Thursday, September 28, 2017

ህበይ ወዲ ጎቦ፡ ስለምንታይ ኣብ X Factor ክሳተፍ ከምዘይደሊ



መስከረም 1 2017
ቀደም ዘመን ኣብ ሓንቲ ው wu ትበሃል ዞባ ናይ ቻይና ሓደ ልኡል prince ይነብር ነበረ። ሓደ ረፋድ ዓሻኽሩ ኣኸቲሉ ብጃልባ ናብ ሓንቲ ኣህባይ ብብዝሒ ዝርከባላ ደሴት ክሃድን ከደ። ነዚ ልኡል ክመጽእ ብማዕዶ ዝረኣያ ኩለን ኣህባይ ብፍርሂ ፋሕ ጭንግራሕ ኢለን ናብ መሕብኢአን ሃደማ። ሓደ ሕሉፍ ህበይ ግን ከይዓጠጦ ኣብ ገረቡ ኮይኑ ሰለል-ሰለል እናበለ ምዝንጋዑ ቀጸለ። ነዚ ዝረኣየ ልኡል ማንቲጉ ኣውጺኡ ፍላጻ arrow ናብቲ ህበይ ወርወረ፡ ወዮ ህበይ ብዘድንቅ ኣገባብ (ከምዚ ናይ ቻኪ ቻን ዝመስል) ነታ ፍላጻ ኣብ ኣየር ከላ ሓዛ። በዚ ህበይ ዘይተሓጐሰ ልኡል ንዓሻኽሩ ኩላቶም ብሓንሳብ  ፍላጻታቶም ኵውርውሩ ትእዛዝ ኣመሓላልፈ’ሞ ወዮ ህበይ ብኡንብኡ ብፍላጻታት ኣካላቱ ተበሲዑ ናብ መሬት ጻሕ ኢሉ ወደቀ። ሽዑ እቲ ልኡል ናብ ዓርኩ የን ፑይ ግልጽ ኢሉ “እንታይ ከምዘጋጠመ’ስ ተዓዚብካ’ዶ፧ እዚ ህበይ ክእለቱ ከወዓውዕ ደለየ፡ ዝኾነ ነገር ክትንክፎ ከም ዘይክእል ኮይኑ ተሰምዖ’ሞ መወዳእታኡ ረኣዮ። ንስኻ ምስ ደቂ ሰብ ክትመላለስ ከለኻ ግን ከምኡ ኣይትግበር” በሎ። ናብ ዓዲ ምስ ኣተው ወዮ የን ፑይ ንግዚያዊ ሓጐስ ህይወት ቶባእ ኢሉ ናብ ገዳም ኣተወ። ኣብኡ ከመይ ጌሩ ክእለቱ ካብ ሰብ ክሓብእ ከም ዝኽእል ተማህረ። ግዜ ከይወሰደ ኣብታ ምድሪ ነገስት ብጊንጢ ጠባዩ ሰባት ክድነቁ ጀመሩ።ም <>
እዛ ዛንታ ናይ ቹዋንግ ጹ ዝበሃል መምህር’ያ። ካብ ምዕራባዊ ኣተሓሳባ ወጺና ናብ ርሑቅ ምብራቅ ኬድና ኣለና። ነዛ ዛንታ ሽሕ ትርጉማት ከተውጻላ ስለ ዝከኣል ንሎሚ ብሓደ ወገን ክንርእያ። ኣብ እንግሊዝኛ Monkey Mountain ትብል ዛንታ ናብ ዮፐ ወዲ ጎቦ ትመሳሰል ጌረ ክትርጉማ ምድላየይ ፡ ጽባቀ ናይ ትግርኛ ከርእን፡ ቋንቋ ልዕሊ ቃላት ካልእ ዝኸይድ ዝኽሪ ከም ዘለዎ ንምጥቃስን’የ። ድራማ “ዮፐ ወዲ ጎቦ” ንዓይ ኤርትራዊት ሼክስፔር’ያ። ቹዋንግ ጹ ብዛንታ ምምሃር ደስ ይብሎ ነበረ፡ ዘይከም ክርስቶስ ግን ዛንታታቱ ኣስላማይ፡ ክርስትያን፡ ኣግኖስታዊ፡ ኢዚሀራዊ ወዘተ ኢሉ ኣይፈልን’ዩ ምኽንያቱ ክዛረብ ከሎ ንሓደ ጉጅለ ዘይኮነ ንሰብኣዊነትና our humanity ዓሊሙ ስለ ዝዛረቦ። ደናግል ታኦ Tao ‘ተለኹም ካብዛ ዛንታ ተበጊስና ገለ ክንብል። <>
ብላዕሊ ክንርዮ ከለና፡ እዚ ህበይ ብትዕቢት ተነፊሑ ኣብ መወዳእታ ወዲቁ ዝብል “ሞራል” ክትበና ትኽእል። እዚ ኣብ 2ይ ክፍሊ ከለና ንፈልጦ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ምዝራብ ኣየድልን’ዩ። ስለዚ ዘረባ ዓበይቲ ክንዛረብ፡ ስለምንታይ ክእለትካ ኣይተርኢ ይበሃል ኣሎ፧ ወሸለ ክእለት ሃልዩካ! ኣብ American Got Talent ኬድካ ከም ናይዚ ሓውና ህበይ arrows in mid-air ክትሕዝ ትኽእል ተኾንካ እንታይ ጸገም ኣለዎ፧ ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና ክእለት ምህላውን ክእለትካ ምርኣይን በበይኑ እዩ። ኣብዚ ዛንታ exhibitionist ምዃን’ዩ ዝንቀፍ ዘሎ ምኽንያቱ ከም ሰቡ ነቲ ልኡል ርእዩ ክሃድም ምኸኣለን ምተገብኦን፡ ክእለቱ ነተን ካልኦት ኣህባይ ከርኢ ደልዩ ኣብኣ ረኺብዋ ድማ። ፈራህ ነዲኡ ‘ኣትዋ ዝተባህለ ስቕ ኢሉ’ዶ ኸውን፧ ወላ getting laid ዕላምኡ ይንበር፡ ኣይሰምዕ ኣይርኢ ሬሳ ምስ ኮንካ’ሞ እንታይ ትርጉሙ፧ <>
ሓደ ሰባኺ ነዛ ዛንታ ክገልጻ ከሎ ከምዚ ይብል። ከምቲ ዘርእኻ ክዓብየልካ ኣብ መሬት ትቀብሮ፡ ኩሉ ጽቡቕ ነገርካ ድማ ኣብ ልብኻ ቅበሮ። ከም ዓሻ ሓረስታይ ዘርእኻ ኩሉ ክርእዮ ኣብ መገዲ ኣይትደርብዮ። ንስኹም ግን ኣንጻር’ዚ ትገብሩ ኣለኹም። ሐሐማቁ ካብ ባህርያትኩም ኣብ ውሽጢ ትሓብእዎ፡ ጸጽቡቕ ድማ ዓለም ክትርእየልኩም ኣብ መገዲ ትዝርግሕዎ። ዘርኢ እከይኩም ሱር ሰዲዱ ከም ገረብ ኣብ ልብኹም ምስ ዓበየ ናይዛ ዓለም misery ትወልዱ። ነቲ ጽቡቕኩም ከይዓቢ ተንፍስዎ ነቲ እከይ ድማ ትከናኸንዎ ፡  ጣዕቂት ናይ ሰባት ከገድሰካ ምስ ጀመረ፡ ነብስኻ ክንዲ ክትፈልጣ ትህቅን፡ መን ብዛዕባኻ እንታይ ኢሉ፡ እከሊት ኣባይ ዘለዋ ኣረኣእያ ዝያዳ ኩሉ ነገር ከገድሰካ ይጅምር። ከምዚ ህበይ ኣብ X Factor ምስ መጻኻ እሱር ናይቶም ንክእለትካ ክፈርዱ ዝተቀመጡ በዓል ካወል ትኸውን። ሳይሞን ኮሪዩለይ ኢልካ ክትበኪ ትጅምር! ነዚ ዝረኣየት ሲዶና ሓውትኻ ድማ ‘ብኻ ህበይ ኮይነ ተፈጢረ ኢላ ተማርር። ኦሾ “Ego is a false phenomenon. It is the accumulation of others’ opinions, it is not a knowledge of the self.” ዝበሎ ሓቁ’ዩ። እዚ ዝበሃል ዘሎ ኣንጻር’ቲ ኣብ ሜድያ ዝስበኸልና “ርዱእ ነገር”’ዩ። ትዝክሩ ተኾንኩም ንጆፍሪ ኣበሓግኡ ላኒስተር ዓቢ “A king who says “I’m king” is no real king” ዝበሎ፡ ዓቢ ትምህርቲ’ዩ ንኩላትና።  ኣነ ከምዚ’የ ዝብል ኩሉ ከምኡ ኣይኮነን።<>
ክንኣስሮ፡ ኣብ ህይወትና cool ክኾኑ ዝፍትኑ ሰባት are very uncool, ለባም ክኸውን ዝፍትን ዓሻ’ዩ፡ ዝኾነ ነገር ክኸውን “ዝፍትን” ድኽነት ego ስለ ዘለዎ ንዕኡ ንምሽፋን’ዩ ከምኡ ዝገብር ዘሎ and it is disgusting ። ገሊኡ ክእለት natural and flawless ኣሎ፡ እዚ ብዘይ ጻዕሪ ወይ effort ዝመእ ኣብ ርእይቶ ካልኦት ዘይምርኮስ ድንቂ ክእለት’ዩ። ሰብ ካብ ማሕዩር “ካልኦት እንታይ ይብሉኒ ኾኑ፧ የኽፍእ’ዶ ለኹ፧” ምባል ምስ ወጸ፡ ዝሰርሖን ዝገብሮን ምዕሩግ graceful ይኾነሉ። ክእለት ካብ ካልኦት ክፈልየካ ኢኻ ትደልዮ፡ ኩሉ ኢጎ distinction ይደሊ። መንነትካ ካብ ካልኦት ዝፈልየካ ነገር ብምርካብ ከተረጋግጾ ትፍትን። መንደቅ ትሃንጽ። ኣይትህነጽ ኣይኮነን እቲ መልእኽቲ፡ ኣይትስራሕ፡ ኣይትመሃር፡ ኣይትሃብትም፡ ስልጣን ኣይትሓዝ ኣይኮነን። ተኽኢልካ ኩሉ ጸጋታት ናይዛ ዓለም ሓዞ ግን ይብል ለባም ፡ ግን self-definitionካ  ካብኡ ከተምጽኦ ምስ ትጅምር፡ ከምቲ ህበይ ጥራይ ኢድካ ከይተሓጐስካ ክትከይድ ኢኻ። ተዓዘብቲ ደሊኻ ከይደቀስካ ክትሓድር ኢኻ፡ እቲ ሰባት ከጣዕቁልካ ትረኽቦ high ምስ ግዜ እናነከየ ምስ ከደ ቅጭ ከመጻካ’ዩ። Daddy’s approval ወይ ናይ ዝኾነ ሰብ approval ክትረክብ ኢልካ ትሰርሕ ተለኻ ካብ ህበይ ወዲ ጎቦ እንመሃሮ Just do your thing, ካልኦት ኣይገድሱኻ፡ ጣዕቂቶም ዘሐጉሰካ እንተኾይኑ፡ ጸርፎም ድማ ዓጽምኻ ክሰብረካ ስለ ዝኾነ።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...