Thursday, September 28, 2017

Theory of Everything: Part II



ቀዳም 5 ነሓሰ 2017
ካልኣይ ክፋል እነሆ። ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ኩሉ ነገር ካብ ፈርሚዮንን ቦዞንን ከም ዝስራሕ፡ ፈርሚዮን ንኳርክን ሌፕቶንን ከም ዘጠቃልል፡ ቦዞን ድማ ንኩሉ ነገር ኣጣቢቁ ዝሕዝ ሓይሊ ኮይኑ፡ ንነገራት ርዝነት ስለ ዝህቦም ናይ ኣምላኽ ንጣር ከም ዝበሃል ሪእና። ፈርዮን ንክብሪ ኢጣልያዊ ተመራማሪ ኤንሪኮ ፈርሚ ክስመ ከሎ፡ ቦዞን ድማ ንክብሪ ህንዳዊ ተመራማሪ Saytendra Bose እዩ ተሰይሙ። ሰለስተ ኳርካት ብቦዞን ተጠርኒፎም ሓንቲ ፕሮቶን ወይ ሓንቲ ነውትሮን ይሰርሑ። ካብቶም ዝረኣናዮም ስሕበታውያንን ዘይስሕበታውያንን ሓይልታት፡ ‘ዘን ክልተ ጉጅለታት ናይ ሓይሊ ኣብ ሓደ ክጥርነፋ ኣይክእላን። እዚ ጸገም ኣየምጽእን’ዩ፡ ምኽንያቱ ሓደ ቀመመኛ chemist ኒኩሌሳዊ ሓይልታት ኢሉ ክሰርሕ ከሎ ንሓይሊ ስሕበት ከም ዜሮ ጌሩ ኵወስዶ ይኽእል (ኣዝዩ ድኹም ብምዃኑ። ካብዞም ኣርባዕተ እቲ ዝበርትዐ ጠንካር ኒኩሌሳዊ ሓይሊ እዩ፡ ሓይሉ ሂሮሽማ ምስ ናጋሳኪ ይመስክራሉ)፡ ብተመሳሳሊ ሓደ ናይ ናሳ ጠፈተኛ ንኒኩሌሳዊ ሓይልታት ኣብ ምዕሪቱ equationኑ እተገደፎ፡ ብዙሕ ጸገም የብሉን። ኩሉ ነገር ካብታ ፍ’ልመፍጥረታዊት ትኳዕ primordial speck ዝመጸ እንተኾይኑ፡  ኣብ ሓደ እዋን ኒኩሌሳዊ ሓይልን ስሕበታዊ ሓይልን ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ወይ እንተወሓደ ጐረባብቲ ኔሮም ክኾኑ ኣለዎም። ብዙሓት ፊዚከኛውያን physicists ከምዝብልዎ ድሕሪ ዓቢ ነትጒ (10 -43 ሰከንድታት ድሒሩ) እዞም ኣርባዕተ መሰረታውያን ሓይልታት ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ነበሩ። ን ToE ክንሰርሕ ነዚ ከም ዜሮ ክንሓስቦ ዝጸናሕና፡ ኣብ ግምት ከነእትዎ ግድነታዊ እዩ። ኣብ ዝመጽእ ከም እንርእዮ ድማ ክልሰ-ሓሳብ ፍሕሶ string theory ካብተን ዘለዋ ሕጹያት candidate ክልሰ-ሓሳባት እታ ዝሓሽ ዕድል ነዘን ኣርባዕተ ሓይልታት ክትጥርንፈን ዘለዋ ትመስል። ታሪኽ ምጥርናፍ ክልሰ-ሓሳባት ሎሚ ዝመጸ ዘይኮነ ካብ ኣሪስቶቲል ዝጸንሐን ዝቅጽል ዘሎን’ዩ። ብሓጺሩ፡
1.   ይስሓቅ ኒውቶን ንሕግታት ምንቅስቃስ laws of motion ምስ ሕግታት ስሕበት laws of gravity ኣወሃሂድዎም።
2.   ጀይምስ ማክስወል ሕግታት ኤለትሪሲቲ ምስ ሕግታት ማግኔታውነት ኣብ 1861 ኣወሃሂዱ ዉሁድ ክልሰ ሓሳብ ኤልክትሮማግኔቲዝም ሂቡና።
3.   ኣልበርት ኣንስታይን ኣብ 1905 ን ሕግታት ኤለክትሮማግኔቲዝም ምስ ሕግታት ምንቅስቃስ ኣወሃሂዱ ፍሉይ ክልስ-ሓሳብ ተዛማድነት Special theory of relativity ሂቡና
4.   ኣልበርት ኣንስታይን እንደገና ኣብ 1915 ን ፍሉይ ክልስ-ሓሳብ ተዛማድነት ምስ ሕጊ ስሕበት ኣወሃሂዱ ሓፈሻዊ ክልሰ-ሓሳብ ተዛማድነት General theory of relativity ሂቡና
5.   ብዙሓት ስነፍልጠኛታት እናተሓጋገዙ ኣብ 1900ታት-1920ታት ንሕግታት ኤለክትሮማግነቲዝም ምስ ኣቶማዊ ክልሰ-ሓሳብ ግዛዕ atomic theory of matter ኣወሃሂዶም ኳንተም መካኒክስ ሂቦምና
6.   ብዙሓት ስነፍልጠኛታት እናተሓጋገዙ ኣብ 1920ታት-1940ታት ን ፍሉይ ክልሰ-ሓሳብ ተዛማድነት ምስ ኳንተም መካኒክስ ኣወሃሂዶም ክልሰ-ሓሳብ ዓውዲ ኳንተም       Quantum Field Theory ሂቦምና
7.   ኣብ 1960ታት-70ታት ተመራመርቲ ከም በዓል ዓብዱሰላምን ሸልደን ግላሾውን ካልኦትን ኤለክትሮማግኔቲዝም ምስ ሰንኮፍ ኑክሌሳዊ ሓይሊ ከወሃሃድ ዝኽእል ክልሰ-ሓሳብ ኤለክትሮ-ሰንኮፍ ክልሰ-ሓሳብ Electoweak theory ኣውጺኦም።
ኣንስታይ ኣብ 1955 ክመውት ከሎ፡ ንኩሎም ኣብ ተፈጥሮ ዘለው ኣርባዕተ ዓይነታት ሓይሊ ክትገልጽ እትኽእል ክልሰ-ሓሳብ ክረክብ ኢሉ ይሰርሕ ነበረ። “ምፍሓስ” ናይ string theory ቅድሚ ምጅማርና፡ ናብ ኣንስታይን ተመሊስና ገለ ክንብል ቅድም። ኣንስታይን ኣብ 1905 ወዲ 26 ጐበዝ ከሎ “Zur Elektrodynamik bewegter Körper” (“On the Electrodynamics of Moving Bodies”) ትብል ድርሳን ኣሕቲሙ። ኣብዛ ድርሳኑ ፍጥነት ብርሃን ንኩሎም ተዓዘብቲ ኣይልወጥን’ዩ ዝብል ግምት assumption ወሰደ። እዚ ግምቱ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣተሓሳስባታት ዘይሳነ ቅርምቢጥ’ዩ ነይሩ፡ ግን እንታይ ይገበር ስነ-ፍልጠተኛ ሰባት ዝበልዎ ዘይኮነ ርትዒ ኣእምሮኡ ዝበሎ ስለ ዝኣምን ሸለል ኣዚዙሎም፡ ክልሰ ሓሳቡ ኣማዕቢሉ። በተን ህቡባት ኣብነታቱ ንርኣዮ።
ኣብ ባቡር ተሰቂልካ ትበርር ኣለኻ፡ ሲዶና ድማ ኣብቲ መጸበዪ ኮይና ትዕዘበካ ኣላ። (ክትዕ ትፈትው “ከመይ ጌርኪ፧ ሽላ ዲኺ፧” ኢልኩም ከይትሓቱኒ kkk) እታ ትፈትዋ ካባኻ ዘይትፈልያ ጠረብ-ጠረብ ኩዕሶኻ ጽቡቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ ተማሊእካያ ኣለኻ። እዛ ባቡር ካብዘን ናይ መጻኢ ባቡር-ጥይት ኮይና 900 ኪ.ሜ ኣብ ሰዓት ትጉዓዝ ኣላ ንበል፡ ኣብ ሓንቲ ካልኢት 250 ሜትሮ ማለት’ዩ። ኣብታ ባቡር ምሳኻ ኮይኑ ንዝዕዘብ ሓንሳብ ጠረብ ምስ ኣበልካያ ድሕሪ ሓደ ካልኢት ካብ መሬት ናብ ኢድካ ትምልሰ። ንዓኻ ኣብ መንጐ ዘን ክልተ ፍጻመታት ማለት ‘ታ ኩዕሶ ጠረብ ኢላ ናብ ኢድካ ክትመለስ ናይ ግዜ ፍልልይ እምበር ናይ ርሕቀት ፍልልይ የልቦን። ኣብቲ መጸበዪ ባቡር ኮይና ሲዶና ንትዕዘበካ ከላ ግን ኩዕሶኻ ጠረብ ኢልካ ክሳብ ትምለሰካ ካብኣ 250 ሜትሮ ርሒቅካ ኣለኻ። ስለዚ እዛ ፍጻመ ንሲዶና ናይ ርሕቀት ፍልልይ ኣለዋ። ሓንቲ ኩዕሶ ጠረብ እናበልና ከላና፡ ኣብ ውሽጢ ባቡር ኮይኑ ንዝዕዘባን ነቲ ኣብ መጸበዪ ኮይኑ ንዝዕዘባን ኬድካ “ዛ ኩዕሶ ጠረብ ዝበለቶ ቦታ ኣይርእዩኒ፧”ኢልካ ምስ ትሓቶም እቲ ኣብ ውሽጢ ባቡር ኣብ ቦታ ሐ “X” እንተደኣ ኣርእዩካ፡ ሲዶና ድማ ሐ ተደመሮ ወይ ዝጐደሎ 250 ሜትሮ ካብ ነጥቢ ሐ ከተርእየካ’ያ።
ተመሳሳሊ ኣብነት ንውሰድ፡ ሕጂ ግን ኣብ ክንዲ ጠረብ ጠረብ ኩዕሶ ላምፓዲና ኣብ ማእከል ‘ዛ ባቡር ንወልዕ። ኣብ ውሽጢ ባቡር ኮይኑ ንዝዕዘብ ብርሃን ካብዛ ዝተወልዐት ላምፓዲና ናብቲ “ኣውቲስታን” ናብ ጭራ ባቡርን ብሓደ ፍጥነት ከም ዝበጽሕ ኮይኑ ይረኣዮ። ኣብቲ መጸበዪ ኮይኑ ንዝዕዘብ ግን ካልእ’ዩ ምኽንያቱ ብርሃን ካብታ ላምፓዲና ምስ ወጸ እቲ ኣውቲስታ ካብታ ላምፓዲና ዝተወለዓትላ ነጥቢ ሐ እናርሓቀ ክኸይድ ከሎ፡ እቲ ኣብ ጭራ’ታ ባቡር ዘሎ ተጓዓዛይ ግን ናብ ነጥቢ ሐ እናቀረበ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ፡ ስለዚ ብርሃን ናብቲ ኣውቲስታ ክበጽሕ ዝነውሐ ርሕቀት ክጉዓዝ ኣለዎ ምኽንያቱ ኣውቲስታ ካብኡ “ይሃድም” ወይ እናርሓቀ ይኸይድ ስለ ዘሎ። ናብቲ ኣብ ጭራ ዘሎ ተጓዓዚ ክበጽሕ ግን ዝወሓደ ርሕቀት ከም ዘድልዮ ኮይኑ ንሲዶና ይረኣያ ምኽንያቱ ናብቲ ብርሃን ገጹ ይመጽእ ስለ ዘሎ። ስለዚ ነዞም ክልተ ተዓዘብቲ (ሓደ ኣብ ውሽጢ ባቡር ሓደ ኣብ መጸበዪ ቦታ ኮይኖም) ኣብ መንጐ ታ ላምፓዲና ዝተወለዓትሉን ናብቲ ኣውቲስታ ወይ ጭራ ዝበጽሓትሉን ዘሎ ናይ ግዜ ፍልልይ ክሰማማዑ ኣይክእሉን። እዚ ማለት ኣብ መጸበዪ ኮይኑ ንዝዕዘብ ሰብ እቲ ብርሃን ቅድም ናብ ጭራ’ታ ባቡር ክበጽሕ ብዓይኑ ክዕዘብ’ዩ፡ ቀጺሉ ድማ ናብቲ ኣውቲስታ ክበጽሕ ክርኢ እዩ። ኣብዛ ናይ ቶክዮ ባቡርና ኮይኑ ላምፓዲና ዝወልዐ ሰብ ግን እቲ ብርሃን ኣብ ሓደ እዋን ናብ ጭራን ኣውቲስታን ክበጽሕ ክረኣዮ እዮ። መን’ዩ ልክዕ ዘሎ፧ ብርሃን ቅድም ናብ መን’ዩ ዝበጽሕ፧ ፍጥነት ናይ ብርሃን ውሱን እንተደኣ ኮይኑ ፍጥነት ብምዕሪት equation ድማ ርሕቀት ዝተመቅሎ ብግዜ እንተኾይኑ፡ ርሕቀት ካብ ጭራ ናብ ኣፍ ባቡር ውሱን ምዃኑ ድማ ንፈልጦ ኢና፡ ስለዚ ናይ “ግዜ” ጸገም ኣለና ማለት’ዩ።  ሓደ ፍጻሜ (ላምፓዲና ምውላዕ ተኻይዱ) መዓስ ኣጋጢሙ ንዝብል ሕቶ ግን ዝተፈላለየ መልሲ ይወሃበና ኣሎ።
ንኣብነት ንስኻ ዝተወለድካሉ ግዜ ልክዕ ከምታ ብርሃን ላምፓዲና ናብቲ ኣውቲስታ ዝበጽሓሉ ውሱን ግዜ የብላን። ንኣብነት ሓደ 1978 ኣብ ኣስመራ ተወሊደ ኢሉ ክዛረብ ከሎ፡ ግዜን ቦታን ውሱናት ከምዘይኮኑ ካብዛ ቀላል ናይ ኣንስታይን ኣብነት ሪእና ኣለና። ንምንባር ክጥዕመናን ከማኻ ኣብዛ ባቡር ህይወት stuck ስለ ዝኾናን “እወ ልክዕ ኣለኻ” ኣስመራ/1978  ‘ንብለካ ምበር ከምቲ ሓቅስ ኣብዚኣ ግዜን ቦታን ተወሊደ ምባል “ሓቂ” ኣይኮነን! ንዓኻ እወ ልክዕ ከምታ ኣብ ውሽጢ ባቡር ዘሎ ሰብ ከምኡ ኮይኑ ክርኣየካ ይኽእል ይኸውን፡ ነቲ ኣብ ደገ ዘሎ ግን ካልእ’ዩ፡ ንኣብነት ኣብ  ሓንቲ ሓሳባዊት “መጸበዪ ባቡር” ኮንካ ክትዕዘቦ 1978 ማለት 2007 ክኸውን ይኽእል፡ ኣስመራ ልክዕ ከምታ ነጥቢ ሐ ናይ ባቡር ስለ ትለዋወጥ “ቺካጐ” ኮይና ክትርኣዮ ትኽእል፡ ስለዚ ብዓይኒ እዚ ተዓዛቢ ኣብ ክንዲ ወዲ 39 ሰብኣይ፡ ወዲ 10 ዓመት ቆልዓ ተመሃራይ ራብዓይ ክፍሊ ኣብ ቺካጐ ኮንካ ትርኣዮ! ወይ ጉድ ዘብል’ዩ ዚ፡ ዓይንኻ ተዓሚትካ ዘይኮንካ ዓይንኻ ከፊትካ ትርእዮ ጉድ’ዩ።
ትርኪ ምርኪ ካብ ምዝራብ ነዛ ክልሰ-ሓሳብ ተዛማድነት ዘይተረድኣትኩም ተለኹም ሃየ ክትርድእዋ ፈትኑ፡ ምኽንያቱ ከምዚ ኩሉ ሰብ ኣብ እንዳ መርዓ ዋዛ ተነጊሩ ዝስሕቅ’ሞ ሰኣን ብልሕኻ በይንኻ እትተርፍ ፡ ኣብዚ መርዓ scholars ናይ ኣንስታይ “ጆክ” ምርዳእ ኣብዩካ ጠንበርበር ከይትብል።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...