Thursday, September 28, 2017

ኣምላኽ ኩሉ ነገር ፈጢርዎ እንተኾይኑ መንሽሮ ባዕሉ ፈጢርዎ ክንብል’ዶ፧



ኣምላኽ ኩሉ ነገር ፈጢርዎ እንተኾይኑ መንሽሮ ባዕሉ ፈጢርዎ ክንብል’ዶ፧
ሓደ ሓውና ትማሊ ክርስቶስ ምስ ገለ ሓካይም መጥባሕቲ ደው ኢሉ “Why are you removing the tumor? I put it in there” ክብል ከሎ ተርኢ ልጥፎ ኣበርኪቱልና ነይሩ ። ወላኳ ኣብ ጉዳይ ኣምላኽ ናይ ዝኾነ ሰብ ርእይቶ ኣገዳሲ ኣይኹን፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዘለኒ ትዕዝብቲ ክገልጽ፡ ከምቲ ልሙድ ላዕሊ ላዕሊ ምዝራብ ስለ ዘይፈቱ ምስ ኢጎ እናተኣሳሰርኩ ክትንትኖ ክፍትን።
እዚ ብቅዱስ ነገራት ምውዛይ በዚ ሓውና ዝተጀመረ ኣይኮነን፡ ብእኡ ውን ደው ዝብል ኣይክኸውንን’ዩ። እዛ ልጥፎ ተልዕሎ ዘላ ነገር ሕማቅ ነገር ካብ ኣምላኽ ድዩ ዝመጽእ፧ ኣምላኽ’ከ ከምቲ ኣመንቲ ዝብልዎ ኩሉ ዝኽእል እንተኾይኑ ስለምንታይ ሕማቅ ነገር እናርኣየ ስቅ ዝብል፧ እዚኣ መካትዒት ሜላ ልምድቲ ህላወ ኣምላኽ ንምድምሳስ ትመጽእ’ያ ብእግሊዝኛ the problem of evil ትበሃል ኮይና፡ እዚ ኩሉ ሽግር እናርኣየ ኣምላኽ ስቅ ስለ ዝበለ ተሓታቲ ናይ ኩሉ ሽግርና ከም ዝኾነ ተስምዕ። እቶም ኣመንቲ ድማ ኣምላኽ ናይ ምምራጽ ነጻነት ስለ ዝሃበና፡ ሰብ ባዕሉ ዝፈጥሮ ሽግር እምበር ካብ ኣምላኽ’ሲ ክፉእ ኣይወጽእን ይብሉ።
ኣብ ሃይማኖታዊ ዝርርባት እቲ ዘሕዝን ንምንታይ ብዙሓት ካብዞም ጸረ-ኣምላኽ ኢና ዝብሉ ሰባት ንምንታይ ካልኦት ቅዱስ ኢሎም ዝሓስብዎ ነገር ብምጽራፍ ክካትዑ ይደልዩ’ዩ። ኣብ ርእስኻ ዘሎ ጥረ ክርስቶስ ከም ዘእተዎ መን ነጊሩካ፧ ኣብ ዓለም ዘሎ ድኽነት፡ ሽግር፡ ዓመጻ ብድሌት ናይ ሰብ ዝመጸ ከም ዘይኮነ ከመይ ኣቢልካ ትፈልጥ፧ ኣብ ሃማኖታዊ ክትዕ ክጽመድ ኣይደልን፡ ምኽንያቱ ኣብ ርእሰይ ጥረ እንተለኒ እቲ ቀዳማይ ዘገድሰኒ ነገር መን ኣብኡ ኣእትይዎ ዘይኮነ ወይስ ስለምንታይ ኣነ መንሽሮ ይሓምም ዘይኮነ፡ ከመይ ጌረ ‘ተን ዘለዋኒ መዓልታት ምስ ጥረይ ብሰላም እነብር’ዩ፡ ክምለሳ’የ ነዛ ነጥቢ። ቅድሚኡ ግን ስለምንታይ ሰብ እምነት ካልኦት ምጽራፍ ባህ ከም ዝብሎ ክንርኢ።
ዝኾነ ሰብ ኵውለድ ከሎ ጻዕዳ’ዩ፡ ብዙሕ እዋን ሓንቲ ካብተን ዝመሃረን ነገራት ስሙ’ያ። ንስሙ ከም መሰረት ተጠቂሙ ድማ ዓሌቱ፡ ሃይማኖቱ፡ ኮታ መንነቱ ኣብኡ ይሃንጽ። ምስ ግዜ “ፈሊጠ” ወይ ሎሚስ ነገራት ክርድኣኒ ጀሚሩ ኣሎ ምስ በለ፡ ሃይማኖቱ ክቕይር ይፍትን።
Continue with the problem of evil

No comments:

Post a Comment

ሸለል ዝኣዘዘልካ ሰብ BLOCK ምግባር ፍትሓዊ ድዩ፧

September 22, 2017 “Block This Person” ትብል መልጐም ናይ ፌስቡክ abuse ካብ ዝገብሩዋ ሰባት ሓንቲ’የ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንገብር፡ ዕሸላት እንተበዚሖም filter ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን...