Thursday, September 28, 2017

ከመይ ጌርካ ከም እትነቅፍ



ሶኑይ  7 ነሓሰ 2017
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ናይ ዴል ካርኔጊ ክልተ ጉጅለታት ማለት ሰባት ክፈትውኻ እንተደሊኻ ትብልን፡ ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቅይር እንተደሊኻ ዝብላ ትንተና ሂበለን ነይረ። ሎሚ ኣቋሪጸዮ ድሕሪ ምጽናሕ እነኹ፡ ሰባት ከመይ ጌርካ ከም እንተቅፍ ዝብላ ትሽዓተ ሜላታት ክዛረበለን ክፍትን። ናይ ዴል ካርኔጊ ብልጽቲ-ተሸያጢት መጽሓፍ፡ ከም ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ዝበለኒ “ነዛ መጽሓፍ ተንብባ ከም ዘለኻ ንዝኾነ ሰብ ፈጺምካ ኣይትንገር፡ ምኽንያቱ ኩሉ ትገብሮ ናይ ብሓቂ ድዩ ወይስ ካብዛ መጽሓፍ ኣንቢብካ ኢኻ ትገብሮ ሰብ ክምነካ ስለ ዘጸግሞ”። ጽቡቕ ምኽሪ’ዩ፡ ከመይ ጌርካ ከም እትነቅፍ ወይ ዴል ከም ዝበሎ Nine ways to change people without giving offense or arousing resentment. ቀዳመይቲ ምዕራፍ ድማ If you must find fault, this is the way to begin እያ ትብል። እታ ሕመረት ናይዛ ምዕራፍ ብሓንቲ ዓርፍተ-ነገር ክጾምቋ ከሎ Begin with praise and honest appreciation.
እዛ ምኽሪ ካብቲ ዴል ኢጎ ናይ ካልኦት ሰባት ክንሕልው ዝመኽረና መቃን framework ትወጽእ ኣይኮነትን። ዝኾነ ኢጎ ነቀፌታ ባህ ሰለ ዘይብሎ፡ ምውሓጡ ክጥዕመሉ ብወደሳ ጀመር፡ ነቀፌታ ክቅበል ከተለምልሞ መታን በቲ ዘሎ ጽቡቅ ነገር ጀመር። ጥር ኢልካ ናብ ነቀፌታ ካብ ምእታው፡ መሰረት ፍጠር ኩሉ ግዜ ብጽቡቕ ነገር ጀምር።
ስለምንታይ ሰብ ብጽቡቕ ክጅምር ዘይደሊ፧ ስለምንታይ ጌጋ ሰባት ከተውጽእ ትህወኽ፧ ፍርሂ ዶ ይኸውን፧ ናይ ምንታይ ፍርሂ ‘ተበልካ፡ ፍርሂ ነብስኻ ልክዕ ምግባር፡ ፍርሂ ጌገኛ ኮንካ ከይትርከብ። እዚ ትሕተ-ንቁሕ ፍርሂ ወላ ይኹን ከም ደራኺ ናይዚ ጌጋ ናይ ሰባት ዓው ኢልካ ምዝራብ ክኸውን ይኽእል። ስለምንታይ፧ ወላ ሃናጺ ምኽሪ ይኹን ኣብ ጌጋ ናይ ካልኦት ከምቲ ጀርመናውያን ዝበሎ ሻደንፍሮይደ ክኸውን ይኽእል። ሓጐስ ካብ  ጌጋ ካልኦት፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ጌጋ ናይ ሰብ ምርካብ ባህ ዘብል ነገር’ዩ። ብተዘዋዋሪ መገዲ ናብ ዝኾነ “ጌጋ”፡ “ሓሶት”፡ “ክፍኣት”፡ “ጭኮና” ኢድካ ከተመልክት ከለኻ ንስኻ ከም ልክዕ እቲ መመልከቲቶ ኢድካ ተወጣውጠሉ ዘለኻ ሰብ ይኹን ኩነት ድማ ከም ጌጋ’ዩ ዝቁጸር። ዝረኸብካዮ “ጌጋ” ኣብ ባይታ ዘሎ ክኸውን ይኽእል ወይ ድማ ዘየለ ንኢጎኻ ምሕጓስ ኢልካ ዝበልካዮ ክኸውን ይኽእል፡ እዚ ምስ ነጥብና ስለ ዘይከይድ ክገድፎ’የ። ኣብ ነቀፌታ ምሃብ ግን ባህታ ኣሎ።
በርድማን ጽብቅቲ ፊልም’ያ። ለንቅነ ዘምጻዅዎ ፋሽን ዝኾነ ፊልም ቅድሚ ምርኣየይ ዝሓቶ “ልዕሊ ክልተ ሰዓት ድያ ወይስ ኣይኮነትን፧” ዝኾነ ፊልም ልዕሊ ክልተ ሰዓት እንተደኣኮይኑ፡ ተራኺ ወይ ጸሓፊ ፊልም መልእኽቱ ከሕልፍ ዝበለጸ ዕድል ዘለዎ ኮይኑ ይስመዓኒ። እዚ ማለት ግን ብናይ 15 ደቃይቅ ሓጺር ፊልም ገይሩ መልእኽቱ ከሕልፍ ኣይክእልን ማለት ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ነቶም ገጸ-ባህርያት፡ ነቲ ሃዋህው፡ ክንለምዶ ግዜ ስለ ዝህበኒ’የ ዝፈትዎ። ብዙሕ እዋን እንተደኣ ኣስተውዒልና ልዕሊ 2 ሰዓት ዝኸዳ ፊልምታት ኣብ ዛንታ ምንጋር ኣዝየን ውጽኢታውያን ‘የን። በርድማን ሓደ ኣብ ብሮድወይ ኒውዮርክ ናይ መድረኸ ድራማታት ኣላይን ተዋሳእን ቊንጫል ክፋል ናይ መዓልታዊ ህይወቱ ወሲዳ’ያ ትዛረብ።  ከምቲ ምስ ነብሱ ኣብ ዝገብሮ ዝርርብ ዝበሎ “ሰባት ኩናት፡ ፋርስ superhero ምስ ክፉኣት ሓይልታት ኵዋጋእ እዮም ዝደልዩ እምበር፡ ፍልስፍናዊ ሓሳባት ኣልዒልካ ኛኽ ክትብል ኣይደልዩን’ዮም” ሓቁ’ዩ። ሎሚ ኣለና ጽባሕ የለናን ስለዚ ንሃብትም፡ ንተሓጐስ ወላ’ኳ ካብ ሞት ዘድሕነና እንተዘይኮነ ካልእ ምርጫ የብልናን እንትርፎ ነዛ ባቡር ህይወት ተሰቂልና ንቅድሚት ክንምርሽ። ስለዚ ገንዘብ፡ ፍልጠት፡ ሰባት፡ ስልጣን ወዘተ ንኣክብ፡ ከምዚ ምባል ጌጋ ኣይኮነን።
Ad hominem ካብ ላቲን ዝመጸ ሓረግ ኮይኑ ቀጥታዊ ትርጉሙ “ነቲ ሰብ” ማለት’ዩ፡ ምሉእ ስሙ argumentum ad hominem ኮይኑ ኣብ እዋን ዝርርብ ወይ ክትዕ ንጥቀመሉ። ኣድ ሆሚነም ሓደ ካብ ዓይነታት ግጉይ መጐት fallacy ኮይኑ፡ ንዝኾነ ሓሳብ ዘልዕል ዘሎ ሰብ ምስቲ ኣርእስቲ ዘይከይድ ነጥቢ ግን “ሓቂ” ዝኾነ ነገር ኣልዒልካ ንመካትዕትኻ discredit ክትገብሮ ምፍታን ማለት’ዩ። ኣብ እዋን ክትዕ ንመካትዕትኻ ምጽላም፡ ዕላምኡ ምንእኣስ ወዘተ ግጉይ ሜላ መጐት’ዩ። እንተቲ ንምንታይ ከምኡ ይብል ኣሎ ክትፈልጥ ምድላይ ግን ኩሉ ግዜ ጌጋ ኣይኮነን ይብሉ ገለ ተመራመርቲ።
ሰለስተ ዓይነት ኣድ ሆሚነም ኣለው። ቀዳማይ ተጻራፊ abusive ኣድ ሆሚነም፡ ኩነታዊ circumstantial ኣድ ሆሚነም፡ “ቱ ኵዎክ” tu quoque ኣድ ሆሚነም። ተጻራፊ ኣድ ሆሚነም ካብ ውጹእ ጠቀነ libel ወይ ምጽላም slander ፈሊና ክንርእዮ። ጠቀነ ወይ ምጽላም ክፋል ናይ ውልቃዊ መጥቃዕቲ ወይ character attacks ‘ዮም። ኣብዚ ተጻራፊ ኣድ ሆሚነም፡ ነቲ ሰብ ብቀጥታ ዘይኮንካ ብተዘዋዋሪ ኢኻ ተጸልሞ። እቲ ሓሳብ ነቲ ሰብ “ጨናዊ” እንተ ኢልካዮ፡ እቲ ዘምጽኦ ሓሳብ ድማ ከምኡ “ጨናዊ” ስለ ዝኾነ ክንቅበሎ የብልናን ማለት’ዩ። ኣብዚ “ጨናዊ” ስለ ዝበልካዮ ጥራይ እቲ ሰብ ከም “ጨናዊ” ክንወስዶ ኣይንኽእልን ሓደ ፡ ካልኣይ ድማ ወላ ጨናዊ ይኹን ቅኑዕ መጐታዊ ሓሳብ ከምጽእ ኣይክእልን ማለት ኣይኮነን።
ኩነታዊ ኣድ ሆሚነም፡ እዚ ሰብ ከምዚ ዝብል ዘሎ እቲ ዘለዎ ኩነታት ስለ ዝጸልዎ’ዩ ይብል። ሓንቲ ሓብትና ቅድሚ ሕጂ ኢሰያስ ዘመድኪ ድዩ፧ ኢላትኒ ኔራ። እዚ ማለት ዝምድናይ ሓቂ ከይዛረብ ስለ ዝዓግተኒ፡ ዝኾነ ኣብ ፖለቲካ ዘምጽኦ ሓሳብ ሓቂ ክኸውን ኣይከውንን ማለታ እዩ። እዚ ሓቂ ክኸውን ይኽእል ከይከውን ይኽእል፡ እቲ ዕላማ መካትዕትኻ ምስዓር ስለ ዝኾነ ብዝኾነ ኣገባብ ጌርካ ክትውዕሎ ኣለካ። ስለዚ እቲ ኣብታ ኩነታት ዘሎ ሰብ ሒዝዎ ዘሎ መርገጺ ዘዋጽኦ ስለ ዝኾነ’ዩ ትብል። ኣብ ፈልምታት ኩነታዊ ጭብጢ circumstantial evidence ዝበሃል ኣሎ። ኣሰር ኣጻብዕቲ ናይ ሓደ ሰብ ኣብ ቦታ ገበን ስለ ዝረኸብካ ጥራይ ገበነኛ እዩ ኢልካ ክትድምድም ኣይትኽእልን ምኽንያቱ ኣሰር ኣጻብዕቱ ስለምንታይ ኣብኡ ኣሎ ካብ ሓደ ንላዕሊ መግለጺታት ኵወሃቦ ስለ ዝኽእል። ኣብ ክትዕ ድማ ምንጪ ናይ መካትዕትኻ ኣማህሚንካ (undermine ጌርካ) ንነጥብኻ ምብርታዕ የጠቃልል።
ቱ ኵዎክ ንስኻ ከማን ከምኡ ኢኻ ማለት’ዩ። ሓደ ሰብ “ሀ” ሰራቂ እንተኾይኑ፡ ተኻታዒኡ “ለ” ድማ ሰራቂ እንተኾይኑ፡ ሀ ን ለ “ንስኻ ድኣ ሰራቂ እንዲኻ” ይብሎ። ሰራቂ ምዃኑ ምስቲ ዘምጽኦ ወላ ሓንቲ ዘተኣሳስር’ኳ እንተዘይብሉ ግን ከምኡ ጌርካ ተሕልፎ።


No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...