Friday, September 29, 2017

What Christians Could Learn From Muslims and Vice Versa



What Christians Could Learn From Muslims and Vice Versa
ኣብ መንጐ ክርስቶስን መሓመድን ዘሎ ፍልልይ ዓቢ’ዩ። ‘ዞም ክርስትያን ኣሕዋትና ክርስቶስ ‘ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ’ እዩ’ዮም ዝብልዎ። ዘይከምቲ ናይ ምስልምና ብስስዐን ፖለቲካዊ ጥሙሕን ኣብ ሱኒን ሺዓን ክምቀል ከሎ፡ ኣብ ክርስትና ኣብ ክልተ ዝመቀለ ቀዳማይ East-West Schism ብመሰረቱ ኣብ ሰለስተ ነገራት’ዩ ኣተኲሩ። ቀዳማይ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ጥራይ ድዩ ዝመጽእ ወይስ ካብ ወልድ እንተላይ ይመጽእ’ዩ፧ ካቶሊክ ካብ ኣብን ወልድን በበይኑ ይመጽእ ክብሉ ከለው ምብራቃውያን ኦርቶዶክስ ድማ ካብ ኣብ ጥራይ’ዩ ዝመጽእ ይብሉ። ካልእ ፍልልዮም ዝበኹዐ እንጌራ ዲኻ ወይስ ዘይበኹዐ ኣብ ቁርባን ትጥቀምን፡ ሳልሳይ ፍልልይ ድማ ሃዋርያ ጴጥሮስ ልዕሊ ኩሎም ሃዋርያት ድዩ ኣይኮነን። እዚ ማለት line of succession ካብ ክርስቶስ ናብ ጴጥሮስ ሓሊፉ። ጴጥሮስ ኣብ ሮማ ምስ ሞተ፡ ናብቲ ተኸታሊኡ፡ ከምኡ እናበለት ከየቋረጸት ክሳብ ሎሚ ኣላ። ጳጳስ ፍራንሲስ ድማ ሎሚ ነዛ ናይ ኩሎም ካቶሊክ ዝኾነት ምድራዊት ስልጣን ሒዝዋ ኣሎ። ኦርቶዶክስ ንልዕልና ጴጥሮስ ኣብ ሃዋርያት ኣይቅበልዎን። ጽቡቕ ነገር ናይዚ ግን ሴፍ ሒዞም ክመናጨቱ ትርጉም ከምዘይብሉ ዝተረድኦም ይመስል። ቀደም ብዙሕ ደም ፈሲሱ ‘ንድዩ ይኣክል ዝሓለፈ ኢሎም፡ ሎሚ ኣብ ኣኼባታት ከም መካትዒ እንተዘይኮይኑ ካልእ ሽግር የብሉን። ኣብ ምስልምና ግን ዝኣክል ደም ስለ ዘይፈሰሰ ጌና ድሕሪ መሓመድ መን ይምርሓና ኢሎም ይተሃናኾቱ ኣለው። ጌና ብዙሕ ደም ውን ክፈስስ’ዩ። ጽምኢ ደም ዘሎዎም ሕሙማት’ኮ በዚሖምና።<>
ክርስቶስ ከም ሰብ ባህርያቱ ናይ ባእሲ፡ ናይ ውግእ፡ ናይ ጭካነ ሰብ ኣይኮነን ኔሩ። ብፍቅሪ ዘንጠብጥብ፡ ቦቅባቅ፡ ለዋህ፡ ሓላዪ፡ ናይ ብሓቂ ገንሸል ኣምላኽ’ዩ ኔሩ። እዚ ልኡም፡ ፈቃር ባህሪ ዝጽላእ’ኮ ተዘይኮነ ኣብ ማእከል ተዃሉ ኮንካ ግን “ጸጋማይ መትልሕካ ንዝጸፍዓካ፡ የማነይቲ ምለሰሉ” እናበልካ ክትነብር ኣይትኽእልን። ፍቅሪ፡ ይቅረ ምብህሃል፡ ሓልዮት ዝመልኦ ዕላም ሂቡ ከይዱ። እዚ ወላ ነዞም ክርስትያን ኣሕዋትና ኢሂታ ከምዚ ምሽ ኢልኩም እንታይ ደኣ ኢልካ ክትሓቶም ከለኻ ‘ሄይ ንሱ ፍጹም ሰብ’ዩ ኔሩ ንሕና ግን ድኹማት ኢና ስለዚ…….’ እናበሉ ዕባራ ምኽንያታት የምጽኡ። ካልእ ክርስቶስ ናይ ቄሳርን ናይ ኣምላኽን ኢሉ ንኩሉ ፈለዮ። ኣብ ትሕቲ ቄሳር ኣሜን በል ኢሉ መልእኽቲ ኣሕሊፉ። እዚ ንበዓል ቄሳር ዝኣመሰሉ ውልቀ መለኽቲ ባብ ዘርሑ፡ ብሃይማኖት ጌሮም ክገዝኡኻ ዘፍቅድ ስነ-ሓሳብ’ዩ። ብትዕቢት ego ደም ክፈስስ ስለ ዘይደለየ ክኸውን ይኽእል። መሓመድ በንጻሩ ንዝጨኮነካ ሰብ ይኹን ስርዓት ጸረ-ኣላህ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ዕጠቅ፡ ተቃለሶ፡ ልብኻ ንጹህ እንተኾይኑ ኣላህ ምሳኻ ክኸውን’ዩ ዝብል። ንቅኑዕ ዕላማ ኣብ ውግእ እንተሞትካ ዓስቢ ኣለካ። ክርስቶስ ብፍቅሪን ሰላምን ጌርካ ንጸላኢኻ ምሕማቅ ክመርጽ ከሎ፡ መሓመድ ግን በትሪ ዘስምዖ ተኾይኑ ንጸላኢኻ በቲ ዝርድኦ ቋንቋ ምስማዑ ይመርጽ። ኣብ እዋን መሓመድ ዝነበረ ኩነታት ፍቅሪ፡ ሰላም፡ ይቅረ ምብህሃል ወዘተ እናበልካ ትሓልፎ ናይ ምድረበዳ ህይወት ኣይኮነን ኔሩ። ተባዕ ተቃላሳይ፡ ንዝኣምነሉ ዕላማ በጃ ዝሓልፍ ክትከውን ኢኻ ትመሃር። ብርግጽ ነዚ ጠዊኻ ናብ ግብረ ሽበራ ከተእትዎ ትኽእል ኢኻ። እቲ መልእኽቱ ግን ስቅ ኣይትበል፡ ከምዚ ኣብራር ሓውና ዝበሎ “ባህጊ’ለኒ” ኢልካ ደቂስካ ኣይትሕደር ዝዓይነቱ’ዩ። “መንግስተይ ናይዛ ዓለም ኣይኮነትን” ኢሉ ክርስቶስ ኣብ ጎል ኣእትዩና! ብክልተ ነገር ድኽምቲ argument ። ቀዳማይ እቲ ዝሃቦ idealist ዝኾነ ነገር ክትገብሮ ጽቡቕ እንድዩ፡ ካብዞም ክርስትያን ኢና በሃልቲ ሰባት ግን 0.1% ከማይ ክበጽሕዎ ኣይክእሉን። 7 ግዜ 70 ንሓውኻ ይቅረ በለሉ ኢሉ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ ብፍቅሪ ክርስቶስ ክሳብ ዓንቀርካ ዝተመላካ እንተዘይኮንካ ምሽ 7X70 ሓንሳብ ውን ይቅረ ክትብለሉ የጸግመካ። ምስ ግዜ ከምዚ ዓይነት ምስ ህሉው ናይ “ዓለማዊ” ነገር ዘይከይድ ትእዛዝ hypocrites ጥራይ’ዩ ዘፍሪ። ካልኣይ ጸገም ድማ resignation ከምጽእ ይኽእል። ብጌጋ ተረዲእካ ኣነ ናይዛ ዓለም ኣይኮንኩን ኢልካ፡ ተረጊጽካ እናኸድካ፡ ደሓን ኣብ መንግሰተ ሰማይ ክሓልፈለይ’ዩ ትብል። እዚ ብርግጽ ዘይኵውንነታዊ ስለ ዝኾነ ናብ ነብሰ-ፍትወት ይመርሓካ።  ምስ ግዜ እንቋዕ ጥራይ ነዓይ ኣይከፍኣኒ’ምበር ካልእ ደኣ ወላ ኣብ ገደል ይእቶ።  ብካልኣይ ደረጃ ድማ ኣዝማደይ ከኣ ኣይኽፍኣዮም እምበር ሃገር ደኣ ድላያ ትብል። “ገንዘብካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ” ክርስቶስ እምበር መሓመድ ከምኡ ክብለካ ክትጽበይ የብልካን። ዘካት- ንድኻታት ትኾበሎም ሓንቲ ካብተን 5 ኣርካን Pillars ናይ ምስልምና እዩ። ክርስቶስ ዘምጽኦ ኩሉ ሓሳባት፡ ትምህርቲ ብጽእናን ፍጽምናን ኣነ እቅበሎ’የ ግን ኣብዛ ዓለም ክሰርሕ ኣይክእልን’ዩ። ይኽእል’ዩ ግን ኩሉ ነገርካ ገዲፍካ ንክርስቶስ ምስዓብ egoኻ ኣይፈቅደልካን’ዩ። ስለዚ ምሉእ ሰብ ዝበሃል ፍቅርን ሰላምን ናይ ክርስቶስ በቲ ሓደ ወገኑ ድማ ቆራጽነት ተባዕነትን ናይ መሓመድ ዘሎዎ ክኸውን ኣለዎ።<>
ክንኣስሮ፡ ትምርህቲ ክርስቶስ ኣዝዩ ለምሊሙኒ፡ ትምህርቲ መሓመድ ድማ ኣዝዩ ተሪሩኒ። ኩሉ ግዜ እታ ሓቀኛ መገዲ ኣብ ማእከል’ያ ዘላ። ኣብ ዝኾነ ነገር The Golden Mean ዝብልዋ ዝሓሸት መገዲ ኣላ። ፍቅሪ ናይ ክርስቶስ ቦታ ኣለዎ፡ ቃልሲ ናይ መሓመድ ድማ ቦታ ኣለዎ። እንታይ’ሞ ሕጂ፧ ግርም። ኣብ ኤርትራ 1961 ዓዋተ ክቃለስ ኢሉ ክጅመር ከሎ፡ ኣብ ቁርኣን ጸረ ዓመጽ ተለዓል፡ ኣላህ ምሳኻ ክኸውን’ዩ ዝብል እንተ ዘየንብብ ኔሩ “ናይ ቄሳር ንቄሳር” እናበለ ምነበረ። እዚ ኣካይዳ ናይ ፖለቲካዊ ምስልምና ሓደገኛ’ዩ። ህዝባዊ ግንባር ካብ ዝገበሮም ዝበለጹ ነገራት ናይ ሃይማኖትን ወገንነትን ነጻ ዝኾነ ውድብ ምምስራቱ’ዩ። ብዙሕ ግዜ ንሰምዖ “ኣብ ኤርትራ ናጽነት ናይ ሃይማኖት የለን” ዝብል’ዩ። ስለምንታይ ከምኡ ከግበር ከም ዝተመርጸ ትፈልጡ’ዶ፧ ብስምዒት ድላይካ ክትብል ትኽእል ኢኻ፡ ካብ ድንቁርናኻን ኩነታት ክትርዳእ ካብ ዘይምድላይን ኣፍካ ዝሃበካ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ሰብ ብእምነቱ ይእሰር ኣሎ፡ እዚ ኣንጻር ሰብኣዊ መሰላት’ዩ! እወ ኣንጻር ሰብኣዊ መሰላት’ዩ ግን ስለምንታይ ከምኡ ተመሪጹ፧ ሰብ ንምጭፍላቅ። ሰብ ጨፍሊቕካ፡ ጸላእቲ ኣጥሪኻ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ረብሓ ክትረክብ፧ ክትንጸል እንተዘይኮይኑ መራሒ ኣእማንን ምዃን ንፉዕ ፖለትካዊ መራሒ ኣይገብረካን’ዩ። ንኤርትራ ክትመቃቅላ ዘኽእለካ ዝበለጸ መሳርሒ ሃይማኖታዊ ፍልልይ ህዝባ’ዩ። ዝበዝሐ ህዝብና ስለ ዘይነቅሐ ሆ! ከተብሎ ትኽእል ኢኻ። ኩሉ ከም ድላዩ ክሰብኽ እንተፈቂድካሉ፡ ንሃይማኖት ጠውዩ ንፖለቲካዊ ረብሓኡ ከውዕሎ ኣዝዩ ቀሊል ይገብሮ። ኣብ ኣቁርደት ከይዱ ሓደ ሸኽ ንለዓል፡ ኣምላኽ ምሳና’ዩ ኢሉ ገለ ሰዓብቲ እንተ ደኣ ኣጥርዩ፡ ሃገር ከበላሹ ይኽእል’ዩ። ወላ ነሽሓት ካብ ተኸተልቱ ረሽኖም ወይ እሰሮም፡ ንፖለቲካዊ ጥሙሕካ The Cause of Allah ኢልካ ሰይምካ ውፉያት ክትረክብ ይኽእለካ። ብከምዚ ዝመጸ ፖለቲካዊ ነውጺ ክርስትያን ኣንጻር ኣስላም ክትብል ተጀሚርካ ፡ ኤርትራ ከም ሶማል ውድቕቲ ሃገር ክትከውን’ያ። ነዚ ፍልልይ ነቃዕ ዘይምኽፋት፡ ብዝከኣል መጠን ነዞም ክለዓዓሉ ዝኽእሉ ኣስላም ከተህድኦም፡ ተዘየሎ ድማ ኣብ መንጎኦም ፍልልይ ኣምጺኻ ሃገር ከየጥፍኡ ከትቆጻጸሮም ኣለካ። ሃይማኖት ደኣ ወላ እምኒ ኣምላኸ’ዩ በል status quo ቀይርካ ግን ንሓደ ወገን ክትንጽል ምስ ትጅምር the country will go to the dogs ንማለት’ዩ። ስለዚ ኤርትራዊ ጌና ስለ ዘይነቅሐ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣየድልዮን’ዩ። ከምዚ ዘሎ state controlled ሃይማኖት ግን ደሓን’ዩ። እዚ ናይ ስምዒት ዘይኮነ ኵውንነታዊ ንባብ ናይ ሃይማኖት ኣብ ኤርትራ ዝብል ዛዕባ’ዩ። ናጽነት ሃይማኖት ዘምጽኦ መዘዝ ካብቲ ንሱ ዝፈጥሮ ሰላም ስለ ዝዓቢ።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...