Thursday, September 28, 2017

ካንሰር 2



ነሓሰ 24
ሰ) ጽልዋ መግቢ ኣብ መንሽሮ
ኣልኮል መጠን ኢስትሮጅን ዝበሃል ሆርሞን ኣብ ደም ብምውሳኽ ናብ መንሽሮ ጡብ ከጋልጽ ይኽእል። ኣህጉራዊ ወኪል ንመጽናዕቲ መንሽሮ (International Agency for Research on Cancer) ከም ዝሕብሮ ኣልኮላዊ መስተ ከም ሓደ ካብቶም መንሽሮ ጡብ ኣብ ደቀንስትዮ ከምጽኡ ዝኽእሉ ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ኣስታት 6% ካብ ተርእዮታት መንሽሮ ጡብ ምስ ኣልኮል ይተሓሓዝ።
ስብሒ ምጉዳል
ኣሕምልቲ ብብዝሒ ምውሳድ

ረ) ልዕሊ ክብደት ምዃንን ኣካላዊ ምንቅስቃስ ዘይምግባርን
ድሕሪ ንጽፈ-ጽግያት ሚዛን ሰብነት ምውሳኽ ሓደገኛነት መንሽሮ ጡብ ክውስኾ ይኽእል። ኣብ 2006 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ 9.9 ኪሎ ድሕሪ ንጽፈ ጽግያት ምውሳኽ ተኽእሎ ብመንሽሮ ጡብ ምጥቃዕ ብ 18% የዛይዶ።
ሸ) ጽልዋ ጥንሲ፡ ብዝሒ ቆልዑን፡ ምጥባውን
ዕድመ ከይበላዕካ ቆልዓ ምቡኳር፡ ልዕሊ ሓደ ቆልዓ ምውላድ (ሓደ ቆልዓ ምውላድ ሓደገኛነት መንሽሮ ጡብ 7% ይንክዮ)፡ ጡብ ምጥባው (ንሓደ ዓመት ምጥባው ሓደገኛነት መንሽሮ ጡብ ብ 4.3% ይንክዮ) ዝብሉ ረቋሒታት ኣብ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ምትእስሳሮም ተገሊጽዩ’ዩ። ድሕሪ 30 ዓመት ቆልዓ ዝተበኮረት ካብታ ትሕቲ 25 ዝተበኮረት ብዕጽፊ ዝዓቢ ተኽእሎ ምጥቃዕ ብመንሽሮ ጡብ ኣለዋ። ፈጺምካ ቆልዓ ዘይምውላድ ድማ ነዚ ተኽእሎ ብሰለስተ ዕጽፊ የዕብዮ ይበሃል። ቆልዓ ምውላድ ግን ናቱ ዝኾነ ሓደገንኘት ከም ዘለዎ ክዝጋዕ የብሉን።
ተ) ጽልዋ ከባቢ
ጠ) ዓሌትን ማሕበረቁጠባዊ ረቋሒታትን

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...