Thursday, September 28, 2017

ግጥም ዝፋናት



ነሓሰ 22 2017
ትማሊ ግጥም ዝፋናት ምዕራፍ 7 ከይዲ 6 ሪአያ። ወተሃደራት ናይ “ሞት” ምስ ወተሃደራት ናይ “ህይወት” ክጋጠሙ’ዮም ኣብ መወዳእታ። እዚ ተደጋጋሚ ቴማ ኣብ ብዙሓት ናይ ሆሊውድ ፊልምታት’ዩ ወላውን ኣብ ብዙሓት ሃይማኖታት። ህላውነት “እከይ” ካብ ዘይምቅባል ዝመጽእ ረጽሚ ናይ ኣእምሮ ንብዙሕ ሰብ እሱር ናይዚ ኣብ መንጐ እከይን ሰናይን ዘሎ ፍልልይ ጌርዎ ኣሎ። እከይ ካበይ’ዩ ዝመጽእ፧ ካብ ሰይጣን፧ ሐራይ ሰይጣን’ከ ካበይ ይመጽእ፧ ካብ ኣምላኽ፧ ኖእ! ኣምላኽ ነጻነት ናይ ሓሳብ ስለ ዝሃቦ’ዩ ሰይጣን እከይ መሪጹ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ስለዚ እከይ ካብ ኣምላኽ ወጺኡ ናቱ ህላውነት ኣለዎ ክንብል ምኽንያቱ ህላውነት ሀ፡ለ፡ሐ፡መ ኢልካ ምርጫ እንተለዋ ሐንመን ድማ እከይ እንተኾይነን ኣብ ቅድሜኻ ክህልዋ ብዘይ ፍቃድ ኣምላኽየን። ኣምላኽ ንሀንለን ክትመርጸሉ’ዩ ዝደሊ ምኽንያቱ ክፉእ ናትካ ስለ ዘይደሊ። “እከይ” ዝበሃል ዘሎ ሞት ወይ ዘይህላውነት እንተደኣ ኮይኑ ካብ ህይወት ዘለዎ ግዛዕ እቲ ህይወት ዘይብሉ ግዛዕ ይበዝሕ፡ ካብ ብርሃን ጸልማት ይበዝሕ። ጸሓይ ድሕሪ ግዜ “ነዳዲኣ” ምስ ወድአት ናብ ጸልማትና ኢና።
ኣነ ከምቲ ኒቸ ዝበሎ ኣብ “ሕማቅ” “ጽቡቕን” ኣይኣምንን’የ። ናይ ኢጎ ነገር መቸም ኩሉ ብዓይኒ ጥቅሙ ስለ ዝርእዮ ንዝኾነ ፍልልይ ጽቡቕን ሕማቕን ኣይኣምንን’የ ምስ ዝብል “ሕጂ መንሽሮ ጡብ እንተዝሕዘኪ ጽቡቕ ድዩ ሕማቕ፧” ኢልካ ክትሓተኒ ትኽእል። ናይ ሰብ ህይወት ካብ 80 ዓመት ዝሓልፍ ኣይኮነን። ሞት ንኩላትና ዝብጽሓና ገጸ-በረከት ህይወት’ዩ። ጉዕዞና ካብ ዘይህላወ ናብ ዘይህላወ ስለ ዝኾነ ንሞት ከም ጸላኢ ክንርእዮ የብልናን ይብል ኦሾ። እንታይ ይሓይሽ፧ ሞት ካብ ትፈትዎም ሰባት ዝፈላልየካ፡ ካብዛ ጥዕምቲ ህይወት ዝምንጥለካ ሰራቂ ከም ዝኾነ ኢና እንሓስቦ እዚ ግን ሓቂ ድዩ፧ እንድዒ ኣነ’ሞ እንታይ ፈሊጠ። ሓንቲ ነገር ግን ዝኾነ ዘጨንቕ ከም ዘይብልና ምኽንያቱ ናበይ ከም እንኸይድ ዝፈልጥ የልቦን። እዚ ዘይምፍላጥና ከም ዘሰክፍ ነገር ተቆጺሩ ብእምነትን ፍርህን ክምላእ የብሉን። ኣብ መወዳእታ ሰናይ ኣብ ልዕሊ ከም ዝዕወት እዮም መብዛሕትኦም ፊልምታትና ዘርእዩ፡ ከም ሓቂ ግን ከምኡ ደኾን ይኸውን፧
መስከረም እናቀረበ መጺኡ ኣሎ። ሶራኒ ክመሃር’ዶ ክገድፎ እናበልኩ እየ ዘለኹ፡ ጊታር ሳልሳይ ክፍሊ ውን ኣለኒ። ፕሮግራሚን ናይ ጃቫ ዘየጽረዅዎ ኣሎ። ንብሎገይ ዝኸውን ጽሕፈት ክጽሕፍ ኣለኒ። ናይ ቋንቋ እንግሊዝኛ ገለ ዝተረፈኒ ነገራት ኣሎ። ናይ ፋርማሲ ዝኸውን ምንባብ ውን ከድልየኒ ይኸውን’ዩ። ኦሾ ንሕጂ ዝኸውን በብቁሩብ ኵውድኦ ኣለኒ። እንድዒ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ መደበይ ጽቡቕ ጌረ ክምድቦ ኣለኒ።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...