Thursday, September 28, 2017

“እዩ፡ እዩ”መእሰሪ ፍልስፍና-ሃይማኖት ሲዶና ዑመር



ሓምለ 28 2017
“እዩ፡ እዩ”መእሰሪ ፍልስፍና-ሃይማኖት ሲዶና ዑመር
ገለ ሰባት ኣብ ሃይማኖት ዘለኒ ኣረኣእያ ወይ መርገጺ ክቀልዖ እሓቱኒ ኣለው፡ ሐራይ ክቀልዖ’የ። ፖለቲካዊ ሕፍረተይ ኣርእየ’የ ሎሚ ድማ ናይ ሃይማኖት ሕፍረተይ ክቀልዕ። ሰብ ስለምንታይ ሃይማኖታዊ ሕፍረትካ ክግንጽል ከም ዝደሊ ቅድም ክትንትን’ሞ  ቀጺለ ናብ “ሕፍረተይ”ክወርድ LOL
ዝኾነ ሰብ ክዛረብ ከሎ ኣብቲ ዝሰምዖ ወይ ዝከታተሎ ዘሎ ክልተ ነገራት ከጋጥም ይኽእል። እቲ ዝዝረብ ዘሎ ክርድኣካ’ዩ ወይ ጋን ክኾነካ’ዩ። ዝተዛርበ ነገር እንተተረዲኡካ ፡ እዚ ዘረባ ወይ ጽሑፍ ምስ’ቲ ኣነ ዝሓስቦ ይሰማማዕ ድዩ ወይስ ኣይሰማማዕን ኢልካ ክትፈሊ ትጅምር። ምሳኻ ዝሰማማዕ ‘ተኾይኑ ተጣዕቕ ወይ ናእዳን ወደሳን ተውሕዝ፡ ምስቲ እትሓስቦ ወይ እትኣምነሉ ዘይከይድ ‘ተኾይኑ ድማ ለባም ‘ተኾንካ ከተእምን ወይ ሓሳባትካ ከተረድእ ትፍትን፡ ዕሸል ‘ተኾንካ ድማ እታ ዓቕምኻ ዝኾነት ጸርፊ ተበርክት። እዚ ኣካይዳ ብቀንዱ ኣብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ብብዝሒ’ዩ ዝስርሓሉ። ነቲ ምሳኻ ዝኸይድ ትድግፍ ንኣንጻርካ ድማ ተቆናጽብ፡ ካብዚ ተበጊሱ ድማ’ዩ ኣብ ክልቲኡ ዓውድታት ብብዝሒ ሰዓብቲ ክህልወካ ኣድላዪ ዝኸውን። እቶም ምሳኻ ኮይኖም ዘጣቅዑ እናበዝሑ ብዝኸዱ ነቶም ተጻረርትኻ ክትዕብልሎምን ፡ ከተስገድዶምን ትኽእል። ስለዚ ደገፍቲ ምጥራይ ማለት ውሕስነት ናይ መርገጺኻ ወይ እምነትካ ምሕላው ማለት ስለ ዝኾነ፡ ንፖለቲካውያን ይኹኑ ሃይማኖታውያን ተጻረርትኻ ከተጥፍኦም ወይ ስቕ ከተብሎም ዝከኣለካ ትጽዕር። ብምስላ ከምዚ ኢልና ክንሓጽሮ፡ ሰብ ከም ኣብ ሓደ ዓቢ ሱፐር ማርኬት ዝኣተወ ዓዳጋይ ይመስል። ምስኡ ዝኸይድ ሓሳባት እናማእረረ፡ እናዋዳደረ፡ ንሓሳባቱ እናዘ’መነ (update እናገበረ) ይኸይድ። እቲ “ዕሸል” ድማ ነቲ ኣንጻሩ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ካብ ከብሒ “ተጻረርቱ” ኣውሪዱ ብእግሩ እናረገጸ፡ ንካልኦት ከምቲ ናቱ ንብረት (መርገጺ) ዘይገዝኡ ዓደግቲ ድማ እናተጻረፈ ይኸይድ።
ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምር ናይ ኣእምሮኣዊ-ቅንዕና (intellectual honesty) ስለ ዘይኣምኑ ናብ ቁም ነገር ዝመርሕ ክትዕ ክትካትዖም ኣይትኽእልን። እዚ intellectual honesty ዝበሃል ዘሎ ሓደ ሰብ ካብቲ ሒዝካዮ ዘለኻ መርገጺ ዝሓይሽ ምጉት ምስ ዘምጽእ ነቲ “እምነተይ”ወይ “መርገጺየይ” ኢልካ ትምክሓሉ ዶግማ ናብ ሓዊ ሰው ኣቢልካ ምድርባይ ማለት’ዩ። እዚ ቅየራ-ኵትሞ (paradigm shift) ዝበሃል መስርሕ ዝኣረገ ኣተሓሳስባታት ብሓደስቲ ምትካእ ዝኾነ ዘኽንሕ ነገር ስለ ዘይብሉ፡ ኣብ ስነ-ፍልጠት ወትሩ ኢና እንገብሮ።። ኣብ ክትዕ ናይ ኣረኣእያታት ወይ እምነታት ግን ብዙሕ ሰብ ኣእምሮኣዊ-ቅንዕና ኣይክተልን፡ “ተጋግየ” ካብ ዝብል መልሓሱ ብኻራ ምቁራጽ ዝቀሎ ኣዲኡ ትቁጸሮ። Intellectual-honesty ዘይብሉ ኩሉ ክትዕ ወይ ዘረባ ከም ከልቢ ምስ ጭራኻ ምጉያይ’ዩ።
ናብ መርገጺየይ ክኣቱ። ተኸታሊት እምነት በሃይ ዝመስለኩም ተለኹም ኣይኮንኩን፡ ግን “ኪታበል ኣቕዳስ” ዝብል መጽሓፍ ቅዱሶም ኣንቢበዮ’የ። ቅዱሳት መጽሓፍቲ መሰረት እምነት እንተኾይኖም ክሳብ ሕጂ ዘንበብክዎም መጽሓፍቲ ክዝርዝርለኩ‘ሞ ‘ተደለኹም ኣብ ገለ ሳንዱቕ-እምነት ኣእትውኒ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅዱስ ቁርኣን፡ ናይ ሂንዱስ Bhagavad Gita ናይ ቡድሃ Dhammapada፡ ናይ ታኦይዝም Tao Te Ching  ከምኡ ውን Zhuangzi ፡ ናይ ኮንፊሸስ Analects፡ ናይ ዘን መጽሓፍቲ ብብዝሒ፡ ናይ ላቨያዊ-ሰይጣንነት Anton Lavey ኣብ 1966 ዝጸሓፋ The Satanic Bible፡ ናይ ሞርሞንስ Joseph Smith ዝጸሓፋ Book of Mormon፡ ናይ ዊካ Gerald Gardner ዝጸሓፋ Book of Shadows፡ ናይ እምነት Thelema ብAleister Crowley ዝተጻሕፈት The Book of The Law፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ናይ ዞራስተር Avesta አንብብ ኣለኹ።
“ሲዶና ኣምላኽ ኣሎ’ዶ፧” እንድዒ። “ክርስቶስ ኣምላኽ ድዩ፧” እንድዒ። “ካብ ኣባጬጐራ ኢና መጺና ይበሃል፡ ሓቂ ድዩ፧” እንድዒ። “ንምዃኑ ዝኾነ እምነት ኣለኪዶ፧” እንድዒ። “ኣብ ሂንድዩዝም ኩሉ ሰብ ኣምላኽ’ዩ ዝበሃል፡ “ኣነ ኣምላኽ ፡ ንስኺ ኣምላኽ ፡ ንስኻ ኣምላኽ!” ሲዶና ኣምላኽ ዲኺ፧” እንድዒ። “ኦይ! እሞ ንሰይጣን ኢኺ ተምልኺ፧” እንድዒ። “ኣቲ ጓል፡ መርገጺኺ ኣፍልጥና! ምሳና ኩኒ ወይ ኣንጻርና ኩኒ፡ እዚ ዕብዳን እንድዒ ኣይክንጻወሮን ኢና!” እንድዒ! ኣደይ ዝበለትኒ ተሰማዕኩ ሓደ፡ ኣቦይ ዝብለኒ ካልእ፡ መሓዙተይ ዝብላኒ ካልእ፡ ሸኽ ዝብለካ ካልእ፡ ስዋሚ ዝብለካ ካልእ፡ ማርክስ ዝብለካ ካልእ፡ ክርስቶስ ዝብለካ ካልእ፡ መሓመድ ዝብለካ ካልእ፡  ካብ ሓሰኻ ኢና መጺና ዝብሉ “ምሁራት” ዝብሉኻ ካልእ፡ ስቲቨን ሆኪን ዝብለካ ካልእ። ገለ ውጽኢት ዓቢ-ነትጕ (big bang) ኢና ይብሉኻ፡ ገለ ድማ ኣምላኽ ምስ ጠረጠ’ዩ big bang ተፈጢሩ ይብሉኻ ፡ “Blasphemy!” የእውዩ ነዚ ዝሰምዑ። ‘ደይ ሎሚ ኮይኑ’ምበር ከምቲ ቀደምሲ እዚ “ርኽሰት”’ዚ ብዳርባ እምኒ መቕተሎም ኔሩ።
“ሲዶና ምስ መን ኢኺ፧” ሲዶና ዕትሮ ኣይኮንኩን ከም ሰዓት ተመሊአ ዶግማ ፍጥረት ወይ ዶግማ ፍልቐት ዝደግም። ነታ ኵውለድ ከለኹ ዝተዋህበትኒ ዕትሮ-ሃይማኖት ዝኾነ ነገር ከይመላእኩ’የ ክመልሳ ዝደሊ። ኩሉ መልሰይ እንድዒ’ዩ። እዚ ንኩሉ ነገር እንድዒ ምባል ንባዕሉ እምነት-እንድዕነት እንተኾይኑ ሲዶና እንድዒታዊ’የ ማለት’ድዩ፧ እንድዒ!። መርገጺ ዘይብላ ምንያ ኮለል ኮይነ ‘ተነበርኩ ግዲ ‘ብለይን ‘ደለ ኹን! ። “ሰማይ ናሕሰይ፡ መሬት ንእደይ” ድዩ ኢሉ ገጣሚ፡ “ኣበይ’ዩ መዓልቦኺ ሲሱ፧” ተበልካኒ፡ ክልተ ኢደይ ዘርጊሐ ፍሽኽ J
ቋንቋ ፍሽኽታ ዘይተረድኦ ሳእነይ ምስ መርገጺኡ ከምዚ ዝስዕብ ጌረ ክጽሕፎ፡
ህይወት ምስጢር’ያ ሕቶድያ ወላስ መልሲ ከይተረድኣኒ ኣፈይ ክኸፍት ኣይህወኽን’የ። ክትርድኣኒ ድያኸ፧ እንድዒ። ኣብ ሃይማኖት ከምዚ ናይ ፌስቡክ ግድን ኮመንት ክህብ ወይ “react” ክገብር ዘለኒ ኮይኑ ውን ኣይስምዓንን። ምንባረይ ዝኾነ ናይ ኢጎ “ኮመንታሪ”ወይ ሓተታ ዘድልዮ ኣይኮነን። ክርስትያን፡ ኣስላመይቲ፡ ኢዚሀራዊት(atheist) ወዘተ ከይኮንኩ ክነብር ኣይክእልን፧ ግድን መርገጺ ኵወስድ ኣለኒ’ድዩ፧ “እንድዒ!” ኢለ ጥራይ ክነብር ስለምንታይ ዘይክእል፧ ብህይወት ሃልየ ነዛ ልጥፎ ክጽሕፍ ምብቅዐይ ጥራይ እኹል’ዩ ነዓይ። ካብ ካዝና እምነታት ቅጽል ናይ ኢዝም (-ism) ኣውጺአ ከንበልብል ኣይደልን። ንባንዴራ ካልኦት ከናሽው ኣይብርሃንን ግን ጽምኢ ምንብልባል “መርገጺ” የብለይን። ክነፍር እናኸኣልኩ ከም ጐብየ መርገጺ ደልየ መሬት-መሬት “ጐፈፍ” ክብል ኣይደልን።“እዚ ሕርያ’ዚ ውን ንባዕሉ ባንዴራ “እንድዒ” ምንባልባል ኣይኮነንድ’ዩ፧” ኢሉ ክሓትት ይኽእል ሓደ። ወይ ጉድ! ኢሂታ ባንዴራ ዘይምንብልባል ባዕሉ ባንዴራ ምንብልባል ማለት ድዩ፧
እንድዕነት ብክልተ ቃልት ክትጠቃለል ከላ choiceless awareness ክትበሃል ትኽእል። እዚኣ መርዚ ነቲ “ግድን መርገጺኻ ኣፍልጥ!” ዝብል ኢጎ’ያ። ስለዚ ባንዴራ ናይ ካልኦት ትርኢ፡ ስብከት ናይ ካልኦት ትሰምዕ፡ “ጭብጢ” ናይ ካብ ኣህባይ ዝፈለቑ ሰባት ተንብብ። ብሓጺሩ ተንብብ፡ ትመሃር፡ ትሰርሕ፡ “ትሕርፍ”፡ ትሓርቅ፡ ትጽሕፍ፡ ተፍቕር፡ ተጉረምርም፡ “ትጥልዕ”፡ ትካታዕ፡ ትጨርቕ እዚ ኩሉ ተደሚሩ ምንባር ‘ተኾይኑ ትነብር። ግዜኻ ምስ ኣኸለ ከኣ ከም ሰብካ “ትኽንብ”።  “ምስጢር ፍቕሪ“ ኢሉ ኣብርሃም፡  ሲዶና ድማ ምስጢር ህይወት ኣብቲ ንፋስ ምበር ኣብታ ባንዴራ ኣይኮነን ዘሎ ትብል ኣላ።ንፋስ ማለት ብህይወት ምንባር ማለት’ዩ ስለዚ ናይ’የናይ ሰልፊ ባንዴራ ተንበልብል ኣለኻ ኣየገድስን። ምስ ሲዶና ተሰማማዕ ወላ ኣይትሰማማዕ ትርጉም የብሉን። ክቅየሩ ዘይክእሉ ሕግታት ተፈጥሮ ኣለው፡ ነዞም ሕግታት “ኣላህ ኣይኮነን ፈጢርዎም” ወላ በል ካብኦም ክትወጽእ ኣይትኽእልን። “ባዕሎም ‘ዮም መጺኦም” ተበልካውን ከተኽብሮም ጥራይ’ዩ ዘለካ። ንተፈጥሮ ክትመልካ  ዘኽእለካ ዘሎ ሓንጐል “ካብ ሓንጐል ደርሆ’ዩ” መጺኡ በል ወይስ “ህያብ ኣምላኽ’ዩ” በል ኣየገድስን’ዩ። እዚ መጐት ናብ ኣልቦነት (nihilistic) ወይ ህለኣውነት (existentialist) ዝኸደ ይመስል ግን ካብኣቶም’ሲ ኣይኮነን። ንሳቶም ህይወት ትርጉም የብላን ወይ ክትፍለጥ ኣይትኽእልን ዝብል ባንዴራ’ዮም ዘንበልብሉ። ግን ባንዴራ ምንብልባሎምሲ ኣይተረፈን! ኩሉ ባንዴራ ዶግማ ተኾይኑ ምስ ግዜ ወላ’ዚ ባንዴራ ኣይሃሉ ሓሳብ ኣብ ኢድ ገልጣማት ምስ ኣተወ  ጸረ-ባንዴራ ዝብል ዶግማ ክኸውን’ዩ። ስለዚ ከመይ ጌርካ ካብዚ ጸወታ ናይ ኢጎ ትወጽእ፧
እቲ መልሲ ኩሉ እዩ! ወይ What Is Is ይብሉ ገለ ጀመርቲ፡ እዚ ቃላት ከማን በዚሑ Is ጥራይ ትኣክል ይብሉ ካብኦም ዝሓሹ። ማእከላይ ደረጃ ዘለዎም mystics ድማ “Is” ምባል ከማን ጌና ባንዴራ’ያ ስለዚ ዝኾነ ምባል ኣየድልን። ክኢላታት፡ ስቕ ንባዕሉ መልሲ ስለ ዝኾነ፡ ከም እምኒ ስቕ ኣይትበል ይብሉኻ። እንታይ ደኣ፧ ብህይወት ምህላውካ እኹል መልሲ’ዩ ካልእ ኣየድልየካን። እዚ ማለት ድማ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጻሕፈ ኣንቢቡ ሓደ “ሃለውለው” ኢሉ ተኮመተ (comment ተሃበ) መልሲ’ዩ፡ ግርም ኣለኺ ተበለ መልሲ’ዩ፡ “ክርስቶስ”’ዩ ‘ት መገዲ ተበለ መልሲ’ዩ፡ “ላ ኢላሃ ኢለ ላህ፡ ወ ሙሓመዱን ረሱለላህ” ኢሉ ሸሃዳ ተምጽአ ግርም መልሲ’ዩ፡ ሺዓ ኾይኑ “ወ ዓሊዩን ወሊዩ-ላህ” ተወሰኸላ ከማን መልሲ’ዩ። ኣምላኽ ሞይቱ’ዩ ተበለ መልሲ’ዩ፡ ህይወት ትርጉም የብላን ተበለ መልሲ’ዩ፡ “በትረይ ሃቡኒ ምባል ገዲፉ “ጉሩሽይ” ሃቡኒ” ተበለ መልሲ’ዩ፡ እንድዒ ተበለ ውን መልሲ’ዩ ምኽንያቱ ኩሉ እዩ፡ ዘይኮነ ኣይኮነን እቲ ዝኾነ ግን እዩ። እነሀ መርገጽ እግረይ!
ኣብ መእተዊ ዝበልኵዎ ደጊመ ክዛዝም፡ እዚ ዝተባህለ ወይ ክርድኣካ’ዩ ወይ ኣይርድኣካን’ዩ።  እንተተረዲኡካ ምስኡ ክትሰማማዕ ትኽእል ወይ ኣይተሰማማዕን። ‘ተዘይተረዲኡካ ወይ ከተናሽዎ ኢኻ ወይ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮኻ ክመጽእ’ዩ። እዚ ኣርባዕቲኡ መገድታት ቅኑዕ’ዩ። ዝኾነ እትብሎ ቅኑዕ’ዩ ምኽንያቱ ብህይወት ስለ ዘለኻን “ገለ” ክትብል ስለ እትኽእልን። ወላ ዝኾነ ኣይትበል ቅኑዕ ኣለኻ ምኽንያቱ መፍትሕ ህይወት ኣብታ “ኣለኻ” ትብል ግሲ ‘ምበር ኣብታ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ትብል ቅጽል ኣይኮነትን ዘላ። ክሳብ ዘለኻ ዝበልካ ተበልካ ክትጋገ ኣይትኽእልን  እንተ “ከኒብካ” ግን  “ከኒብካ” ኢኻ። ድሕሪ ሞት ናብ ትኸዶ ‘ብልካን፡ እተን ዝነበራኻ ኣቶማት ናብ መሬት፡ እታ ትንፋስካ ናብቲ ዝመጻቶ ትምልሰ። ተወሊድካ፡ ተኸይፍካ፡ ከኒብካ። ካብዚ ወጻኢ እንታይ ዓይነት ጭብጢ ትደሊ ኣለኻ፧“ ብህይወት እናነበርካ ከለኻ ባንዴራ ወዲ ባንዴራ እንታይ ይዓብስ፧ ኣብ ሕብሪ ባንዴራታት ቀያሕ ትበልጽ ጻዕዳ ምባል “ከንቱነት ናይ ክንቱነታት’ዩ” ግን እዩ ስለዚ ይኹን። ኢዚሀራዊ ድማ ሕብሪ ኣምላኽ ዝበሃል የለን ኩሉ ጻዕዳን ጸሊምን ከም ስነ-ፍልጠት’ዩ፧ ኣበይ ኣሎ “ሰማያዊ” ኣምላኽ፧ ይብል። እዚ ውን እዩ ስለዚ ይኹን። ኣብ ጥቃ ርባ ማይ ህይወት ከሎ ምስ ጽምኢ ክራጸም ከሎ ሪእኻ፡ “ነዓ ስተ” ምስ ትብሎ፡ “ኪዲ! ሓሳዊት ማይ ዘየለስ ነዓይ ኣምላኽ’ዶ ገለዶ ክትሻጥርኒ ይብለካ” ጸሚኡ ኣሎ፡ ስለ ዘሎ ውን ይኹን። ኩሉ “ከምዚ እዩ” ወይ “ከምዚ ኣይኮነን” ናይ ኢጎ እዩ፡ ወላ ዛ ምልእቲ ንባዕላ ናይ ኢጎ’ያ። “እዩ” ጥራሕ! ሓደ ድማ ምስ “ከነብኩ” ኣበይ’የ ክኣቱ፧” ይብል። ምስ ከነብካ ተርክበሉ ኣይብለካን፡ ስለ “ዘለኻ” ኢኻ ከምኡ ትብል ዘለኻ። ኖእ! ኣብዚ ኮይነ ን”ድሕረ-ምኽናብ” ክዳሎ ኣለኒ ‘ምበር ተበልካ ውን ፡ ግርም ኪድ ተዳሎ! ክትዳሎ ምድላይካ ሕጂ “ስለዘለኻ”’ዩ ስለዚ ምድላው፡ ምስባኽ፡ ምኽሓድ፡ ወላ “ምዱራም” ኩሉ ሓጢኣት ኣይኮነን። ንሎሚ ኣብዚ እኣኽለኒ፡ ክሳብ ኣብ ቀጻሊ ንራኸብ “ኣይትኸንቡኒ” ዝፈትወኩም ደቂ ማሕበረይ (ESG)።
“ዘኢትከነበት” ኣኽባሪትኩም ሲዶና ዑመር

ስነ-ፍልጠት ድምር ትዕብዝታት እንተኾይኑ ንኣምላኽ ክርእያ ዘይበቀዓ ኣዒንቲ በየናይ መገዲ ንኣምላኽ ክፈልጥኦ ይኽእላ፧ እዚ ስነፍልጠታዊ ብልሓት scientific method ከም ጌጋ ዘይብሉ ንሓቂ ከፍልጠና ዝኽእል መሳርሒ ኣይኮነን ምኽንያቱ ስነ-ፍልጠት ሓደ ነገር ደጋጊምካ ትዕዘቦ’ሞ ካብኡ ሕጊ ምውጻእ ማለት ስለ ዝኾነ። ስለዚ ክትዕዘቦ ዘይትኽእል ነገር ስነ-ፍልጠት ክኸውን ኣይክእልን፡ ብሰንኪ እቲ ተገጢሙልካ ዘሎ ዓይኒ ክርእዮ ዘይትኽእል ነገር እንተመጺኡ፡ ኣብ ክንዲ ንድኻም ኣዒንትኻ ትቕበል “ኖእ! ኣዒንተይ ኩሉ ነገር ከርእያኒ ይኽእላ’የን፡ ዝርአ ኣምላኽ ስለ ዘየለ’ዩ ትብል” እርኢ ኣለኹ እናበልካ ዓዊርካ ትነብር። በዚ ምጉት ተኸድና ኣብ ሓንቲ ኩላቶም ዕውራት ዘለውዋ ፕላኔት ዘለና ንመስል። ሓደ ዕውር ካብ ኒውተን ክሳብ ሎሚ ብዛዕባ ሸውዓተ ሕብርታት ብርሃን ዝተባህለ ኩሉ ካብ ብረይል ኣንቢቡ ኩሉ ፍልጠት ክእክብ፡ ምስ ካልኦት ክካታዕን ይኽእል። ገለ ካብዞም ሰብ ፕላኔት-ዕውራት ኣብ ፊስቡክ ከዕልሉ ከለው “ብርሃን ዝበሃል’ሲ እምበርከ ኣሎዶ ኢልካዮ፧” ኢሎም ጉጅም ይብሉ።
ብርሃን ከይራእኹ ኣይኣምንን ዝብሉ ተለው ህላውነት ብርሃን ብተዘዋዋሪ  ይቅበሉ ኣለው ማለት’ዩ ምኽንያቱ ሰኣን ኣዒንትኦም ምርኣይ ስለ ዝሰኣኑ። ብርሃን የለን ብዝብሉ፡ ኣታ! ዕውር ብርሃን እንታይ ማለት ምዃኑ ካብ ብሬይል ኣንቢብካ ዲኻ ፈሊጥካዮ፧ ካብዞም ብዙሓት ብርሃን ኣሎ ዝብሉ ድማ፡ ከም ዕትሮ ዝተመልኦ’ዩ ዝደግም ዘሎ ‘ምበር ብርሃን ኩሉ ኣካይዳኡስ ብርሃን ዝረኣየስ ኣይመስልን። ክድምድሞ ሲዶና እንታይ ትኣምኒ፧ ኩላትና ብዛዕባ ብርሃን ንካታዕ ዘለና ዕውራት ዝኾንና እስመዓኒ።

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...