Thursday, September 28, 2017

“ዘኢትነገር” ሕጊ ጥቕሚ ደቂ ሰብ ካብ ኣዳም ክሳብ ሎሚ



ሰንበት 6 ነሓሰ 2017
ቅድሚ ዝኾነ ምዝራበይ ሓንቲ ሕጊ ኣላ ሰባት ዝተሰማማዑላ ግን ዓው ኢልካ ክትዛረበላ ዘይግበኣካ። ስለምንታይ ክትዛረበላ ዘይግበኣካ፧ ኣብ ኢድ ዓያሹ ምስ ትወድቕ ብዙሕ ሰብ ክትሃሲ ስለ እትኽእል። ንምንታይ ደኣ’ሞ ክዛረበላ ደልየ፧ መሊሰ ኣብ ኢድዞም “ዓያሹ” ተባሂሎም ዘለው ክእትዋ ስለ ዝደለኹ ኣይኮንኩን ወይ ሲኒካዊት ስለ ዝኾንኩ ኣይኮንኩን። እንታይ ደኣ፧ ሓቂ ክዛረብ ገለ ክጽሕፍ ስለ ዘለኒ፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ንሳ ስለ ዝመጸትለይ’የ። ንኺድ
ብዙሕ ሰብ ኣብ ፌስቡክ ዝልጠፍ ልጥፎ ክነውሕ ኣይደልዮን ስለምንታይ ተበልካ ከንብቦ ግዜ ከይበልዓሉ። ቅድሚ ከንብቦን ዘይከንብቦን ምውሳኑ “ክጠቅመኒ ድዩ፧” ኢሉ ክሓትት ይኽእል። ከምዚ’ሉ ንዝሓተተ ሰብ “ኪድ! ሱሱዕ ጥቕሙ ዝደሊ ኣረሜን” ክትብሎ ኣይትኽእልን፡ ምኽንያቱ ክጠቅመኒ ድዩ፧ ኢልካ ምሕታት መጐታዊ ሕቶ’ዩ። ንርኡይ ነገር ኣብዚ ክደግም ስለ ዝደለኹ ኣይኮንኩን እንታይ ደኣ ገለ እዋናት ከምዚለ ንካልኦት ምስ ዝሓቶም ክጸልኡኒ ስለ ዝተዓዘብኩ’የ። እታ ኣብ መእተዊ ዝበልኩዋ “ዘኢትነገር” ድማ “ኩሉ ሰብ ንጥቕሙ እዩ ዝሰርሕ” ትብል’ያ። በዛ ዝበልኩዋ መጐት እንተኼድና፡ ከምዚ’ለ  ምጽሓፈይ ናይ ገለ ጥቅሚ ኣለኒ፡ ነዚኣ ተንብብዋ ዘለኹም ገለ ጥቅሚ ኣለኩም፡ ኣብ መጀመርያ ሪኡ ዝገደፋው ኣብ “ምግዳፉ” ጥቕሚ ኣለዎ። ስለምንታይ ካብ ዓያሹ ክትክወል ተደልያ፧ ዓያሹ ንጥቕሞም ክብሉ ጥቕሚ ካልኦት ምጭፍላቅ ድሕር ስለ ዘይብሉ። ነዞም ሰባት ቅሩብ “መእሰሪ” እተኾኖም ጐኒ ጐኒ ሕግታት ምውጻእ፡ ብሃይማኖት ፡ ብሕ/ሰብ ድማ “ሕልና” ዝበሃል መቀየዲታት ወጺኡ፡ ገለ ሕሉፋት ካብዚ “መቀየዲድታት” ሰቢርካ ምውጻእ ስለ ዘዋጽኦም ከምኡ ይገብሩ። ገለ ድማ “ሃይማኖተይ” ዝብለኒ ክኽተል’የ ይብል ምኽንያቱ ድሕሪ ሞተይ ኣብ መንግስተ ሰማያት ክኣቱ ስለ ዝደሊ ኢሉ ስለምንታይ ኣምላኽ ከም ዝደሊ ይነግረካ። ሓደ ድማ “ኣምላኽ የለን” ይብል ከምዚ ምባሉ ንጥቕሙ’ዩ። ወላ እዚ ሰባት “ኣምላኽ” ዝብልዎ ዘለው ሰባት ክድሕኑ ይደሊ ኣሎ ይበሃል “ስለምንታይ፧” ተበልካ “ንዓና ሓልዩ” “ስለምንታይ ይሓልየልና ኣሎ፧” “ኣቦና ስለ ዝኾነ” “ከም ዘይእዙዝ ውላድ እምቢ ተበልና’ኸ፧” “ብሓዊ ንዘልኣለም የቃጽለካ” ስለምንታይ ምቅጻል ተደልዩ፧ ኣነ ንዘልኣለም ክነብር ኣይደልን’የ፡ መንግስተ ሰማይ ክኣቱ ኣይደልን ተበልካ ሰለምንታይ ብሓይሊ እቶ ተዘየሎ ድማ ገሃነም’ያ፡ ይበሃል ኣርድኣንን’ዩ። ገለ ጥቕሚ ዘለዎ ኣካል ከም ዘሎ ብሩህ’ዩ፡ “ኖእ! ሓልዮትኪ’ዩ ዘዛርበና ዘሎ” እዋእ! ካባይ ንላዕሊ ንነብሰይ ሓሊኻላ ‘ምበኣር። እዛ ናትካ ሃይማኖት ውሕሰነት ኣለዋ ድዩ፧ ማለትሲ ብዙሕ ሃይማኖታት እንድየን ዘለዋ ናትካ ልክዕ ምዃናስ ከመይ ኣቢለ ክፈልጥ ይኽእል፧ ሓውና መጽሓፉ ምዝዝ ኣቢሉ ኣውጺኡ ክዛረብ ይጅመር። ቀሊል ኣብነት ንውሰድ።
“ክርስቶስ ተሰቂሉ ድዩ ወይስ ኣይተሰቅለን፧” ኢልካ ምስ እትሓትት ኣብ ቅዱስ ቁርኣን ከም ዘይተሰቅለ ግን ከምኡ ኮይኑ ከም ዝተረእዮም ይገልጽ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ከም ዝተሰቅለን ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ከም ዝተስአን ይዛረብ። ሕጂ ንመኖም ኢና ክንኣምን፧ “ሃይማኖት ውርሻ እዩ” ስለዚ ኣቦኻ ዘጽንሓልካ ተኸተል ጽቡቅ ዝብል መልሲ ኣሎ። ኣብዚ ከነስተውዕለሉ ዝግበኣና ነገር እንተሎ፡ ክርስቶስ ክስቀል ጥቅሚ ዘለዎም ወገናት ኣለው፡ ክርስቶስ ኣይተሰቅለን ክበሃል ጥቅሚ ዘለዎም ወገናት ኣለው። ብዛዕባ ሃይማኖት ዘይምዝራብ ዝመርጹ ወገናት ውን ኣለው።
እዚ ጥቕሚ ናይ ደቂ ሰባት ብዙሕ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ከተማእዝኖ ከቢድ’ዩ። ኣብ ፖለቲካ እንተመጻኻ ረብሓ ብዙሓት ዘውሕስ ስርዓት ክትከል ከምዘለዎ’ዩ ዝዝረብ። ረብሓ ብዙሓት ከመይ ጌርካ ተውሕሶ፧  እንድዒ! ግን ቅድም ረብሓኻ ከተውሕስ ከም ዘለካ እፈልጥ።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...