Thursday, September 28, 2017

ሽዱሽተ ቅድታት ኣፈቃቅራ love styles ኣለው፡ ካብ መኖም ኢኻ፧



ነሓሰ 28
ሎሚ ብዛዕባ ሓደ John Lee ዝበሃል ተመራማሪ ዝጸሓፎ Colours of love: an exploration of the ways of loving ዝብል ኣምር ክዛረብ። እዞም ሽዱሽተ flavors ናይ ፍቅሪ eros, ludus, storge, pragma, mania, agape ይበሃሉ። ኤሮስ ከም ንፈልጦ ብፕሮፖጋንዳ ናይ ሆሊውድ ጦቕ ኢልናሉ ዘለና ስምዒታውን ፊዚካላውን ዓይነት romantic love’ዩ። ፕራግማ ከም ስሙ  pragmatic ዝኾነ ናብ ሓደ ዕላም ዝዓለመ ዓይነት ፍቅሪ ፡ ብሓጺሩ “ሕኸኽኒ ክሓከኪ” ዝዓይነቱ ፍቅሪ’ዩ። ኣጋፐ ዝበሃል ነብሰ-መስዋእቲ ዝሕላገቱ ፍቅሪ’ዩ፡ ናይ ቅድስቲ ተሬዛ ፍቅሪ ንድኻታት ህንዲ ምጥቃስ ይኣክል። (ወላ’ኳ ኣብ selfless altruistic love ገለ ዕቃበታት እንተለኒ John Lee ዝሃቦ መግለጺ ተጠቂመ ክገልጾ ክብሪ ሞያይ ከም ጸሓፊት ዘይወገናዊት ክኸውን የገድደኒ’ሎ)። ሜንያ ከም ስሙ ዘዕብድ ፍቅሪ ማለት’ዩ፡ ብፍቅሪ ዝጸለሉን ዝጽለላን ኣለው ይበሃል። ምናልባት ሓደስቲ ዝመስላ ዓይነታት ፍቅሪ ludus ከምኡ ውን storge እየን። Ludus ከምዛ ludos ትብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል፡ ንጸወታ ትመሳሰል ኮይና፡ ንፍቅሪ ከም ግጥም ክትሪኦ ከለኻ ማለቱ’ዩ። ትሃድና፡ ተሽክዓካ፡ ተቀባጥረልካ፡ ትጠልማ፡ ይቅሬታ ትሓትት፡ ከም “ማማ ከተማ” ጸወታ ፍቅሪ ትጻወት። Storge መሓዙት ኔርካ ናብ ፍቅሪ ክምዕብል ከሎ’ዩ ሓውሲ philia ዝመስል ፍቅሪ። <>
Advantages versus disadvantages (ካብ ዊኪፒድያ ዝተወስደ፡ ኮመንት ናይ ሓውትኹም’ዩ)
1.   The advantage of erotic love is the sentimentality of it. It is very relaxing to the person doing it. The disadvantage is the inevitability of the decay in attraction, and the danger of living in a fantasy world.(ጾታዊ-ፍቅሪ) እዚ ናይ ደረፍትናን ተዋሳእትናን ፍቅሪ’ዩ መስለኒ። እዚ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ፍቅርስ ጾታዊ-ፍቅሪ’ዶ ‘ኸውን፧
2.   Ludic lovers are players. More interested in quantity than quality of relationships, ludic lovers want to have as much fun as possible. The disadvantage of this love style is the likelihood of infidelity. In its most extreme form, ludic love can become sexual addiction. ፍቅሪ-ዓጠርቲ ከስምዕ ዝደለየ መስለኒ፡ ፍቅሪ ከም ብድሆ ትርእዮ’ሞ ንጓል ወይ ንወዲ ምርጋጽ ስርሐይ ትብሎ።
3.   The advantage of storgic love is the level of intimacy between the partners. The disadvantage is the lack of passion. ፍቅሪ-መሓዙት፡ ብምልምማድ ዝመጽእ ፍቅሪ። ገለ ሰባት እዚ ጥራይ’ዩ ሓቀኛ ፍቅሪ ዝብሉ ኣለው። ስለምንታይ ምስ ትብሎም ሓቀኛ ስእሊ ናይ’ቲ ሰብ ስለ ትርኢ። በባህላኦም ሰብ ከፍቅረካ ክትደሊ ከለኻ  ነቲ ክፈእካ ሓቢእካ “ጸጽቡቕ” ነብስኻ ኢኻ ተርእዮ ትፍትን፡ ኣብ ምሕዝነት ግን ሓቀኛ መንነትካ ከይተሰከፍካ ስለ ተርእዮ፡ ዝያዳ ትፋለጥን ትፋቀርን ይብሉ።
4.   The advantage of pragmatic love is practicality, realism, and enduring longevity, as long as common goals and values remain shared. This form of love is unvolatile and relatively stable. The disadvantage is a lack physical and/or emotional attraction between partners, as this form of affection is mainly cerebral in nature, putting the relationship in potential danger should either partner develop a more passionate Love Style towards an outsider to the partnership. ፍቅሪ-ምግንዛብ፡ ኣቦሓጐታትናን እኖሓጐታትናን ተዘኪሮምኒ። ከምዚ ወዲ ትካቦ ዝበሎ “ሓምሳ ብዕራይ ሓምሳ ዝራብዕ ከይሓዝኩ ከመይ ኢለ ክተብዕ፧”ኣብ ኵውንነት ዝተመርኮሰ ፍቅሪ’ዩ። ከምዚ ህዝባዊ ግንባር ምስ ወያነ ኣብ ሜዳ ዝነበሮም ፍቅሪ ማለት’ዶ ይኸውን፧
5.   The advantage of manic love is intensity. The disadvantages include jealousy, possessiveness, and insatiability. In its extreme, mania becomes obsession or codependency. ፍቅሪ-ዕቡዳት፡ መግቢ ምውራድ ክሳብ ዝኣብየካ ብሕማም ፍቅሪ ትስነፍ፡ ነብስኻ ምእላይ ትስእን፡ በረኪና ክሰት’የ ኣይትሓዙኒ ትብሊ። እዚ “ሕማም” ንኮተቴ ዝድንድን ኮይኑ፡ ንቀርኒ ዘውጽኡ ሰብ ሓዳር ውን ኣይገድፎምን’ዩ።
6.   The advantage of agapic love is its generosity. A disadvantage is that it can induce feelings of guilt or incompetence in a partner. In its deviant form, agape can become martyrdom. Martyrdom for principle may be acceptable; martyrdom to maintain a relationship is considered psychologically unhealthy. ሞባኣዊ-ፍቅሪ፡ በቃ ከም ሞባእ ሃብ፡ ኣካፍል ወይ ትኾቢ፡ ብኩለንትናኺ ተሰውኢ ዝብል ፍቅሪ’ዩ። እዚ ጸሓፊ ፡ መጻምድኻ ከይከደካ መስዋእቲ ምኽፋል ናይ “ዘይጥዑያት” ጌሩ ይገልጾ ኣሎ። ኤርትራዊት ኣደ ኣይትስማዕ! ደቀን ከዕብያ፡ ሓዳረን ከይብትና ኢለን ክንደይ ጸይረን ‘የን ዝኸዳ ዝነበራን ዘለዋን-ሓደ ሓደ ሰብኡት ውን ምስ ኣሸገርቲ ኣንስቲ ዝነብሩ ኣለው። ምንጪ ኣታዊ ስለ ዘይነበረን እምበር መዓስ ፈትየን ክብል ይኽእል ሓደ፡ ስለዚ ምሁራት ደቀንስትዮ ወይ ብገዛእ ርእሰን ዝሓድራ ምስ ኮና ክጭኮና ኣይደልያን’የን። ከም ኣዴታተን ፍቅሪ-ሞባእ ክሕዘን ኣይክእልን። ጠንቂ ምብዛሕ ፍትሕ ኣብ ዓለምና ምስ ኩለንትናዊ ሓርነት ደቀንስትዮ ዘተኣሳስርዎ ሰባት ውን ኣለው። ስለምንታይ ጸሓፊ “martyrdom for principle may be acceptable” ይብሎ ኣሎ፧ martyrdom for your marriage ’ከ ዓቢ principle ኣይኮነን’ድዩ፧ <>
ክንኣስሮ፡ ሓውና ጆን ሊ ዘቅረቦ ሓሳብ ክምጐስ ይግብኦ’ዩ። ኣብዚ መምጽኢየይ ግን ክንዛተየሉ ስለ ዘለና’ዩ ስለዚ ሓሳባትኩም ክሰምዕ ምደለኹ፡ ምጽሓፍ ዝስልችወኩም ነዘን ሕቶታት መልሲ ሓንጥጡ
1.   ካብዘን ዝተጠቅሳ ሽዱሽተ ዓይነታት ኣፈቃቅራ ዝወጽእ ኣፍቃሪ  ይህሉ’ዶ ይኸውን፧
2.   ኣብ ኤርትራዊ ብብዝሒ ዝርአ ዓይነት style ፍቅሪ ኣየናይ’ዩ፧ (ባህልናን ኣተዓብያናን ከመይ ነፍቅር ክጸልወና ስለ ዝኽእል)
3.   ምእንቲ ሓዳርካ ኢልካ መስዋእቲ ምኽፋል፡ ዕሽነት ድዩ ወይስ ልቦና፧
4.   ዝተረረ ፍቅሪ መሓዙት ኔርካ ክትፋቀር ከለኻ’ዩ ዝብል መርገጺ ከመይ ትርእዮ፧
5.   Intensity ናይ ፍቅሪ ምስትምቃር’ዶ ይሓይሽ ወይስ less intense ግን ንነዊሕ ዝኸይድ፧ ብካልእ ኣበሃህላ ደርዘን ቸኮላታ ሕጂ’ዶ ክበካ ወይስ ኣብ ወርሒ በብሓንቲ እናገበርኩ ንዓመት ምሉእ ከጽንሖ፧

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...