Thursday, September 28, 2017

ምልክታት መንሽሮ ጡብ እንታይ እዩ፧



ነሓሰ 21
ምልክታት መንሽሮ ጡብ እንታይ እዩ፧
እቲ ቀዳማይ ብኢድ ክድህሰስ ዝኽእል ምልክት መንሽሮ ጡብ እታ ጓለንስተይቲ ኣብ ጡባ ካብቲ ከባቢኡ ዘሎ ኣካሊታት ብኢድካ ክትድህስሶ ፍልይ ዝበለ ጥረ ምስ ትረክብ’ዩ። እዚ ጥረ ግድን ኣብ ጡብ ጥራይ ዘይኮነ ወላ ኣብ ከባቢ ቱሽቱሽ ውን ኵወጽእ ይኽእል’ዩ። እዚ ማለት ግን ጥረ ክሳብ ዝወጽእ ክትጽበዪ ኣለኪ ማለት ኣይኮነን ምኽንያቱ ብኢድ ዳህሲስካ ክፍለጡ ዘይክእሉ ጥረታት ናይ ጡብ ከተለሊ ስለ እትኽእል ማሞግራም ዝተባህለት መሳርሒት ስለ ዘላ።
ብዘይካ ጥረ ኣብ ጡብ ወይ ቱሽቱሽ ካልእ መንሽሮ ጡብ ክሕብሩ ዝኽእሉ ምልክታት
1.   ምርጓድ ወይ ምሕርፋፍ ቆርበት ኣብ ውሱን ቦታ ናይ ዝመንሸረት ጡብ
2.   ሓንቲ ጡብ ካብታ ካልኣይታ ክትገዝፍ ትጅምር
3.   ሓንቲ ጡብ ካብታ ካልኣይታ ክትዘጥጥ ትጅምር
4.   ኣፍ ጡብ ካብ ቦታኡ ክዘናበል ይጅምር፡ ቅርጹ ይልውጥ ወይ ይግልበጥ
5.   ቆርበት ናይ ጡብ ክጨማደድ ወይ ዝሸሎቀ ክመስል ይኽእል
6.   ዕንፉሩር ናይ ኣፍ ጡብ ወይ ኣከባቢኡ
7.   ፈሳሲ ካብ ሓንቲ ወይ ክልቲአን ኣጥባት
8.   ቀጻሊ ቃንዛ ኣብ ጡብ ወይ ቱሽቱሽ
9.   ሕበጥ ኣብ ከባቢ ቱሽቱሽ ወይ ኣፍልቢ
Risk Factors
ንመንሽሮ ጡብ ዘቃልዑ ረቋሒታት ክንከላኸሎም እንኽእልን ክንከላኸሎም ዘይንኽእልን ኢልና ኣብ ክልተ ክንመቅሎም ንኽእል። መንሽሮ ጡብ ልክዕ ከም ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ ካብ ምውሳብ ናይ ዝተፈላለዩ ኣካባብያውን environmental ሰረታውን (ተወርሶኣዊን) genetic ክመጽእ ይኽእል።
ሀ) ዕድመ
ሓንቲ ጓለንስተይቲ ብዕድመ እናደፍአት ኣብ እትኸደሉ እዋን ብመንሽሮ ጡብ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኣ እናዓበየ ይኸይድ። ሓንቲ ኣብ ሱስታት ዝረገጸት ጓለንስተይቲ ካብ ሓንቲ ኣብ ዒስራታት ዘላ ብሚእቲ  ግዜ ዝዓቢ ብመንሽሮ ጡብ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎ ኣለዋ። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ኩለን ደቀንስትዮ ክሳብ 95 ዓመት እንተዝነብራ ካብኣተን ሓንቲ ካብ ሸሞንተ ኣብ ህይወታ መንሽሮ ጡብ መማዕበለት ኔራ ይብል። ስለዚ ብመንሽሮ ጡብ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎ ምስ ምውሳኽ ዕድመ እናወሰኸ ይኸይድ። ኣብ ብዕድመ ንኣሽቱ ዘጋጥም ዓይነት መንሽሮ ምስ ኣብ ዓበይቲ ዘጋጥም ኵወዳደር ከሎ ዝያዳ ይሕይል ወይ ይኸብድ።
ለ) ጾታ
መንሽሮ ጡብ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቀንስትዮ ጥራይ’ኳ ዘጥቅዕ እንተኾነ ሓሓሊፉ ግን ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ውን  ይረአ’ዩ። ብመንሽሮ ጡብ ዝተጠቅዑ ደቂ ተባዕትዮ ካብተን ብመንሽሮ ጡብ ዝተጠቅዓ ደቀንስትዮብዕድመ ይዓብዩ። እቲ ብኣጋ-ግምገማ prognosis ናይ መንሽሮ ማለት ካብኡ ክትሓዊ ዘሎ ተኽእሎ ኣብ መንሽሮ ጡብ ደቂ ተባዕትዮ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ውሑድ’ዩ።
ሐ) ተወርሶ
ኣብ 5% ካብ ተርእዮታት መንሽሮ ጡብ ጽኑዕ ዝኾነ ዝተጸንዐ ብተወርሶ ዝመሓላለፍ ረቋሒ ኣለዎም። ክልተ ጅናት genes ንዝበዝሐ ብተወርሶ ዝመሓላለፍ መንሽሮ ጡብ ምኽንያት ይኾኑ። እዞም ጅናት BRCA1 (Breast Cancer 1) ከምኡ ውን BRCA2 (Breast Cancer 2) ይበሃሉ። ዝተበላሸወ ወይ ዝተቀየጠ ጀነቲካዊ ቅርጺ ዘለዎም BRCA1 ከምኡ ውን BRCA2 ጅናት ዘለወን ደቀንስትዮ ካብ 60% ክሳብ 80% ብመንሽሮ ጡብ ናይ ምጥቃዕ ዝለዓለ ተኽእሎ ኣለወን።
ኣዲኣ ወይ ሓብታ ብመንሽሮ ጡብ ዝተጠቅዓ ጓለንስተይቲ ብክልተ ዕጽፊ ዝዓቢ ተኽእሎ ናይ ዝተበላሸወ BRCA1 ወይ BRCA2 ክህልዋ ይኽእል። ጥዕና ናይዞም ክልተ ጅናት ማለት BRCA1, BRCA2 ዝመርምር መሳርሒታት ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ካብ 2004 ተኣታትዩ ኣሎ። ኣደ ናይ ህብብቲ ተዋሳኢት ኣንጀሊና ጆሊ ብመንሽሮ ጡብ ተጠቂዓ ነበረት፡ ኣብ 56 ዓመት ዕድሚኣ ድማ ብመንሽሮ ማህደረ እንቋቁሖ ovarian cancer ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ። ብተመሳሳሊ ሓትነ ኣንጂሊና ጆሊ ደቢ ማርቲን ዝተበላሸወ BRCA1 ጅን ነበራ’ሞ ኣብ 2004 መንሽሮ ጡብ ከም ዘለዋ ፈለጠት፡ ኣብ 2013 ኣብ መበል 61 ዓመት ዕድሚኣ ዓሪፋ። ነዚ ዝተዓዘበት ኣንጀሊና ጆሊ መርመራ ናይ ዝተበላሸወ BRCA ጅን ኣለዋን የብላን ከተነጽር መርመራ ምስ ገበረት ዝተበላሸወ BRCA1 ጅን ከም ዘለዋ ፈልጠት። ሓካይማ ካብ ዝሃብዋ ገምጋም 87% ተኽእሎ ምጥቃዕ ብመንሽሮ ጡብ  ተበጊሳ ድማ ኣብ 2013 ከም መከላኸሊ ክልቲአን ኣጥባታ ተቆሪጻተን። እዚ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ብመንሽሮ ጡብ ናይ ምጥቃዕ ተክእሎኣ ናብ ትሕቲ 5% ከም ዘጉደሎ ይፍለጥ። ሕብረተሰብ ኣብ ልዕል’ዚ ሕማም ዘለዎ ኣተሓሳስባ ክመሓየሽ ኣለዎ ካብ ዝብል ቅዱስ ሓሳብ ተበጊሳ፡ ዘካየደቶ መጥባሕቲን ድሕሪኡ ዝገበረቶ መጸባበቂ መጥባሕትን ንዓለም ምሉእ ክፉት ገበረተቶ።
መ) ቅድሚ ሕጂ ብመንሽሮ ተጠቂዕኪ ትፈልጢ እንተኾንኪ
ቅድሚ ሕጂ ብመንሽሮ ጡብ፡ ማህደረ እንቋቁሖ፡ ማህጸን ወይ መዓንጣ ተጠቂዕኪ ትፈልጢ እንተኾንኪ ኣብ መጻኢ ዝለዓለ ተኽእሎ ምምዕባል መንሽሮ ጡብ ኣለኪ። መንሽሮ ናይ ጽኪ ፕሮስቴት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ዝለዓለ ሓደጋ ናይ መንሽሮ ጡብ ክህልዎም ይኽእል።
ይቅጽል ኣብ 66 BC

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...