር። ካብዞም ኣብ መእተዊ ዝረኣናዮም “ብዛዕባ ኣምላኽ ኩሉ ስለ ንፈልጦ ሓድሽ መጽሓፍ ምንባብ ኣየድልየናን’ዩ” ዝብሉ ኣቃጸልቲ-መጽሓፍቲ ደኣ እንታይ ክፈልየካ’ዩ፧ ስለዚ ኢጎኻ እንተደኣ ዝፈቅደልካ ኮይኑ ንካልኦት ምስማዕ ተላመድ! It’s a big if because your ego won’t tolerate listening to other people’s ideas but if you can manage to be a “scholar”, it wouldn’t hurt you to know what others are saying.
ካብ ሶፍያ እንታይ ተማሂረ፧ ፕሮታጎራስ ቅድሚ ሶቅራጠስ ዝነበረ ሶፍያዊ ፈላስፋ እዩ። ኣብቲ እዋንቲ ዝነበሩ “ደለይቲ ሓቂ” መጺኦም ኣብ ግሪኻውያን ኣማልኽቲ ዝኣምን እንተኾነ ምስ ሓተትዎ ዝሃባ መልሲ ምስ ኣንበብኩ ከምዚ ጴንጤ ኣሕዋትና ዝብልዎ “ዳግማይ ተወሊደ”። ተርጓሚ ተኪአ በየነ ከመስግኖ እደሊ። እታ ሽዑ ዝሃባ መልሲ ልክዕ ከም ጥቅሲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ’የ ሸምዲደያ። ፕሮታጎራስ እንታይ ኢሉ መስለኩም፧ “እቲ ሕቶ ዝተሓላለኸ እዩ፡ ነዚ ንምምላስ ከኣ ህይወት ሓጻር’ያ”። እታ ኣግኖስታዊት agnostic ምዃነይ ዝሓበረትኒ ቃል ውን ኣብኡ’የ ንመጀመርያ እዋን ፈሊጠያ። ንእግረ መገድና ሰለስተ ዓይነት ኣግኖስታውነት’ዩ ዘሎ ዝበሃል። ዚሀራዊ፡ ኢዚሀራዊ፡ ተግባራዊ pragmatic ይበሃሉ፡ ፍልልዮም ኣብ “እንፈልጦን” “እንኣምኖን” ዝበሃሉ መሰረታውያን ነገራት’ዩ።
1.   ዚሀራዊ-ኣግኖስታዊ agnostic theist ኣምላኽ ኣሎ ኢሉ ይኣምን ግን ከምዘሎ ከረጋግጾ ስለ ዘይክእል “ኣይፈልጥን” ይብል።
2.   ኢዚሀራዊ-ኣግኖስታዊ agnostic atheist ኣምላኽ ኣሎ ኢሉ ኣይኣምንን’ዩ፡ ዘይህላውነት ኣምላኽ ግን ከረጋግጾ ስለ ዘይክእል ኣይፈልጦን’የ ይብል። እዞም ክልተ መገድታት ናይ ኣግኖስታውነት ንእምነት ቦታ ገዲፎምሉ ኣለው በቲ ንሳቶም ዝፈልጡዎ ምስ ዝሕተቱ ግን “እንድዒ” ዝዓይነቱ ናይ ኣይፈልጥን’የ መልሲ’ዮም ዝህቡኻ።
3.   እቲ ሳልሳይ ኣነ ዲቕ ዝበለት ጓል ማሕበሩን ተኸታሊቱን ዝኾንኩ፡ ተግባራዊ-ኣግኖስታውነት ወይ pragmatic agnosticism እዩ። ኣብዚ ህላወ ኣምላኽ ወይ ሞት ኣምላኽ ክረጋገጽ ኣይክእልን ዝብል መሪሕ ኣለና። ዚሀራውያንን ኢዚሀራውያንን ኣብ ሓሸውየ ናይ “ህላውነት ኣምላኽ” ኣትዮም ዝካትዑዎ ዘለው ኣብ ሓደ ነጥቢ ክበጽሑ ኣይክእሉን’ዮም። ክትዖም ግዜ መጥፍእን “ከንቱነት ናይ ከንቱነታትን’ዩ” ዝብል መርገጺ ኣለና።ቅድሚ ገለ እዋን ዝጸሓፍኵዋ ልጥፎ ንተግባራዊ-ኣግኖስታውነት ጽቡቕ ጌራ ስለ እትገልጾ፡ ክደግማ። “ሲዶና ኣምላኽ ኣሎ’ዶ የለን፧” “እንድዒ” “ሲዶና ኣምላኽ ኣሎ!” እንታይ’ሞ ነዓይ፧” “ሲዶና ኣምላኽ ዝበሃል የለን!” እንታይ’ሞ ነዓይ። እዚ ናይ ብሓቂ pragmatism እዩ።
ክንኣስሮ፡ ኣግኖስታውያን ንበሃል ዘለና ፕሮታጎራስ ዝመራሒና፡ “ሰብ መዐቀኒ ኩሉ ነገራት’ዩ” Man is the measure of all things ዝጭርሖና፡ ንሃይማኖታውያን ሓታቶ “እንድዒ” ዝመልስና፡ ንሰበኽቲ ኢዚሀራውነትን ዚሀራውነትን “እንታይ’ሞ ሕጂ” ምባል እንፈቱ፡ ነዘን ኣብ መሬት ዘለዋና እዋናት ንኣምላኽ ልብና ከይዓጸና፡ ሓቂ ንፈልጣ ኢና ኢልና ብትዕቢት ኢጎ ከይተነፋሕና እንመላለስ፡ ኣብ ጉዳይ “ኣምላኽ” ህላውነቱ ወይ ሞቱ ዘይምፍላጥና ቅጭጭ ዘይብለና፡ ደናቁር ምዃና ብሓበን እንቅበሎ ሰባት ኢና።ብውልቂ’ኸ “ሲዶና እንታይ ኢኺ ትኣምኒ፧” ተበልካኒ ሃይማኖተይ  ካብ “እንድዒ” ወይ “እንታይ’ሞ ሕጂ” ኣይወጽእን’ዩ።
P.S. ኣብዛ ጉጅለ ከማይ ኣግኖስታውያን ‘ተለኹም Agnostic ኢልኩም ኣብ comment ጸሓፉለይ’ሞ ደቂ-ማሕበር መታን ክንከውን Friend Request ክሰደልኩም።

1 comment:

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...