Thursday, September 28, 2017

“እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ”



“እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ” እዚ ከም መእተዊ ተጠቂመሉ ዘለኹ ምሉእ ሓሳብ ካብ “ግምቢ ዘብዐኛ” ትብል መጽሄት ዝተወስደ እዩ። ኣብ ትግርኛ ዘለኒ ፍቕሪ ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ ወላ ምስ ኣተሓሳስባይ ዘይሰማማዕ ጽሑፍ የንብብ’የ። እዛ መጽሄት ኣካውናኣ ሪእኻ ንሓዳስ ኤርትራ ከምኡ ዓይነት ኣቀራርባ ትምነየላ። ትግርኛ ብግርማ ፡ ኮሪዑ ደስ ኢልዎ ፍሽኽ ክብል ከሎ (እንታይ ይብል ኣሎ ብዘየገድስ) መዓስ ዘየቅንእ ኮይኑ። ብዙሓት ‘ምሁራት’ ኢና በሃልቲ ካብ ናቶም ዝፍለ ሓሳብ ዘለዎ ጽሑፍ ከንብቡ ኮነ ንጸረ-መርገጺኦም ዝኾነ ሰብ ክሰምዑ ኣይደልዩን። ኩሉ ምሳይ ኣይተሰማማዐን ኢልካ ከም ቆልዓ ኣብ መሬት ምንግርጋር እንታይ ኣምጽኦ፧ ኩሉ ዕርቃን ድንቁርናኡ ብመጽሓፍቲ ክሽፍን ዝፍትን ሰብ ካልእ መጽሓፍ ከንብብ ምስ እትዕድሞ፡ ነዓ ጉድካ ተቀላዕ ማለት’ዩ። ንሓደ ክርስትያን “ኢሂታ እከለ ቅዱስ ቁርኣን ከተንብብ ዘይትጅምር፡ ማለት’ሲ ኣለካ ምሽ ትርእዮ፡ ሰብ እንታይ ከም ዝብል ትፈልጥ”  ምስ ትብሎ፡ ወደያት እዚ ኹሉ “ሰብ ነጻ ኮይኑ ክሓስብ ኣለዎ” ፡ “ምሁር ማለት ካልእ ሰብ ከእምነካ ምግዳፉ ማለት’ዩ” ወዘተ እናበለ ከም ደርፊ-ሽንግርዋ ክደግመልና ከም ዘይጸንሐ ፡ ኣብዚኣ በጺሑስ መልሓሱ ብምራን ዝኣሰርካዮ ክመስል የስቕጥ። እምነቱ ከም ፈትሊ ከይትብተኽ ስለ ዝፈርህ’ዶ ይኸውን፧ ንሓደ ኣስላማይ “ግምቢ ዘብዐኛ” ዘይተንብባ ኢልካዮ ክንደየናይ ከይቅበለካ። ንሓደ ኢዚሀራዊ መጽሓፍ ቅዱስ እንተርኢኻዮ ከም ድሙ ይፍሕንጭረካ። ምስ ግዜ እዞም “ፈላጣት-ከሓድቲ” ምስ በዝሑ ንሓደ ክኸደልካ እትደልዮ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ቁርኣን መዚዝካ ከም ጋኔን ከተርብሮም ይከኣል ይኸውን ግዲ። ብተመሳሳሊ ነዞም ኣመንቲ ኢና በሃልቲ ኣሪስቶቲል ወይ ኒቸ ኣውጺኻ ሓመዶም ንላዕሊ ትገብሮም። ሰብ “ኣነ ልክዕ ኣለኹ” ክብል ምስ ጀመረ ፍልጠትን ልቦናን ካብኡ ይሃድማ። ኣብ ጸልማት እናነበረ፡ ኖእ! ከም ናተይ ዓይኒ ደኣ ይሃብካ ይብል። ናይ ኣምላኽ ነገር ከም ዕሽነት ከስሕቆም ዝጅምሩ ሰባት ምስ በዝሑ፡ እቲ ፍርሂ ውሽጦም ክሓብኡ ኢሎም ስም ኣምላኽ ክዝንጥሉ ምስ ጀመሩ፡ ዕሽነት ሕፍረታ ብመጐት ክትሓብእ ትጅምር። ኣመንቲ ድማ ትንፈር ኣይትንፈር ጤል’ያ፡ ኣምላኽ ኣሎ ምኽንያቱ ኣብ መጽሓፉ ከምኡ ስለ ዝበለ ክብሉ ምስ ጀመሩ፡ እምነት ዓይና ብመስፈ ተንቁሮ፡ ፍልጠት ትግነዝ። ኩሉ ወዮ! ጸገመይ እዚ’ዩ፡ ኣነ ልክዕ ኣለኹ ስለምንታይ ትብል፧ መን ነጊሩካ ልክዕ ከም ዘለኻ፧ ኩላትና ነናትና መጽሓፍ ኣለና ስለዚ ሓደ ካብ ሓደ ኣይበልጽን።
ፕሮፖጋንዳ ናይ የሆዋ ክሰብኽ ኢለ ኣይኮንኩን ዚ ሓሳብ ኣምጼዮ፡ እንታይ ደኣ፧ እዚኣ ጽሕፍቲ ግን ምስ ናይ ዘመንና ጸሓፊ Malcolm Gladwell ዝጸሓፋ David versus Goliath ትብል መጽሓፍ ዝመሳሰል ሓሳብ ስለ ዘለዋ ‘ምበር። ኣብ ስፖርት ብብዝሒ እንርእዮ ነገር ናይ underdog ወይ ግዱዕ ወገን ምስ ዝለዓለ ግምት ዝወሃቦ ሰብ ክገጥም ከሎ ዘይተጸበኻዮ ዓወት ከርእየካ ከሎ’ዩ። ኣትለቲክስ ዝብርሃኩም ጃስቲን ጋትሊን ን ቦልት ዝሓለፈ ቅነ ክቅድሞ ከሎ odds ratio 1 to 25 እዩ ኔሩ። ዳዊት ምስ ጐልያድ ክገጥም ከሎ ዝነበረ odds ratio ኣደ ጐልያድ ትቁጸሮ። ወይስ ኣደ ዳዊት ትሓይሽ፧ እዘን ክልተ ኣንስቲ እንተዝራኸባስ እንታይ ኮን ኢለን መዕለላ፧ ናይ ኣይሁድ ጸገም ከም ዝርድኣኒ ንኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ሕሉፍ ጽልኢ ነይርዎም። ባዕሉ እቲ “የሆዋ” ዝበሃል ኣምላኾም እናሓንሳብ ቆልዓ ሰበይቲ ከይተረፉ ዓዲ ምልእቲ ከጥፍኡ ይእዝዞም ከም ዝነበረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። “ሰብ ኣጥፍኡ” ተበሎም’ሲ ጸልእቶም’ዮም ስለዚ ወላ ደሓን ኢልና ሸለል ክብሎም። እንስሳታት ከማን ከይትግድፉ ኢሉ ክእዝዝ ከሎ ግን “ኣታ ዚ ሰብኣይ ደሓን ድዩ፧” ትብል። ንብረት ናይ ዘይተገዝሩ፡ መመልኽቲ ጣኦት፡  ኣህዛብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን’ዩ ዝበሃል። ዳዕሽ ደኣ ከብዚ ሓሊፉ እንታይ’ዶ ጌሩ’ዩ። ሓቃቶም’ዮም ጃምላዊ ህልቂት ክፍጽሙ። መጽሓፍ ቅዱስ ካባኻ ዝተፈልየ እምነት ዘለዎ ዘይግዙር ሰብ ሕረዶ ዝብል ጽሑፍ ተለዎ፡ ቅዱስ ምዃን ተሪፉ ናይ ኣልቓዒዳ ማኒፌስቶ ኮይኑ’ሎ። ግን እንታይ ይገበር፧ ናይዚ ዓዋን ሰብኣይ ዘረባ ኣንቢብና ጠቅሊልና ንመጽሓፍ ቅዱስ ከይንድብዮ ‘ንዶሞ ክርስቶስ ብግሩም ትምህርቱ ኢድና ኣሲርዎ። ክጸርፎ ወላ ተደለኹ፡ ጌጋ ምርካብ ስኢነሉ። Red letter bible ዝበሃል ዓይነት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። ቃላት ክርስቶስ ጥራይ ዘለዎ። እቲ ካልእ “ሃዋርያት” ሰባት ባዕሎም ዝመልእዎ ስለ ዝኾነ ሕሜታ’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ ተኾንካ ቃላት ክርስቶስት ጥራይ ኣንብብ። እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ግብረ-ሽበራዊ ኣምላኽ፡ ክርስቶስ ምስ መጸን’ዶሞ ብፍቅሩ ደምሲስዎ። ክልተ ኣንጻራት ካብ ምዃኖም ካብ ዝተላዕለ “እምበር’ዶ ኣቦን ወድን’ዮም” ዘየብል ኣይኮነን።
ሃይማኖታዊ ሸነኹ ንጐኒ ገዲፍና ክንዛረብ። ግዱዓት ወይ underdogs ንክዕወቱ ዝለዓለ ዕድል’ዶ ይህልዎም ይኸውን፧ እንድዒ! እቲ ሓሳብ ግን ኣምላኽ ምሳኻ ‘ተሎ ወላ ዓለም ምሉእ ኣንጻርካ ትኹን ክትዕወት ኢኻ’ዩ ዘስምዕ። ግድን ኣይኮነን እቲ “ኣምላኽ” ዝበሃል ዘሎ ረቋሒ ክትጥቀመሉ፡ እምነት ወላ ነብሰ-እምነት (aka ነብሰ-ኣምልኾ) ንክትዕወት ክጠቅመካ ይኽእል ይኸውን። ዓወት ማለት ካብ ሞት ዘድሕነካ ዘይኮነ ክሳብ ብህይወት ዘለኻ ሰብ ከጣቅዓልካ፡ ጽቡቕ ክትበልዕን ክትሰትን፡ ጽቡቕ ስም ከተጥሪ ወዘተ ማለት’ዩ። ሓደ ግን ካብ ሞት ዘየድሕን ዓወት’ሲ መወዳእታኡስ ፍሽለት እምበር ዓወት ኣይኮነን ክብል ይኽእል።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...